ቸልሲ፡ ፍራንክ ላምፓርድ ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ኰይኑ ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍሉጥ እንግሊዛዊ ተጻዋታይ ነበር፡ ፍራንክ ላምፓርድ ነታ ንነዊሕ ዓመታት ዝተጻወተላ ክለብ ቸልሲ ከሰልጥን ንኻልኣይ ግዜ ተቘጺሩ።
ላምፓርድ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ዝተሰናበተ ኣሰልጣኒ ግራሃም ፖተር ብምትካእ'ዩ፡ እዚ ዓመተ-ውድድር ክሳብ ዝውዳእ ነታ ጋንታ ክኣሊ ተመሪጹ ዘሎ።
ሰብመዚ'ታ ክለብ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ቀዋሚ ኣሰልጣኒ ክሳብ ዝረኽቡ ላምፓርድ ነታ ጋንታ ከካይዳ ምዃኑ ሓቢሮም።
"ዝከኣለኒ ግደ ክጻወት'የ፡ ብድሕሪኡ እንታይ ከምዝኸውን ከኣ ንርእዮ" ክብል እቲ ወዲ 44 ዓመት ናብታ ዝፈትዋ ክለቡ ምምላሱ ከምዘሐጐሶ ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ካብ ክለብ ኤቨርተን ዝተሰናበተ ላምፓርድ፡ ካብ ጥሪ 2019 ክሳብ ሓምለ 2021 ኣሰልጣኒ ቸልሲ ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር።
ፈለማ ጸወታኡ ድማ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ካብ ሜዳ ቸልሲ ወጻኢ ኣንጻር ዎልቭስ ክገጥም’ዩ፤ ቀጺሉ ረቡዕ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ርብዒ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ሪያል ማድሪድ ሓያል ግጥም ክጽበዮ እዩ።
ግዝያዊ ኣሰልጣኒ ዝነበረ ሮበርቶ ዲ ማቴዮ ንቼልሲ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትዕወት ክገብር ከሎ፡ ላምፓርድ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ተጻዋታይ'ዩ ነይሩ።
ተመሳሳሊ ዓወት ክረክብ ዝኽእል እንተዀይኑ ምስ ተሓተተ፡ "ናተይ ውሳነ ኣይክኸውንን'ዩ፡ ናብኡ ክዘልል ኣይደልን እየ" ክብል መሊሱ።
"እዚ ሕቶ ብዙሕ ከም ዝሕተት ይርድኣኒ'ዩ። ኣዒንተይ ክፉት’ዩ። እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣብቲ ኣብ ኢደይ ዘሎ ስራሕ ምትኳር'ዩ።"
ቸልሲ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር፡ ሓደስቲ ተጻወትቲ ንምዕዳግ ልዕሊ 550 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት'ኳ እንተገበረት፡ ካብ ራብዓይ ደረጃ ብ14 ነጥቢ ድሒራ ኣብ መበል 11 ደረጃ ትርከብ።
ሽመት ላምፓርድ ዘፍለጡ ወነንቲ ቶድ ቦይሊን በህዳድ ኤግባሊን፡ "ነታ ክለብን ደገፍትናን ንዝተረፈ ዓመተ-ውድድር ንጹርን ርጕእን ውጥን ከነቕርብ ንደሊ" ኢሎም።
"ንነብስና ኵሉ ናይ ዓወት ዕድል ክንህባ’ዩ ድሌትና፡ ፍራንክ ድማ ኵሉ እቲ ናብቲ መዛዘሚ ክድርኸና ዘኽእል ባህርያት ኣለዎ።"
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሰልጠንቲ ቸልሲ ግራሃም ፓተርን ናይ ሌስተር ሲቲ ብሬንዳን ሮጀርስን ኣብ ሓደ መዓልቲ'ዮም ካብ ስርሖም ተሰጒጎም።
ኣቐዲሙ'ውን፡ ቶተንሃም፡ ክሪስታል ፓላስን፡ ኤቨርተንን ኣስቶን ቪላን ዝርከባአን 12 ክለባት ኣሰልጠንተን ኣሰናቢተን እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







