ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፔለ ናይ መወዳእታ ፋንዋ ተገይሩሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ብራዚላዊ ፔለ፡ ትማሊ ሰሉስ 3 ጥሪ 2023 ንመወዳእታ ግዜ ካብዛ ዓለም ተሰናቢቱ'ሎ።
ኣብቲ ንዓመታት ዝተጻወተሉ ካብ ከተማ ሳው ፓውሎ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ሜዳ ክለቡ ነበር ሳንቶስ ዝተኻየደ ወግዓዊ ስነስርዓት ቀብሪ፡ መራሕቲን ፍሉጣት ተጻወትን ንፔለ ዘለዎም ኣድናቘትን ክብርን ክገልጹ ተሰሚዖም።
ብባንዴራ ብራዚል ዝተጎልበበ ሬሳ ፔለ ን24 ሰዓታት ኣብቲ ሜዳ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቱን ፈተውቱን ክብጻሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብጎደናታት ከተማ ሳንቶስ ኣብ ዝሓለፈሉ ህዝቢ ኣብ ወሰናስን ተሰሪዑ ንመወዳእታ ግዜ ብንብዓት ሓዘንን ሓበንን ኣፋንዩዎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ብወግዒ በትረ-ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ኢግናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ'ውን፡ ሓዘኑ ንምግላጽ ኣብ ሜዳ ሳንቶስ ተረኺቡ ንቤተሰብ ፔለ ኣጸናኒዑ።
እቲ ኣብ ልቢ ብዙሓት ብራዚላውያንን ደገፍቲ ኩዕሶ ዓለምን ዝሰፈረ ፔለ፡ ናይ መወዳእታ ግብኣተ መሬቱ ቤተሰቡ ጥራይ ኣብ ዝተረኽብሉ'ዩ ተፈጺሙ።
እቲ ሰለስተ ዋንጫ ዓለም ዝተዓወተ እንኮ ተጻዋታይ፡ ብ29 ታሕሳስ'ዩ ኣብ መበል 82 ዓመት ዕድመኡ ዓሪፉ።
ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ እቲ ዝበለጸ ተባሂሉ ዝግለጽ ፔለ፡ ካብ 2021 ኣትሒዙ ብመንሽሮ መዓንጣ (ኮለን ካንሰር) ክሳቐ ምጽንሑ ይፍለጥ።
መንግስቲ እታ ሃገር ንኽብሩ ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት ኣዊጁ ነይሩ።
ብዙሓት ብራዚላውያን ብሞት ፔለ ዝተሰምዖም ሓዘን ብንብዓትን፡ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ዝዓረፈሉ ሆስፒታልን ጎደናታትን ብምውጻእ ክገልጹ'ዮም ጸኒሖም።
ብገዛ ጓል 100 ዓመት ወላዲቱ ሓሊፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኣብ ዓባይ መኪና መጥፋእቲ ሓዊ ዝተሰቕለ ሬሳ ፔለ፡ ብጥቓ'ቲ ጓል 100 ዓመት ወላዲቱ፡ ሰለስተ ኣራንተስ'ዩ ሓሊፉ።
እታ ዶና ሰለስተ ተባሂላ እትጽዋዕ ወላዲቱ፡ ብ20 ሕዳር ዋንጫ ዓለም 2022 መበል 100 ዓመተ ልደታ ኣኽቢራ ነይራ።
ጓል 17 ዓመት እንከላ'ያ ብ23 ጥቅምቲ 1940 ነቲ ቦኽሪ ወዳ ፔለ ወሊዳቶ።
እንተዀነ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ናይ ምዝካር ጸገማት ስለዘማዕበለት፡ ወዳ ከምዝሞተ'ውን ከተስተውዕል ኣይከኣለትን።
"ደሓን'ያ ዘላ፡ እንተዀነ ኣብ ናታ ዓለም'ያ ዘላ" ክትብል ምስኣ እትነብር ጓላ ማርያ ሉችያ ንማዕከን ዜና ኢ-ኤስ-ፒ-ኤን ተዛሪባ።
እታ ኣላይት ስድራ ዝዀነት ወላዲቱ፡ ምሉእ ዕድመኣ ደቃ ኣብ ምዕባይ'ያ ኣሕሊፋቶ።
"ኣብ ንኡስ ዕድመኣ፡ ክብሪ ፍቕርን ሰላምን ምሂራትኒ" ክብል ፔለ ኣብ መበል 100 ዓመታት ኣብ ኢንስታግራም ንወላዲቱ ዘለዎ ክብሪ ገሊጹ ነይሩ።
"ወዳ ምዃነይ ዘመስግነሎም ልዕሊ 100 ምኽንያታት ኣለዉኒ። ብዓቢ ስምዒት ነዛ መዓልቲ ንምኽባር፡ ነዞም ስእልታት ምሳኺ እካፈሎም። ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ጐንኺ ዝነበርኩለን መዓልታት፡ ኣመስግነኪ ኣደይ"።
ብሰኑይ ሬሳ ፔለ ናብ ስታድዮም ቪላ በልሚሮ ኣብ ዝኣተወሉ፡ተጻዋታይ ማእከል ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ነበር ዘ ሮበርቶ፡ ወዱ ንፔለ ኢዲንሆ ዝርከብዎም ፍሉጣት ተጻወቲ ጸወርቲ ሳንዱቕ ኰይኖም ነይሮም።
ኩለን ሃገራት ንኽብሩ ብስሙ ዝጽዋዕ ሜዳ ክህልወን ፊፋ ክጽውዕ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክለብ ሳንቶስ ከምዝበለቶ፡ ኣብ ውሽጢ'ተን ኣብቲ ሜዳ ኣብ ዝጸንሓለን 24 ሰዓታት ልዕሊ 230,000 ሰባት በጺሖሞ።
ትማሊ ሰሉስ ንብዙሓት ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ምዃኑ ዝኣምኑ ብራዚላውያን መዓልቲ ከቢድ ሓዘን 'ዩ ነይሩ።
ሬሳኡ ብጐደናታት ኣብ ዝሓለፈሉ ደገፍቱ "ፔለ 1000 ሸቶታት" እናጨርሑ ዘለዎም ክብሪ ገሊጾም።
ብኣሚት ዝቑጸሩ ንፔለ ዘድንቕን ዝንእድን ጭርሖታት ብምሓዝን ንዝኽሩ ቁጽሪ 10 ማልያ ተኸዲኖምን ኣሰንየሞ።
ሬሳ፡ ብጐደናታት ከተማ ሳንቶስ ድሕሪ ምሕላፉ፡ኣብ መካነ-መቓብር 'መሞሪያል ሰመትሪ' ብመሰረት ካቶሊካዊ ስነስርዓት፡ ኣብ ሓደ 10 ደርብታት ዘለዎ መቓብር (ሞሰልዩም) ኣትዩ።
እቲ መቓብር፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ቁመት ዘለዎ ተባሂሉ ክብረወሰን ጒነስ ረከርድስ ዝረኸበ'ዩ።
ሓደ ካብ ደገፍቲ ፔለ ዝዀነ ዲዮፍልዮ ዲ ፍረይታ፡ሓደ ካብቶም ኣብቲ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ቪላ በልሚሮ ዝበጽሑ'ዩ ነይሩ።
"ፔለ ናይ ህዝቢ ፔለ እዩ ነይሩ፡ ምስ ኩላትና'ዩ ነይሩ" ክብል ተዛሪቡ።
"ካልእ ከምኡ ምርካብ ከጸግም'ዩ" ብምባል ድማ ኣብ ፔለ ዘለዎ ኣድናቘት ገሊጹ።
"ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ጥራይ ዘይኮነ፡ ዘደንቕ ሰብ እዩ ነይሩ" ይብል ዲፍልዮ።
እታ ንዝበዝሐ ግዜ ዝተጻወተላ ናይ ቀደም ክለቡ ሳንቶስ፡ ብትዊተር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ "ዘልኣለማዊ ንጉስ ፔለ፡ ኣብ ገዛኡ ቪላ በልሚሮ፡ ምስ ህዝቡ ኰይኑ ደሓን ኩኑ ይብል" ኢሉ።
ፕረዚደንት ናይታ ክለብ ማርሰሎ ተክሰይራ፡ "ዘገርም ሰብ'ዩ ነይሩ" ድሕሪ ምባል፡ "ብሉጽ ስፖርተኛ ሓደ ክፍለዘመን ብምንባሩ ዘይኮነስ፡ ለጋስ ልቢ'ዩ ነይርዎ" ኢሉ።
ኣብቲ ናይ ምፍናው ስነስርዓት ዝተሳተፈ ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ዓለም (ፊፋ) ጂያኒ ኢንፋንቲኖ ብወገኑ፡ "ኩለን ሃገራት ዓለም፡ሓደ ካብ ሜዳታተን ብስም ፔለ ክጽዋዓ ክንሓትት ኢና" ክብል ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







