ኣባላት ቢሮ ፌደራላዊ ምርመራ ኣሜሪካ (ኤፍ ቢ ኣይ) ኢትዮጵያ ኣትዮም

ኣባላት ቢሮ ፌደራላዊ ምርመራ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ንቐዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ዝተፀውዐ ሰልፊ ንዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ቦምባ ንምፅራይ እዩ።
ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ዘይኑ ጀማል ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ እቶም ኣባላት ምርመራ ስርሖም ጀሚሮም ኣለዉ።
ነቲ ምርመራ ዘካይድ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጉጅለ ከምዝተጣየሸን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝተውፃፅኡ ኣባላት ከምዝሓቖፈን ኣረዲኦም።
ናይ ኣባላት ኤፍ ቢ ኣይ ምምፃእ ድማ "ብቴክኖሎጂታት ዝተሓገዘ ስሉጥ ምፅራይ ንምክያድ'ዩ" ኢሎም።
በቲ መጥቃዕቲ ዝተታሕዙ ጥርጡራት ቁፅሮም 28 ከምዝኾኑ'ውን እቶም ኮሚሽነር ሓቢሮም።
ኣብ ልዕሊ 150 ሰባት መጉዳእቲ ክበፅሕ ከሎ፡ ክልተ ከምዝሞቱ እውን ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ገሊፆም ነይሮም።
ንፕረዚደንት እታ ሃገር ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ሓዊሱ ካልኦት ሰበ-ስልጣን ናብ ሆስፒታላት ብምኻድ ንግዳያት ይሓቱ ኣለዉ።
ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ነበር ግርማ ካሳ "ሓይልታት ፀጥታ ዋላ'ኳ እኹል ቅድመ ምድላው እንተገበርና፡ ፈፀምቲ መጥቃዕቲ ግን ልዑል ምድላው ገይሮም ስለዝነበሩ ነቲ መጥቃዕቲ ፈፂሞም" ኢሎም ምንባሮም ይዝከር።
እቶም ምኽትል ኮሚሽነር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ምፅራይ ይግበረሎም ኣሎ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣይተ ፍፁም ኣረጋ፡ ክሳብ ሕዚ በቲ መጥቃዕቲ ዝሞተ ሰብ ከምዘይተመዝገበ ኣብ ትዊተሮም ሓቢሮም።
ዝተጎድኡ ሰባት ቁፅሮም 83 ከምዝኾነን፡ ካብ ሞንጎኦም 6 ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሖምን ገሊፆም።
ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶክተር ኣሚር ኣማን ኣብ ብወገኖም፡ ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣምበሳ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ፣ 154 ከምዝቖሰሉን ካብዚኦም እቶም 10 ከቢድ መጉዳእቲ ከምዘጋጠሞምን ኣብ ትዊተሮም ገሊፆም።
ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ኣበባዉ በቀለ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈፀመሉ ግዜ ኣብቲ ቦታ ከምዝነበሩ ብምሕባር፡ ኣብ እዋን ሓደጋ ሓገዝ ዝህቡ ኣርባዕተ ዳሳት (ድንኳናት) ከምዝተሰርሑ ኣዘኻኺሮም።
ኣርባዕተ ነርስን 80 ወለንተኛታትን እውን ተዋፊሮም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም። "መኻይንና ብደም ተኣሊኸን ምንባረን ክብደት እቲ ሓደጋ የርእይ" ኢሎም።
ኣባል መተሓባበሪ ኮሚቴ ሰልፊ ድጋፍ ዝኾኑ ኣይተ ጉደታ ገላልቻ "ነዚ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ኣብታ ሃገር ንዝመፅእ ዘሎ ለውጢ ንቕድሚት ከይስጉም ዝደልዩ ጉጅለታት እዮም" ኢሉ።
"ክሳብ ሕዚ ብዘለኒ መረዳእታ ሓደ ሰብ ህይወቱ ክስእን ከሎ፡ ሓደ ድማ ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ በፂሕዎ" ዝበለ እቲ ኣባል፡ ኣብ ቦርስኦም ቦምባ ኢድ ሒዞም ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተዛሪቡ።
ኣብ ጉዳይ ፀጥታን ድሕንነትን ምስ ናይ ፌደራል፣ ኣዲስ ኣበባን ኦሮሚያን ፖሊስ ተወሃሂዶም ክሰርሑ ምፅንሖም ንቢቢሲ ገሊፁ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY
"እቲ ሕዚ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብወገን ኣካላት ፀጥታ ክፍተት ከምዝነበረ ኣርእዩና'ሎ" ኢሉ።
ይኹን ዳኣ'ምበር በቲ ሰልፊ ከሕልፍዎ ዝደልይዎ መልእኽቲ ከምዘሕለፉን ዕላምኡ ከምዝተዓወተን ሓቢሩ።
ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ሰባት ናብ ሆስፒታላት ዘውዲቱ፣ ጥቁር ኣንበሳን ኣለርትን ከምዝተወሰዱ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ መሳርሕትና ገሊፁ።
መንግስቲ ትግራይ
መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከምዝኹንን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
"ዝተፈለየ ሓሳብን ኣረኣእያን ምሓዝን ምግላፅን ዝፈቅድ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ዘለዋ ሃገር ድሌትካ ብሓይሊ ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ቦምባ ምፍንጃርን ጉድኣት ክበፅሕ ምግባርን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ተቐባልነት ዘይብሉን ግዘ ዝሓለፎ ድሑር ተግባር እዩ፡፡" ክብል ኣብ ፌስቡክ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን እቲ ክልል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
Content is not available
View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።End of Facebook post
ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ እኩይ ተግባር ዝፈፀሙ ኣካላት ብዝርዝር ኣጻርዩ ናብ ሕጊ ከቕርቦምን ውፅኢቱ እውን ንህዝቢ ዕላዊ ክገብርን ኣተሓሳሲቡ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ንቤተሰብን ፈተውትን ግዳያት እዚ ሓደጋን ፅንዓትን ኣኻእሎን ተመንዩ።
ኤርትራ
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስጢፋኖስ ኣፈወርቂ ነቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኮኒኖም።
ኣምባሳደር እስጢፋኖስ ኣብ ትዊተር "ህውከት ንምፍጣር ንዝተገበረ ፈተነ፡ ኤርትራ ብትሪ ተውግዞ" ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ዝዓይኑ መጥቃዕቲ ክፍፀም ንመጀመርታ ግዜ ከምዝኾነ'ውን ወሲኾም ሓቢሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







