ስዕረት ሊቨርፑልን ቸልስን ኣብ ልዕሊ ኣሰልጠንተን ጸቕጢ ፈጢሩ

ሎጎታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትማሊ ዝተኻየዱ ጸወታታት ፕሪምየር ሊግ፡ ብቐንዲ ተነሓነሕቲ ማንቸስተር ሲቲን ሊቨርፑልን እዩ ተጀሚሩ። ኣብቲ ጸወታ ሊቨርፑል ብማንቸስተር ሲቲ ተዓብሊላ 4ን1 ተሳዒራ።

ድሕሪ እቲ ጸወታ፡ ሊቨርፑል ናብ መርሲሳይድ ኣብ እትምለሰሉ ዝነበረት እዋን ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ እታ ጋንታ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ ኣሎ።

ናብ ገጽ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ ዝተደርበየ ሕጡብ መስኮት እታ ኣውቶቡስ ከም ዝሰበረ መርበብ ሓበሬታ ሚረር ይገልጽ።

ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ይምርምር ኣሎ።

ጋንታ ማንቸስተር ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውጽአቶ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ኣረጋጊጻ።

ነቲ ፍጻመ ዝዀነነት ሲቲ፡ ፖሊስ ኣብ ዝጀመሮ መርመራ ክትሕግዝ’ውን ቃል ኣትያ ኣላ።

ኣብ ካልኦት ጸወታታት፡ በርንማውዝ ኣንጻር ፉልሃም 2 ብ 1፡ ክሪስታል ፓላስ ኣንጻር ሌስተር ሲቲ 2 ብ 0 ክዕወታ እንከለዋ፡ ኖቲንግሃም ፎረስት ኣንጻር ዎልቭዝ 1 ብ 1 ከምኡ’ውን ብራይተን ኣንጻር ብሬንትፎርድ 3 ብ 3 ተፈላልየን።

ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ማንቸስተር ሲቲ ትማሊ ቀዳም ኣብ ሜድኣ ኣንጻር ሊቨርፑል ዘመዝገበቶ ዓወት፡ ምስ ኣርሰናል ዘለዋ ፍልልይ ናብ ሓሙሽተ ነጥቢ ክወርድ'ኳ እንተገበረ፡ እታ ነቲ ፕሪምየር ሊግ እትመርሕ ዘላ ኣርሰናል ግን ንሊድስ 4ብ1 ብምርታዕ መሪሕነታ ኣሐይላ ኣላ።

ኣብዚ ጸወታ ጋብሪኤል ጀሱስ ክልተ ሸቶ ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ።

ብኣሰልጣኒ ዩናይ ኤምረ እትምራሕ ኣስቶን ቪላ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ኣንጻር ቼልሲ 2ብ0 ተዓዊታ።

ድሕሪ'ቲ ትማሊ ዝተመዝገበ ውጽኢት ኣሰልጠንቲ ሊቨርፑልን ቸልሲን ኣብ ጸቕጢ ኣትዮም ይርከቡ።

የርገን ክሎፕ - ሊቨርፑል

የርገን ክሎፕ - ሊቨርፑል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናይ ትማሊ ስዕረት 'ቅቡል ኣይኮነን' - የርገን ክሎፕ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝሓለፈ ዓመት ማንቸስተር ሲቲ ምስ ሊቨርፑል ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን መን ክዕወት ከም ዝኽእል ንምግማት ኣጸጋሚ ነይሩ።

ይዅን'ምበር፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ስታድዩም ኢትሓድ ኣብ መንጐ ክልቲአን ጋንታታት ዝተኻየደ ጸወታ፡ ማንቸስተር ሲቲ ዓብላልነት’ዩ ተዛዚሙ።

ዋላ'ኳ ሊቨርፑል ኣብ መበል 17 ደቒቕ ብመሓመድ ሳላሕ ኣቢላ ቀዳመይቲ ሸቶ እንተመዝገበት፡ ድሕሪ 10 ደቓይቕ ኣርጀንቲናዊ ጁልያን ኣልቫረዝ ንሲቲ ማዕረ ዝገበረት ሸቶ ኣመዝጊቡ።

ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ሸቶታት ኬቨን ዲ ብራይን፡ ኢካይ ጉንዶጋንን ጃክ ግሬሊሽን፡ ሲቲ ብልዑል ውጽኢት ክትዕወት ኣኽኢሎምዋ።

ማንቸስተር ሲቲ ንሳልሳይ ግዜ ተኸታታሊ ዋንጫ ፕረምየር ሊግ ክትዓትር ምስ ኣርሰናል ትነሓናሕ ኣላ። ሊቨርፑል ድማ ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ ካብ ዝኣትዋ ጋንታታት ብ7 ነጥቢ ርሒቓ ትርከብ።

ተኸላኻላይ ማንቸስተር ዩናይትድ ነበር ሪዮ ፈርዲናንድ ንሊቨርፑል "ከቢድ" ግዜ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣለን ሸረር ብወገኑ፡ ሊቨርፑል "ካብቲ እንፈልጦም ንላዕሊ ተስፋ ቈሪጾምን ተዳኺሞምን" ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።

ሊቨርፑል ኣብ ዓመተ ስፖርት 2022/23 ፕሪምየር ሊግ ምስ ናይ ትማሊ ጸወታ 9 ግዜ ተሳዒራ ኣላ፤ ሸሞንተ ካብዚኦም ካብ ሜዳኣ ወጻኢ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 4 ውድድራት ዋንጫ ክሳብ መወዳእታ ተቓሊሳ’ያ፤ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ብሓደ ነጥቢ ብሲቲ ክትብለጽ ከላ፡ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ድማ ኣብ ፍጻመ ጸወታ ብማድሪድ ተሳዒራ።

ክሎፕ ከም ዝብሎ፡ ሊቨርፑል ሎሚ ዓመት ብተደጋጋሚ ድኹም ብቕዓት'ኳ እንተርኣየት፡ ንማንቸስተር ዩናይትድ 7 ብ 0 ምስ ረትዐት ግን መንፈሳ ተነቓቒሑ ነይሩ።

"ብቕልጡፍ ተኸታተልቲ ክልተ ሸቶታት ምእንጋድና ንዅሉ ኣበላሽዩ" ክብል እቲ ኣሰልጣኒ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ሓቂ ንምዝራብ ፍጹም ቅቡል ኣይኮነን።"

ተወሳኺ ሸቶታት ዘይምእናጋዶም’ውን "ዕድለኛታት ኢና" ኢሉ።

የርገን ክሎፕ ዝመርሓ ጋንታ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ዝኾነ ዋንጫ ክትዓትር ኣይከኣለትን። ክሳብ 4 ደረጃ ናይ ምዝዛም ዕድላ’ውን ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።

ማንቸስተር ሲቲ ብዘይ ኮኾብ ኣጥቃዓያ ኣርሊን ሃላንድ እያ ንሊቨርፑል ረቲዓታ። ሓንቲ ሸቶ ዘመዝገበ ግሪሊሽ ድማ ብሉጽ ብቕዓቱ ኣርእዩ’ዩ።

ገለ ተንተንቲ፡ ኣሰልጣኒ ማን ሲቲ ፔፕ ጉዋርዲዮላ፡ ጋንታኡ ሸቶ ኣብ ዘመዝገበትሉ እዋን ኣብ ቅድሚ ተቐየርቲ ተጻወትቲ ሊቨርፑል ምስዕሳዑ ግቡእ ከም ዘይኰነ’ኳ እንተገለጹ፡ እቲ ኣሰልጣኒ ግን ነዚ ነጺግዎ።

ግራሃም ፖተር - ቼልሲ

'ሓላፍነት ክወስድ ኣለኒ' - ግራሃም ፖተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 'ሓላፍነት ክወስድ ኣለኒ' - ግራሃም ፖተር

ኣሰልጣኒ ቸልሲ ግራሃም ፖተር እውን ኣብ ጸቕጢ ኣትዩ ይርከብ።

ትማሊ ምሸት ቸልሲ ዋላ'ኳ ብርክት ዝበሉ ዕድላት ሸቶ እንተፈጠረት፡ ኩዕሶ ምስ ልዳት ከተራኽብ ግን ኣይከኣለትን።

ቸልሲ ኣንጻር ኣስቶን ቪላ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ 27 ፈተነታት ሸቶ ገይራ፤ 69 ሚእታዊት ኩዕሶ ተቘጻጺራ። ኣብ መወዳእታ ግን 2 ብ 0 ተሳዒራ።

"ድሕሪ ስዕረት ኵሉ ግዜ ተስፋ ምቝራጽ ኣሎ" ክብል ፖተር ንማች ኦፍ ዘ ደይ ገሊጹ።

"ንማንም ክወቅስ ኣይደልን፡ ሓላፍነት ክወስድ ኣለኒ። ጋንታ ኢና፡ ብሓባር ንዕወት ወይ ንሰዓር።"

"ክነመሓይሽን ንዝቕጽል ጸወታ ድማ ክንዳሎ ኢና” ክብል ንቐጻሊ ጸወታ ብሃንቀውታ ከም ዝጽበዩ ሓቢሩ።

ቸልሲ ኣብ ስታንፎርድ ብሪጅ ንኹዕሶ ዓብሊላ'ኳ እንተነበረት፡ ብኣስቶን ቪላ ምስ ተሰዓረት ናብ መበል 11 ደረጃ ወሪዳ ትርከብ። ቸልሲ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ዘመዝገበቶ 29 ሸቶታት ካብ 12 መቐናቕንታ ዝውሕድ’ዩ፤ ኣብ ስግኣት ምውራድ ዝርከባ ሊድስን ሌስተርን ከይተረፋ ካብ ናይ ቸልሲ ዝዛየድ ሸቶ ኣመዝጊበን’የን።

ሓድሽ ወናኒ ቸልሲ ኣሜሪካዊ ቶድ ቦህሊ ነታ ክለብ ንምሕያል ልዕሊ 550 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት'ኳ እንተገበረ፡ ኣብታ ክለብ ግን ጽቡቕ ምዕባለ የለን። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ፖተር ጸቕጢ እናወሰኸ ክኸይድ ገይሩ ኣሎ።

ተጻወትቲ ቸልሲ ናብ መቐየሪ ክዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ገለ ደገፍቲ ቅሬታኦም ኣብ ዘስምዑሉ እዋን፡ 'ፖተር ይውጻእ' ይብሉ ከም ዝነበሩ ዝገልጹ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ሒደት ኣይኰኑን።

ቸልሲ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሜዳኣ 4 ግዜ ተሳዒራ፡ ኣብ ኣርባዕቲኡ ጸወታታት ድማ ሸቶ ከተመዝግብ ኣይከኣለትን።

እታ ጋንታ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ምስ ሪያል ማድሪድ ዝግበር ጸወታ ይጽበያ ኣሎ።

ገለ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪን ተጻወትቲ ነበርን፡ እንተላይ ተጻዋታይ ቸልሲ ነበር ሃሰልባንክ፡ ቸልሲ ነቲ ኣሰልጣኒ ከተባረሮ የብላን ይብሉ።

ካልኦት ድማ እቲ ኣሰልጣኒ ይኣኽሎ፤ ክባረር ኣለዎ ዝብል ርእይቶ ይህቡ።