ካሜሮን፡ ንፕረዚደንት ፓል ቢያ ሃገራዊ በዓል ኣዊጃትሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ካሜሮን ንፕርዚደንት ፓውል ቢያ ኣመልኪታ ሃገራዊ በዓል ከምዝኣወጀት ወኪል ቢቢሲ ማየኒ ጆነስ ሓቢራ።
85 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕርዚደንት ቢያ፡ 7 ጥቕምቲ ኣብ ዝተገበረ ፕርዚደንታዊ ምርጫ 71 ሚእታዊት ብምርካብ ንሻውዓይ ግዚኡ ምዕዋቱ ዝዝከር እዩ።
እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ተቓወምቲ ሰልፍታት እቲ ፕርዚደንታዊ ምርጫ ምጥፍፋእ ከምዝነበሮ እኳ እንተገለጸ፡ ዘቅረበኦ ጥርዓን ግን ብቤትፍርዲ ተቀባልነት ኣይረኸበን።
ፖል ብያ ኣብ 1982 ናብ ስልጣና ድሕሪ ምምጽኡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መዝነት ፕረዚደነትነት ይርከብ።
እዚ ብስሙ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ብዓል፡ ድሕሪ እቲ 79 ተምሃሮን ኣመሓደርቶምን ብዘይተፈልጡ ሰብ ብረት ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ፓሙንዳ ድሕሪ ምጭዋዮም ይግበር ብምህላዉ፡ ቁጥዐ ፈጢሩ ይርከብ።
ነዞም ካብ 10 ክሳብ 14 ዝዕድሚኦም ተምሃሮ ዝጨወየ ኣካል ወይ ጉጅለ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተፈለጠን ዘሎ።
መንግስቲ ካሜሮን ፡ እዚ መጭወይቲ በቶም ካብ ካሜሮን ተፈልዮም ኣምባዞንያ ትብሃል ሃገረ ንምምስራት ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ከምዝተፈጸመ ይሕብር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







