ኣብ መስቀል ኣደባባይ መጥቃዕቲ ቦምባ ብምፍፃም ዝተጠርጠሩ ክሲ ክምስረቶም እዩ

ምንጪ ስእሊ, SAMUEL GEBRU
16 ሰነ 2010 ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ድጋፍ ንምግላፅ ኣብ ዝተዳለወ ሰልፊ ቦምባ ኢድ ብምፍንጃሩ ህይወት ክልተ ሰባት ምጥፍኡ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ተባሂሎም ካብ ዝተኸሰሱ ሰባት ኣብቶም ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ክሲ ከምስረት'ዩ።
መርማሪ ፖሊስ ምርመርኦም ዛዚሙ መዝገቦም ናብ ዓቃቢ ሕጊ ዘሕለፎም ተጠርጠርቲ አብዲሳ ቀነኔ፣ ደሳለኝ ተስፋዬ፣ ጌቱ ግርማ፣ ህይወት ገዳን ባህሩ ቶላን ይበሃሉ።
ራብዐይቲ ተጠርጣሪት ህይወት ገዳ፡ ኣብቲ ዕለት ናይ ኣእሙሮ ሕምምቲ ብምምሳል ኣብቲ ገብን ተሳቲፋ እያ ዝተብሃለት እንትትኮን፤ ሕዚ'ውን ኣብ ኣማኑኤል ሆስፒታል ሕክምና እናተኸታተለት እያ ትርከብ ኢሉ እቲ መርማሪ ጉጀለ።
ቀዳማይ ተጠርጣሪ ኣብዲሳ ቀነኒ ድማ ኣብቲ ዕለት ገበን ከምዝፈፀሙ ተጠርጢሮም ኣብ ሕክምና ዝነበሩ ሰባት ክሃድሙ ፈተነ ገይሩ እዩ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ'ሎ።
ሳልሳይ ተጠርጣሪ ጌቱ ግርማ ድማ ነቲ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ኣዋዲዱ እዩ ብዝብል እዩ ተኸሲሱ።
እቲ መዝገብ ምርመራ፤ ቅዳሕ ድምፂ፣ ናይ ምስልን ካልኦት ዝርዝር ጉዳያትን ዝሓዘ ብምዃኑ ክሲ መመስረቲ 15 መዓልታት ንኽወሃብ ብዓቃቢ ሕጊ ሕቶ ቀሪቡ'ሎ።
ተጠርጠርቲ፡ 'ምርመራ እንተደኣ ተዛዚሙ ንዓቃቢ ሕጊ ተወሳኺ ግዜ ክወሃቦ የብሉን፤ መሰል ዋሕስ ይተሓለወልና፤ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጋጥመና ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ደው ይበል' ክብሉ ንቤት ፍርዲ ሓቲቶም።
ዓቃቢ ሕጊ ብወገኑ ነቶም ተጠርጠርቲ መሰል ዋሕስ ክፍቀድ የብሉን ኢሉ። ፖሊስ ድማ እቶም ተጠርጠርቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተፈፂሙና እዩ ዝበልዎ ሓቅነት ከምዘይብሉን ነዚ ድማ ናይ ቪድዮ መረዳእታ ከቕርብ ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ።
ቤት ፍርዲ ንኽልቲኦም ተኻታዕቲ ድሕሪ ምስማዕ፤ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ንምምስራት ዝሓተቶ 15 መዓልቲ ፈቒድሉ። ተጠርጠርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክፀንሑ ድማ ኣዚዙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







