ኢንዶንዥያ፡ተቆጻጻሪ ትራፊክ ኣየር ብዝወሰዶ ቅልጡፍ ውሳነ ጅግና ተሰምዩ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/AirNav
ኢንዶንዥያዊ ተቆጻጻሪ ኣየር ትራፊክ (በረራ ) ተሳፈርቲ ጽዒና ዝነበረት ኣየር ካብ ምንቅጥቓጥ መሬት ንክትድሕን ብዝገበሮ ቅልጡፍ ውሳነ ጅግና ተባሂሉ።
ወዲ 21 ዓመት ኣንቶንዮስ ጋናዋን ኣጉንግ፡ ብዓርቢ 7 ነጥቢ 5 ሪክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ከጋጥም እንከሎ ኣብ መቆጻጸሪ ማእከል መዕርፎ ነፈርቲ ፓሉ እዩ ነይሩ።
እታ ትብገስ ዝነበረት ኣየር ክሳብ ካብ መሬት ትልዓል ክኣ በቲ ዝነበረ ምንቅጥቃጥ መሬት ከይተዳሃለ ካብቲ ዝነበሮ ከይተንሰአ ሓበሬታ ክሕብሮም ክኢሉ።
ኣንቶንዮስ እታ ኣየር ካብ መሬት ምልዓላ ምስ ኣረጋገጸ ካብ ራብዓይ ደርቢ ብፍኒስተራ ናብ መሬት ኣብ ዝዘለለሉ፡ ኣብ እግሩ ኢዱን መሰንገልኡን መስበርቲ ኣጋጢምዎ፡ ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምብጽሑ'ዩ ሂወቱ ሓሊፋ።
"ኣንቶንዮስ ጋናዋን ኣጉንግ፡ ንስርሑ ሂወቱ ዘወፈየ፡ ክሳብ እታ ኣየር ካብ መሬት ትልዓል ክኣ ጸኒዑ" ክብል ጸሓፊ ኣቬሽን ኢንዶንዥያ ራዲትዮ፡ ንጃካርታ ፖስት ሓቢሩ።
ውሃቢ ቃል ኣቬሽን ኢንዶንዥያ፡ ዮሃንስ ሲራቲ ብወገኑ፡ ቅልጡፍ ውሳነ ናይ ኣንቶንዮስ ሂወት ኣማኢት ሰብ ከምዘድሓነ ን ኤቢሲ ሓቢሩ።
ሞት ኣንቶንዮስን ዝገበሮ ተባዕ ተበግሶን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ምሰተዘርገሐ፡ ብብዙሕ ሰብ ጅግና ከምዝተብሃለ ተገሊጹ።
እቲ ብዓርቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ደሴት ሱላወሲ ኢንዶንዥያ ዝተከሰተ ኮይኑ፡ ብሰንኩ ሱናሚ ምልዓሉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምክትል ፕረዚደንት ኢንዶንዥያ ጆሱፍ ካላ፡ እዚ ምንቅጥቃት መሬትን ሱናምን ሞት ኣሽሓት ኣኸቲሉ'ሎ ክብል እንከሎ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብወገኑ ልዕሊ 1.6 ሚልዮን ኢንዶንዥያውያን በዚ ምንቅጣቃጥ መሬት ከምዝተጸለዉ ሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







