ቓዛ፡ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ብውሕዱ 73 ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ገሊፆም

ቤት ላህያ ኣቐዲሙ'ውን መጥቃዕታት ተፈፂሙዋ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቃዛ እትርከብ ከተማ ቤት ላህያ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ብውሕዱ 73 ሰባት ከምዝቐተሉ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ ድብዳብ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዙሓት ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተደብዮም ከምዘለዉን ሰበስልጣን ወሲኾም ገሊጾም።

እስራኤል፡ ጸብጻባት ሞት ትምርምር ከምዘላ እኳ እንተገለጸት፡ እቲ ብሰበስልጣን ሓማስ ዝተገልፀ ኣሃዛት ግን "ዝተጋነነ"ን ምስ ሰራዊታ ዝሓዞ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ዘይሳነ ምዃኑን ሓቢራ።

ቅድም ክብል እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር 21 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከባኦም ብውሕዱ 33 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ሓማስ ሓቢሮም ነይሮም።

ሓይልታት ነቲ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሉ መዓስከር ንሰሙናት ከቢባ ዝጸንሐት እስራኤል ብዛዕባ እቲ ኣብ ጃባልያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ቅልጡፍ ርእይቶ ኣይሃበትሉን።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ልዕሊ መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር ዝተፈጸመ ቅትለት ስዒቡ፡ እቲ ኲናት ከብቅዕ ተስፋታት ዘልዓለ’ኳ እንተነበረ ምክትል መራሒ እቲ ጉጅለ ግን “ሓማስ ሓይሉ ኣጠናኺሩ ክወጽእ’ዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ምስ ዕጡቓት ሕዝቡላህ እተካይዶ ዘላ ውግእ “ተኹሲ ደው ንምባል” ዕድል ከምዘሎ'ኳ እንተገለጸ፡ "ኣብ ቓዛ ግን ዝኸበደ ክኸውን'ዩ" ኢሉ።

ብመሰረት መግለጺ ናይቲ ብሓማስ ዝመሓደር መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ቓዛ፡ እቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ልዕሊ 85 ሰባት’ውን ዘቑሰለ ኮይኑ ገሊኦም ግዳያት ድማ ከቢድ ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ኣፍሊጡ።

ሰባት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ህንጻታት ስለዝተቐብሩ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት 50 ክበጽሕ ከምዝኽእል ወሲኻ ሓቢራ። እንተኾነ እቲ ጸብጻብ ብዘይሻራዊ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኸኣለን።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ሆስፒታል መሊኡ ግዳያት ኣብ ባይታ ሕክምናዊ ክንክን ተገይርሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰሜናዊ ቓዛ ካብ መራኸቢታት ተነጺሉ ከምዘሎን፡ ኣብቲ ዞባ ከም ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽንን ኢንተርነትን ከምዝተቛረጸ ይፍለጥ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ቪድዮ [ቢቢሲ ከረጋግጾ ዘይከኣለ] ኣብ ገበላታት ሆስፒታል ኣልዓውዳ ብጻዕዳ ነጸላ ዝተጠቕለሉ ሬሳታት ዘርኢ ይመስል።

ዳይረክተር ናይቲ ሆስፒታል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ልዕሊ ዓቐን ዋሕዚ ግዳያት ተዛሪቡ።

"ሰራሕተኛታት ኣምቡላንስ ገና ነቶም ምዉታትን ውጉኣትን ካብ ጀባልያ ንምውጻእ ይጽዕሩ ኣለዉ" ይብል እቲ ዳይረክተር።

ንሱ ኣስዒቡ "ክፍልታት ሆስፒታላትና መሊኦም ብዙሓት ዝተጎድኡ ውልቀሰባት ድማ ኣብ መሬት ደቂሶም ሕክምና ይረኽቡ ኣለዉ” ኢሉ።

ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ብውሕዱ 39 ፍልስጤማውያን ቅድሚ እቲ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

ኣብ ውሽጢ እቲ መዓስከር ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ብውሑድ መግብ ማይን ተዓጽዮም ልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣቑጺሮም ኣለዉ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ጆርጅዮስ ፔትሮፑሎስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ጃባልያ ዝርከቡ ስድራቤታት "ኣሰቃቒ ኩነታት" ይጻወሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

እስራኤል ብዓርቢ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝጸዓና ኣስታት 30 ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ከምዝሰደደት’ኳ እንተገለጸት፡ ሰበስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ግን ናብ ከም በዓል ጃባልያ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ዝተሃስዩ ከባቢታት ክበጽሕ ከምዘይጸንሐ ንሮይተርስ ሓቢሮም።

እስራኤል ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ቓዛ ከይኣቱ ትኽልክል ከምዘላ ብተደጋጋሚ ክትክሕድ እኳ እንተጸንሐት ኣሜሪካ ግን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዛት ከተዕቢ እንተዘይኮይኑ ግን ገለ ወተሃደራዊ ድጋፋት ክተቋርጾ ምዃኑ ኣጠንቂቓታ እያ።

ኣሚቻይ ቺክሊ ዝተባህለ ሚኒስተር እስራኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እስራኤል ንጃበልያ ሓዊስካ ንገለ ክፋል ሰሜናዊ ቓዛ "ዓጽያቶ" ክብል ተዛሪቡ።

ንሱ ብተወሳኺ "እቲ ሲቪል ህዝቢ ናብቲ ውሑስ ዞባ ክሃድም ፈቒድናሉ ኣለና፤ ናብቲ ዝተዓጸወ ዞባ ቀረብ ከይኣቱ ግን ከልኪልና ኢና" ኢሉ። እዚ "ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሕጋዊ" ምዃኑ ድማ ተኻቲዕሉ።

ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጸም ንደሓር፡ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 42,500 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ድማ ቆሲሎም ከምዘለዉ ሰብመዚ ሓማስ ይገልጹ።

ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ኮይኖም ናብ ቓዛ ከምዝተወስዱን ይዝከር።

ብዓርቢ ምክትል መራሒ ሓማስ ከሊል ኣል-ሓያ እስራኤል ነቲ ኲናት ኣቋሪጻ ካብ ቓዛ ክሳብ እትስሕብ እስራኤላውያን ጅሆታት ከምዘይምለሱ ኣፍሊጡ።

ሲንዋር በቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ኮይኑ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ከተማ ራፋሕ ተሓቢኡሉ ኣብ ዝነበረ ህንጻ ብወተሃደራት እስራኤል ተቐቲሉ።

መርመራ ሬሳኡ ዘካየደ ክኢላ ፓቶሎጂ ኣብ ርእሱ ብጥይት ከምዝተሃርመ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ገሊጹ።