ቀይሕ ባሕሪ፡ ድሮናት ሑቲ ዝሃድኑ ፓይለታት ኣሜሪካ ውዕሎኦም እንታይ ይመስል?

ምኩር ፓይለት ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ

ኣብ ትሕቲ ሽፋን ጸልማት፡ ሓንቲ ነፋሪት ውግእ፡ ኣብ ዝባን ናይታ ዓባይ መርከብ ኣመሪካ ዩኤስኤስ ባታን ከተሽከርክር ትርአ። ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ድማ ካልኣይቲ ጀት ትስዕብ።

እቲ ኣብ ጫፍ ኣኽናፈን ዝበርህ ቀይሕን ቀጠልያን መብራህቲ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ልዕሊ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ክበጽሕ እንከሎ ይጠፍእ።

እታ ድሩዓት መካይን፡ ጀትን ሄሊኮፕተራትን ዝተመልአት ገዛፍ ተንሳፋፊት ወተሃደራዊ መዓስከር፡ 2,400 ማሪንን ባሕረኛታትን ኣመሪካ ዝነብሩላ ኰይና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰራዊት ናብ መሬት ንምጕዕዓዝ ብፍጥነት ትወፍር።

ሑቲ የመን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ንግዳዊ መራኽብ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከብርሩ ምስ ጀመሩ ግን፡ ሰራሕተኛታት መርከብ ዩኤስኤስ ባታን ምስ ነፋሪት ውግእ ክላመዱ ተገዲዶም፤ ጀት እናሰደዱ ከውድቕዎም ክፍትኑ ጀሚሮም።

"ክንጅምር ከለና ከምዚ ክገብር እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን" ይብል መሪሕ ፓይለት ካፕተን ኤርል ኤርሃርት።

ግደ ሓቂ፡ ኣብ ቓዛ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ካፕተን ኤህርሃርትን መሳርሕቱን ናብ ዓዶም ዝኸዱ መሲልዎም ነይሩ።

ኣብታ ናብ ወሽመጥ ፋርስ ዝቐረበ ማያት ንኣዋርሕ ድሕሪ ምሕላፍ፡ ኣብ መርከብ ዩኤስኤስ ባታን ዝነበሩ ወተሃደራት ዑደቶም ክዛዝሙ ተቐሪቦም ነበሩ፤ ንግሆ 7 ጥቅምቲ ግን ኵሉ ተቐየረ።

ሓማስ ንእስራኤል ኣጥቂዑ ኣስታት 1200 ሰባት ምስ ቀተለ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት፡ ዩኤስኤስ ባታን ሓድሽ ትእዛዝ መጺኡዋ። ናብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ገጻ ክትውጥንን ገማግም ባሕሪ ቓዛ ክትከታተል ክትዳሎን ተኣዚዛ።

ድሕሪ ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ድማ እንደገና ካልእ ተልእኾ ተዋሂብዎም። ኣብዚ ግዜ እዚ መጥቃዕቲ ሑቲ ናይ ምምካት ወፍሪ ተዋሂብዎም።

ነቲ ኣብ ቓዛ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ምላሽ ንምሃብ፡ ሑቲ ካብ መፋርቕ ታሕሳስ ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ ክልተ ደርዘን ዝኾና መራኽብ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

መቆጻጸሪ ክፍሊ ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ

ተዋጋእቲ ሑቲ ኵለን እተን ዝተጠቕዓ መራኽብ ብእስራኤል ዝውነና ወይ ድማ ዝመሓደራ ከምዝነበራ’ዮም ዝዛረቡ። እንተዀነ ብዙሓት ምስ እስራኤል ፈጺመን ርክብ ከምዘይብለን’ዩ ዝንገር።

ኣብ ጥሪ፡ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እውን ሕነ ንምፍዳይ ካብ መርከብ ዩኤስኤስ ባታን ካልኦትን መጥቃዕቲ ኣየር ከካይዳ ጀሚረን እየን።

"ሑቲ ብዙሓት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ይፍንዉ ነይሮም" ይብል ኤህርሃርት። "ጽኑዕን ብቝዕን ሓይሊ እዮም" ክብል ወሲኹ፡ ኣቃሊሎም ክረኣዩ ከምዘይብሎም’ውን የጠንቅቕ።

ኣንጻር'ዚ ጕጅለ ውጽኢታዊ ንኽዀኑ፡ እቶም ባሕረኛታት ክላመዱ ነበሮም።

"ሃሪየር ጀት ወሲድና ንመከላኸሊ ኣየር ኣመሓይሽናያ" ዝበለ ኤህሃርት። "ብሚሳይላት ጽዒንናዮ፡ በዚ መንገዲ ድማ ንመጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምላሽ ክንህብ ክኢልና" ኢሉ።

ምኩር ፓይለት ነፋሪት ውግእ ዝዀነ ኤህርሃርት፡ ንሸውዓተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሑቲ ከምዝዓገተ ይዛረብ። ናብዞም ነታጒታት ክሳብ ክንድዚ ቀሪብካ ክትበርር ከለኻ ግን፡ ነፍሲ ወከፍ ዕግታ ዓቢ ሓደጋ ከም ዘለዎ ይዛረብ።

"ኵሉ ግዜ ስለዝትኩሱልና ዝያዳ ቆላሕታ ክንገብር ኣለና። ምእንቲ ውሑሳት ክንከውን ስርዓትና ቀዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ።"

መርከብ ዩኤስኤስ ባታን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ

መቈጻጸሪ ክፍሊ

ካብ ዩኤስኤስ ባታን ብሓጺር ጕዕዞ ሄሊኮፕተር ርሒቓ፡ ብተጠንቀቕ ደው ኢላ ዘላ ካልአይቲ መርከብ ውግእ ኣመሪካ ዝዀነት ኣርሊ በርክ ኮፍ ኢላ ኣላ።

ኣብ ትሕቲ ደርቢ፡ ደርዘን ዝዀኑ ሞኒተራት ኮምፒተር ዝበርህ፡ ማእከል ሓበሬታ ውግእ ኣሎ።

"ካብዚ ኢና ንቃለስ" ይብል ሌተና ኮማንደር ቲርክራ ቦውማን። "እዚኣ እያ ማእከል መርከብና።"

ሰራሕተኛታት መርከብ ኣርሊ በርክ፡ ንዅለን ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ መራኽብ ውግእ ኣመሪካ ዓይንን እዝንን ኰይኖም’ዮም ዘገልግሉ። ካብ መሬት ወይ ባሕሪ ዝመጽእ ዝዀነ ይዅን ስግኣት እንተሃልዩ መጠንቀቕታ ይልእኩ።

ገለ ካብቶም መጠንቀቕታታት ናብ ካፕተን ኤህርሃርት ዝኸይድ ኰይኑ፡ ንዝመጽእ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሑቲ ክሳብ ክንደይ ግዜ ምላሽ ክህብ ከምዘለዎ ዘመልክቱ እዮም።

"ብመሰረቱ እቲ መእዘዚ ክፍሊ፡ 'ሑቲ ብሓደ ኣንፈት እትጥቅዕ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሰዲዶም ኣለዉ። እዚ መጠን ግዜ ኣለና' ክብል'ዩ። ድሕሪኡ ካብ ናይ ክልተ ሰዓታት ናይ ምላሽ ግዜ ክሳብ ናብ ሓሙሽተ ደቓይቕ መልሲ ክንወርድ ንኽእል ኢና" ኢሉ።

ካብቶም ኣብ መርከብ ዩኤስኤስ ባታን ዝነበሩ ወተሃደራት መዓስ ናብ ገዛኦም ከም ዝኸዱ ዝፈልጥ የለን። ኣብ መላእ እቲ ዞባ ወጥሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሕጂ ተልእኾ ዩኤስኤስ ባታን ተናዊሑ ኣሎ።

ነፈርቲ ውግእ ኣሜሪካ ኣብ ተጠንቀቕ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዕጡቓት ሺዓ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ መደበር ኣሜሪካ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምላሽ ንምሃብ፡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ ዒራቕን ሶርያን ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ይቕጽሉ ኣለዉ። እዚ መጥቃዕትታት ኣንጻር እቶም ፕረዚደንት ባይደን "ብኢራን ዝድገፉ ኣኽረርቲ ዕጡቓት ጕጅለታት" ዝበሎም'ዩ።

እዞም ኵሎም ጕጅለታት ምስ ሑቲ ብሓባር ‘ኪዳን ተቓውሞ’ ዝመስረቱ ኰይኖም ነቶም ምስ ኢራን ዝመሓዘዉን መጥቃዕቶም "ቀጥታዊ ውጽኢት ኲናት ቓዛ" እዩ ዝብሉን ጽላል እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ሺዓ ዒራቓዊ ምልሻ ኣብ ኪዳን ተቓውሞ ንዝርከቡ መሻርኽቱ ወደባት እስራኤል ከጥቅዑ ጸዊዑ።

ከምዚ ዓይነት ስግኣት ንተልእኾ ዩኤስኤስ ባታን ብቐጥታ ክፈታተን እዩ።

"ሕጂ ኣብ ዝተሓላለኸን ዘይርጉጽን ናይ ስራሕ ሃዋህው ኢና ንነብር ዘለና" ዝበለ ኣዛዚ እታ መርከብ ኮሎኔል ደኒስ ሳምፕሰን። "ኣብዚ ጸወታ ብዙሓት ተዋሳእቲ ኣለዉ፡ እዚ ድማ እናወሰኸ ጥራይ'ዩ ዝኸይድ ዘሎ" ኢሉ።