ካሜሮን፡ ንፕረዚደንት ፓል ቢያ ሃገራዊ በዓል ኣዊጃትሉ

ፕረዚደንት ካሜሮን ፓውል ቢያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ካሜሮን ፓውል ቢያ

ካሜሮን ንፕርዚደንት ፓውል ቢያ ኣመልኪታ ሃገራዊ በዓል ከምዝኣወጀት ወኪል ቢቢሲ ማየኒ ጆነስ ሓቢራ።

85 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕርዚደንት ቢያ፡ 7 ጥቕምቲ ኣብ ዝተገበረ ፕርዚደንታዊ ምርጫ 71 ሚእታዊት ብምርካብ ንሻውዓይ ግዚኡ ምዕዋቱ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ተቓወምቲ ሰልፍታት እቲ ፕርዚደንታዊ ምርጫ ምጥፍፋእ ከምዝነበሮ እኳ እንተገለጸ፡ ዘቅረበኦ ጥርዓን ግን ብቤትፍርዲ ተቀባልነት ኣይረኸበን።

ፖል ብያ ኣብ 1982 ናብ ስልጣና ድሕሪ ምምጽኡ ክሳብ ሕጂ ኣብ መዝነት ፕረዚደነትነት ይርከብ።

እዚ ብስሙ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ብዓል፡ ድሕሪ እቲ 79 ተምሃሮን ኣመሓደርቶምን ብዘይተፈልጡ ሰብ ብረት ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ፓሙንዳ ድሕሪ ምጭዋዮም ይግበር ብምህላዉ፡ ቁጥዐ ፈጢሩ ይርከብ።

ነዞም ካብ 10 ክሳብ 14 ዝዕድሚኦም ተምሃሮ ዝጨወየ ኣካል ወይ ጉጅለ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይተፈለጠን ዘሎ።

መንግስቲ ካሜሮን ፡ እዚ መጭወይቲ በቶም ካብ ካሜሮን ተፈልዮም ኣምባዞንያ ትብሃል ሃገረ ንምምስራት ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ከምዝተፈጸመ ይሕብር።