ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ጀሚረን

ነፈርቲ ውግእ ብሪጣንያ

ምንጪ ስእሊ, ROYAL AIR FORCE HANDOUT/EPA-EFE/REX/Shutterstock

ፔንታጎን፡ ነፈርቲ ውግእ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ 18 ቦታታት ሑቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየዳ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ሓባራዊ ስርሒት ናይተን መሓዙት ሃገራት ንራብዓይ ግዜ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣመሪካ፡ እቲ ብቀዳም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ መኽዘናት፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር፣ ራዳርን ሄሊኮፕተር ናይቲ ዕጡቕ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ትገልጽ።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ እተን መሓዙት ሃገራት ዓቕሚ ሑቲ "ዝያዳ ንምድኻም" ከምዝሰርሑ ትገልጽ።

ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ኣብቲ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ይፍጸሙ ኣለዉ።

ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ሑቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ፅዕነት መርከብ- ቀይሕ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ርእሰ ከተማ ሰንዓ ሓዊሱ፡ ሰፊሕ ክፋል የመን ዝቆጻጸሩ ሑቲ፡ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እስራኤልን ቃዛን ብምቅዋም፡ ምስ እስራኤልን ምዕራባውያንን ርክብ ኣለወን ዝበልወን መራኽብ ዒላማ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ርሒቐን ብካልእ ሸነኽ ክጓዓዛ ብምግዳደን፡ ኣብ ዓለማዊ ቀረብ ከቢድ ምዝንባዕን ምውሳኽ ወጻኢታትን የጋጥሞም ኣሎ።

ፔንታጎን ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ብቐዳም ዝተጀመረ ሓድሽ መጥቃዕቲ፡ ኣድላዪን ተመጣጣኒን መጥቃዕቲ ዝበለ ዀይኑ፡ ብፍሉይ ኣብ የመን ሸውዓተ ቦታታት ን18 ዕላማታት ሑቲ ዒላማ ዝገበረ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ዒላማታት እቲ ወፍሪ፡ መኽዘናት ትሕቲ መሬት ኣጽዋር ሑቲ፣ ሚሳይላት፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፣ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር፣ ራዳር ከምኡ’ውን ሄሊኮፕተራትን ከምዝዀነ ሓቢሩ።

ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ንግዳውን ሓይሊ ባሕርን መራኽብ ልዕሊ 45 መጥቃዕትታት ሑቲ ንዓለምለኻዊ ቁጠባ፣ ከምኡ'ውን ንዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ሓደጋ ዝፈጥር ኮይኑ፡ ኣህጉራዊ ምላሽ ይጠልብ ኢሉ፡ እቲ መግለጺ።

እቲ መጥቃዕቲታት፡ ብደገፍ ኣውስትራልያ፣ ባሕሬን፣ ካናዳ፣ ዴንማርክ፣ ሆላንድን ኒውዚላንድን" ከምዝተኻየደ እቲ መግለጺ ወሲኹ ገሊጹ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ኣመሪካ "ከም ኣድላይነቱ፡ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ መስመራት ማይ ዓለም ንህይወትን ናጻ ዋሕዚ ንግድን ንምክልኻል ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ከምዘይትብል ኣስሚሩሉ።

ሚኒስተር ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ግራንት ሻፕስ ብወገኑ፡ "ህይወት ባሕሪን ድሕነት ጉዕዞ ባሕሪን ምሕላው ግዴታና እዩ" ኢሉ።

"ስለዚ ድማ፡ ሮያል ሓይሊ ኣየር ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ዕላማታት ሑቲ ኣብ ራብዓይ ማዕበል መጥቃዕቲ ተዋፊሩ ዘሎ"።

ሰራዊት ኣመሪካ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንመጥቃዕቲ ተዳልዮም ዝጸንሑ 7 ተንቀሳቐስቲ ጸረ-መራኽብ ሚሳይላት ሑቲ ከምዘዕነወ ገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ብብሪጣንያ እትውነን ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ብሑቲ ብዝተተኮሰ ሚሳይላት ድሕሪ ምውቃዓ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ገማግም የመን ገዲፎማ ሃዲሞም።