ኣብቲ ንቐዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ናይ ድጋፍ ሰልፊ ዝተርኣየ ክፍተት እንታይ ነይሩ?

ሰልፊ ድጋፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, YONAS TADESSE

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሰልፊ ድጋፍ መጥቃዕቲ ቦምባ ኢድ ከምዝተፈፀመ ይዝከር።

ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ዘይኑ ጀማል ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኣብቲ ሰልፊ ዝተርኣየ ናይ ሓለዋ (ድሕንነት) ክፍተት ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ድዩ ኣይኮነን? ዝብል ከምዝፃረ ትማሊ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዕለት እቲ መድረኽ ካብ ህዝቢ ዝነበሮ ርሕቀት ዝተቐራረበ ምንባሩ ከምዝተገምገመ'ውን ገሊፆም።

እንታይ'ዩ ተፈጢሩ?

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ዘረባ ኣስሚዖም ምስወድኡ'ዩ ድምፂ ምፍንጃር ነታጒ ቦምባ ኢድ ዝተሰምዐ። ስዒቡ ድማ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ እናጎየዩ ብሃገራዊ ቴሌቪዥን ብቐጥታ ኣብ ዝነበረ ፈነወ ተራእዩ።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ "ኢትዮጵያውያን ፍቕሪ ክዘንብ ኣብ ዝገበሩሉ መዓልቲ፡ ሰላም እታ ሃገር ዘይደልዩ ኣካላት ብዝተፀንዐን ብዝተሓሰበሉን መገዲ ሞይኦም ተጠቒሞም ህይወት ሰባት ንምጥፋእን ደም ንምፍሳስን ዝለዓለ ፃዕሪ ገይሮም" ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣባል ኣታሓባባሪት ኮሚቴ ኣይተ ጉደታ ገለልቻ "ምስ ፖሊስ ፌደራል፣ ኣዲስ ኣበባን ኦሮሚያን ተዋዲድና እናሰራሕና ነይርና። እቲ ዝተፈጠረ መጥቃዕቲ ግን ኣብ ኣካላት ፀጥታ ክፍተት ከምዝነበረ ኣርእዩና" ክብሉ ንቢቢሲ ገሊፆም።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍፀም ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ምኽትል ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግርማ ካሳ ንሃገራዊ ቴሌቪሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ "ኣካላት ፅጥታ ብዙሕ ምድላው ገይርና ነይርና፤ ይኹን ዳኣ'ምበር ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኣካላት ድማ ዝለዓለ ምድላው ገይሮም ስለዝፀንሑ ክፍፀም ኪኢሉ" ኢሎም።

ነዚ ቃለ-መሕትት ካብ ዘካይዱ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ድማ ንዕኦም ሓዊሱ ትሸዓተ ኣባላት ፖሊስ ፌደራልን ኣዲስ ኣበባን ካብ ስራሕ ከምዝተሰጉ፤ ንዘርኣይዎ ክፍተት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ምርመራ ክካየደሎም ምጅማሩ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዕለት ካልኦት ሽድሽተ ሰባት ተታሒዞም ምፅራይ የካይድ ከምዘሎ'ውን ፖሊስ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኤፍ ቢ ኣይ ኣብ ምርመራ

ካብ ትማሊ ጀሚሩ እቲ መስርሕ ምርመራ ብናይ ደገ ክኢላታት ምርመራ ከምዝሕገዝ ተገሊፁ እዩ።

ኮሚሽነር ፖሊስ ፌደራል ጀነራል ዘይኑ ጀማል ንመራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብቲ ድሕር'ቲ መጥቃዕቲ ዘለዉ ሰባት ንምፍላይ ዝግበር ፃዕሪ ምቕፃሉ ተዛሪቦም።

"ምስ ኤፍ ቢ ኣይ ሓበራዊ ስራሕ ተጀሚሩ'ሎ፤ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ምርመራ ይካየደሎም ዘለዉ ተጠርጠርቲ'ውን 28 በፂሖም" ኢሎም።

ኣይተ ቢተው በላይ ገዲም (ነባር) ተጋዳላይን ኣባል ባይቶ ኢህወዴግን እዮም። ኣብ ክልል ደቡብ እውን ምስ ፀጥታን ድሕንነትን ብዝተትሓሓዘ ይሰርሑ ነይሮም።

ካብ ዘዘራረብዎም ሰባት ዝተገንዘብዎ ክገልፁ ከለዉ "ኣዳለውቲ ንፀጥታ ብዝምልከት ብዝድለ መጠን ተዋዲዶም ዝኣተዉ ኣይመስሉን" ኢሎም።

ዝርዝሩ ካብ መንግስታዊ ኣካላት ሓቲትካ ምርዳእ ከምዘድልይ ዝሕብሩ ኣይተ ቢተው፡ ኣብ ገለ ቦታታት ናይ ፈተሻ ምልሕላሕ ከምዝነበረን ኣብቲ ቦታ ቀዲሞም ኣትዮም ዝሓደሩ ሰባት ከምዝነበሩ ዝወፁ መረዳእታታትን ምልሕላሕ ጉዳይ ፀጥታ ከምዘርእይ ገሊፆም።

እዚ ዝዓይነቱ ዓብዪ መድረኽ ክሰናዳእ ከሎ ቀዲምካ ምስ ኣካላት ፀጥታ ተቐራሪብካ ምትላም የድልይ ምንባሩ'ውን ተዛሪቦም።

"ከምዚ ዝዓይነቱ ብዓርሰ ተበግሶ ዝካየድ ህዝባዊ ሰልፊ ክሕሰብ ከሎ፡ ነዚ ዘይደልዩ ኣካላት ድማ ነቲ በዓል ንምትእጉጓል ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ንምክልኻል ምድላዉ ምግባር ወሳናይ'ዩ" ይብሉ።

ንቐዳማይ ሚንስትር ኣብይ ተገበረ ሓለዋ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ንምዝራብ፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሰብ ዝዕዘቦን ርእይትኡ ክህበሉ እንተዝኽእልን ከምዝሓይሽ ገሊፆም።

ሰልፊ ድጋፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency

ምርመራ ይካየድ ምህልዉ ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ጀነራል ዘይኑ፡ ንሶም ካብ ዝመርሕዎ ኮሚሽን፣ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ድሕንነትን ከምኡ'ውን ካብ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ዝተውፃፅኡን በቲ ሞያ ዝለዓለ ተሞክሮ ዘለዎምን ሰብ-ሞያ ይሳተፉ ምህላዎም ኣረዲኦም።

እቲ ምርመራ፡ ፈፃሚ መጥቃዕቲ፣ ዒላማ እቲ መጥቃዕትን ፖሊስ ተሳቲፉ'ዶ ኣይተሳተፈን ንዝብሉ ሕቶታት ንምምላስ ዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሮምና።

"ተሳትፎ ፖሊስ ኣብቲ መጥቃዕቲ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝፅረ ጉዳይ'ዩ" ኢሎም።