'ያሕያ ሲንዋር ኣብ ገዛይ እዩ ተቐቲሉ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ካብ ቓዛ ዝተመዛበለ ፍልስጤማዊ፡ እቲ መራሒ ሓማስ ነበር ዝተቐትለሉ ገዛ፡ ኣብ ግንቦት ካብቲ ከባቢ ክሃድም ቅድሚ ምግዳዱ፡ ን15 ዓመታት ገዛኡ ምንባሩ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣሽራፍ ኣቡ ጣሃ፡ ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ከባቢ ራፋሕ፡ ጎደና ኢብን ሴና ዝርከብ ገዛኡ ምዃኑ ዝገለጸ፡ ካብ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እስራኤል ዝተቐድሐ ስእሊ ብኽፋል ዝዓነወ ህንጻ ምስ ረአየ እዩ።
በቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ግዝኣት እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብድሕሪት ዘሎ ቀንዲ ሰብ ከምዝዀነ ዝንገር ያሕያ ሲንዋር፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ብወተሃደራት እስራኤል ተቐቲሉ።
ሰራዊት እስራኤል፡ሲንዋር ቅድሚ ምቕታሉ ኣብ ሓደ ብኽፋል ዝዓነወ ገዛ ኣብ ሶፋ ኰፍ ኢሉ ዘርኢ፡ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣውጺኡ ነይሩ።
ኣሽራፍ ኣቡ ጣሃ ንቢቢሲ ዓረብኛ መደብ ‘ቓዛ ላይፍላይን’ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እስራኤል ነበርቲ ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣዚዛ ኣንጻር ተዋጋእቲ ሓማስ ስርሒት ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን፡ ብ6 ግንቦት ካብ ራፋሕ ካብ ዝርከብ ገዛኡ ናብ ክሃን ዩኒስ ካብ ዝመዛበል ንደሓር፡ ብዛዕባ ገዛኡ ዝፈልጦ ነገር ከምዘይነበረ ተዛሪቡ።
ጣሃ፡ መጀመርያ ጓሉ ነቲ ናይ መወዳእታ ህሞታት ሲንዋር ዝተቐርጸሉ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምዘርኣየቶን፡ ኣብ ራፋሕ ዝርከብ ገዛኦም ምዃኑን ነጊራቶ።
ሓዉ እቲ ገዛ ብሓቂ ናቱ ምዃኑ ክሳብ ዘረጋግፀሉ፡ ኣብ መጀመርታ ንጓሉ ኣይኣመናን ነይሩ።
"ደሓር ግን 'እወ እዚ ገዛይ'ዩ' ኢለ፡ እተን ስእልታት ድማ ርእየ፡ ካብኡ ሰንቢደ" ይብል።
ሲንዋር ንምንታይ ኣብኡ ከምዝነበረን ብኸመይ ናብኡ ከምዝኸደን ከምዘይፈልጥ ገሊጹ።
"ኣነ፡ ኣሕዋተይን ደቀይን ምስዚ ሰብ ዝኾነ ርክብ ሃልዩና ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ኣሽራፍ ኣቡ ጣሃ ዝሃቦ ስእልታትን ቪድዮታትን ምስ ምስሊ ናይቲ ሲንዋር ዝተቐትለሉ ገዛ ከም ዝሳነ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ቢቢሲ ቨሪፋይ ካብቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ መስኮት፡ ኣፍደገታት፡ መደርደሪታትን ሽልማትን ምስልታት ኣነጻጺሩን ኣረኣእዩን።
እንተዀነ፡ ቢቢሲ ጣሃ ነቲ ገዛ ከም ዝውንኖ ከረጋግጽ ኣይክእልን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, IDF
ቅትለት ሲንዋር ዝገልጽ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብቢቢሲ ዝተተንተነ ኮይኑ፡ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ዝተራእየሉ ገዛ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ብክፋል ዝዓነዉ ህንጻታት እዩ።
ኣብ ግንቦት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ሓያል ዓለማዊ ነቐፌታት ዝወረዶ ዀይኑ፡ ምምዝባል ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ከምዘስዓበ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ብዙሓት ካብ ካልእ ከባቢታት ቓዛ ተመዛቢሎም ኣብ ራፋሕን ከባቢኣን ተዓቚቦም ስለዝጸንሑ፡ ንኻልኣይ ወይ ሳልሳይ ግዜ ክመዛበሉ ተገዲዶም እዮም።
ኣቡ ጣሃ፡ ኣብ ራፋሕ ዝርከብ ገዛኡ ብሓገዝ ኣሕዋቱ ባዕሉ ከምዝሃነጸ ገሊጹ።
ኣስታት 200 ሽሕ ሸከል (41 ሽሕን 400 ፓውንድ) ወጻኢታት ከምዝገበረሉን፡ ክሃድም ከሎ ድማ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዝነበረን ይዛረብ።
"እቲ ዘጋጠመ ኣዝዩ ኣሕዚኑኒ'ዩ፡ እቲ ዝሃነጽክዎ ገዛን ኵሉ ክፍልታተይን ዓንዩ'ዩ። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ክኽሕሰና ዝኽእል።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







