ኣሜሪካ፡ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዑቕባ ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ኣሚማ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብ ከባቢ ዶብ ደቡባዊ ኣሜሪካ ንዝውሕዙ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዑቕባ ናይ ምሕታት መስል ከም ዘይብሎም ዝእምም ሓድሽ ሕጊ ወጢኑ።
እቲ ሕጊ፡ መምርሒ ፕረዚደንታዊ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሱ ስደተኛታት ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝብይን'ውን ሚኒስተሪ ፍትሕን ኢሚግሬሽንን እታ ሃገር ኣቃሊሑ።
ፕረዚደንት እዚ ዝገብር ንጥቕሚ ዜጋታት እታ ሃገር ምዃኑ እቲ መግለጺ የረድእ።
ኣብ ምርጫ ፍርቂ-ወቕቲ 2018፡ ስደት እቲ ዝዓበየ ዛዕባ ፕረዚደንት ትራምፕ'ዩ ኔሩ።
ካብ ማእከላይ ኣሜሪካ ብሰሜናዊ ሜክሲኮ ኣቢሎም ናብ ኣሜሪካ ንምእታዉ ንዝውሓዙ ስደተኛታት ብዝምልከት እዚ 'ዘይቅቡል ወረራ'ዩ' ክብል ትራምፕ ምዝራቡ ይፍለጥ።
ኣብ ኣሜሪካ ሓደ ሓታቲ ዑቕባ ተቐባልነት ክረክብ እንተኮይኑ ኣብ ሃገሩ ንህይወቱ ዘስግእ ነገራት ምስ ዝህሉን ሃገሩ ክትከላኸለሉ ምስ ዘይትኽእልን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







