ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ቼልሲ ኰይኑ

ኣሰልጣኒ ቶተንሃምን ፒኤስጂን ነበር ማውሪስዮ ፖቸቲኖ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሰልጣኒ ቶተንሃምን ፒኤስጂን ነበር ማውሪስዮ ፖቸቲኖ ን ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ከሰልጥን ተመሪጹ።

እቲ ወዲ 51 ዓመት ኣርጀንቲናዊ፡ ምስታ ጋንታ ንክልተ ዓመት ውዕል ክኣቱ እንከሎ፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት’ውን ኣማራጺ ክህልዎ’ዩ።

ፖቸቲኖ፡ ካብ 1 ሓምለ 2023 ጀሚሩ ንግዝያዊ ኣሰልጣኒ ፍራንክ ላምፓርድ ተኪኡ ስርሑ ክጅምር እዩ።

ቼልሲ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "ማውሪስዮ ብሉጽ ክብረወሰንን ዓለምለኻዊ ደረጃን ዘለዎ ኣሰልጣኒ'ዩ። ኩላትና ምሳና ክሰርሕ ብሃንቀውታ ንጽበ" ኢላ።

ብተወሳኺ፡ ፖቸቲኖ ቀዳማይ ኣማራጺን ንዝርርብ ናብታ ክለብ ዝኣተወ እንኮ ኣሰልጣኒንን ከም ዝዀነ ኣመልኪታ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ኣሰልጣኒ ምስ ዳይረክተራት ስፖርት ፖል ዊንስታንሊን ሎረንስ ስቲዋርትን ክሰርሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ዊንስታንሊን ስቲዋርትን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ተመኩሮ ማውሪስዮ፡ ደረጃታት ብሉጽነት፡ ናይ ኣመራርሓ ብቕዓትን ባህርያትን ንክለብ ኩዕሶ እግሪ ቼልሲ ጽቡቕ ጌሩ ከገልግላ እዩ” ክብል ሓቢሩ።

"ኣብ ዝለዓለ ደረጃታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሊጋትን ቋንቋታትን ዝሰርሐ ዕዉት ኣሰልጣኒ'ዩ። ስነ-ምግባር፡ ታክቲካዊ ኣቀራርባኡን ንምዕባለ ዘለዎ ተወፋይነትን ኩሉ ፍሉይ ሕጹይ ገይርዎ።"

ቼልሲ፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ቀወምቲ ኣሰልጠንቲ ክትመዝዝ ፖቸቲኖ መበል ሻድሻይ’ዩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ቶማስ ቱቸልን ግራሃም ፖተርን ካብታ ክለብ ከም ዝተሰናበቱ ይዝከር፤ እዚ ድማ ላምፓርድ ግዝያዊ ኣሰልጣኒ’ታ ክለብ ክኸውን ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

እታ ጋንታ፡ ድኹም ዓመተ ስፖርት እያ ኣሕሊፋ፡ ኣብ ሳልሳይ ዙርያ ጸወታታት ኤፍኤ ካፕን ሊግ ካፕን ብማንቸስተር ሲቲ ተሳዒራ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ’ውን ኣብ ርብዒ ፍጻመ ብርያል ማድሪድ ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ተሰናቢታ፤ እዚ ስዕረት’ዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሊጋት ኤውሮጳ ከም ዘይትሳተፍ ዘረጋገጸ ነይሩ።

ድሕሪ ዓመተ ውድድር 1995-96፡ ቼልሲ ንፈለማ እዋን ኣብ ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ መበል 12 ደረጃ ሒዛ ኣብ ታሕተዋይ እብረ ዛዚማ ኣላ።