ፔለ፡ እቲ ንሃገሩ ኣብ ሓደ ዘስመረ ተጻዋታይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፔለ፡ ኣብቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ዝርከብ ሆስፒታል ኣልበርት ኢንስታይን፡ ከም ዝዓረፈ ዝሰምዑ ደገፍቱ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሆስፒታል ክትኣኻኸቡ ጀሚሮም።
ዝበዝሑ ፔለ ዝብል ዝተጻሕፎ ቁጽሪ ዓሰርት ማልያ ተኸዲኖም ነይሮም፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሆስፒታል ከኣ ኣብ ዓብዪ ባነር ‘ፔለ ዘልኣለማዊ ንጉስ’ ዝብል ጽሒፍ ተንጠልጢሉ ይርኣ።
ፔለ ኣብ ሆስፒታል ክፍሊ ጽኑዕ ምክትታል ኣብ ዘድልዮም ሕሙማት ምህላዉ ምስ ተፈለጠ ብዙሓት ክመውት ከም ዝኽልእ ግምታቶም ክህቡ ጸኒሖም’ዮም።
እንተዀነ ነታ መዓልቲ ብስግኣት’ዮም ክጽበይዋ ጸኒሖም።
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ጓሉ ንፔለ ኬሊ፡ ንደገፍቱ ኩነታት ፔለ ብኢንስታግራም ክትሕብር ቀንያ’ያ።
ሕልፈቱ ዝገልጽ ዜና ምስ ተሰመዐ፡ ዋላ ሰብ ክጽበዩ እንተጸነሐ፡ መላእ ብራዚል ናብ ከቢድ ሓዘን ኣትያ ኢልካ ክግለጽ ይክኣል’ዩ።
ፔለ ብሰንኪ ሕማም መንሽሮ ብዙሕ ክፋላት ውሽጣዊ ኣካላቱ ካብ ስራሕ ወጻኢ ስለ ዝዀነ ክመውት ከም ዝኽኣለ እቲ ክእለየሉ ዝጸነሕ ሆስፒታል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።
እቲ ሆስፒታል ንፔለ “ንፈትዎ ንጉስ ኩዕሶ እግሪ’ ኢሉ ብምግላጽ ንኹሎም ፈተውቱን ስድራቤቱን ምጽንናዕ ተመንዩ።
ፔለ፡ ካብ ኩሎም ተጻወትቲ እዛ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ዓወታት ዝተጎናጸፈ ተጻዋታይ’ዩ።
ሕልፈቱ ኣብ ዓለም ንዝርከቡ ኩሎም ደገፍቱ ኣቓዚኑ’ዩ ንብራዚላውያን ከኣ ብዝያዳ።
ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት ቃለ መሓላ ዝፍጽም ምሩጽ ፕረዚደንት ብራዚል ልዊስ ኢንስዩ ሉላ ዳ ሲልቫ፡ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ፔለ እናተጻወተ እንከሎ ክርእዮ ዕድል ከም ዝረኸበ ብምሕባር “ናይ ፔለ ኣጸዋውታ፡ ጸወታ ካብ ክትብሎ ምርኢት ክትብሎ ይቐልል” ኢሉ።
ብምስዓብ “ከም ፔለ ገይሮም ንሽም ሃገርና ዘስመዩን ዘወቐቡን ተጻወተቲ ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም” ድሕሪ ምባል ንፔለ ዝተክአ ቁጽሪ 10 ተጻዋተይ ከም ዘየለ ገሊጹ።
ንኹሉ ብራዚላዊ ፔለ ማለት ካልእ ነገር’ዩ።
እቶም ዓበይቲ ወለዶታት ንፔለ ብተጻዋተይ ይገልጽዎ።
እቶም ንኣሽቱ ወሎዶታት ከኣ ብዝነበሮ ክእለት ክዑሶ እግሪ ይዝክርዎ።
ልዕሊ ኩሉ ግን ክልቲኦም ወለዶታት ፔለ ነዛ ጎብለል ኩዕሶ እግሪ ዝዀነት ብራዚል ሓድነታ ኣብ ምድልዳል ብዝገበሮ ጻዕሪ’ዮም ዝዝከርዎን ክዝክርዎ ክነብሩን።

ምንጪ ስእሊ, AAF VIA GETTY IMAGES
ብራዚል ክትልዓል እንከላ ኩዕሶ እግሪ ክልዓል ግድን’ዩ።
ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም፡ ብራዚላውያን ጸወታ ሃገራዊት ጋንትኦም መታን ክርእዩ ንኹሎም’ዩ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ ዝውሃቦም።
ፔለ’ውን ኣብ ዓራት ኰይኑ፡ ነታ ኣብ ቐጠር ትሳተፍ ዝነበት ሃገራዊት ጋንታ ብራዚል ብናይ ቪድዮ መልእኽቲ ሰናይ ምንዮቱ ብምግላጽ ንተጻወተቲ ኣተባብዒዎም ነይሩ።
ሞቱ፡ እቲ ሰለስተ ግዜ ዝተዓወተሉ ዋንጫ ዓለም ሃፍኡ ከይሃፈፈ እንከሎ ምዃኑ ከኣ ዝያዳ ተዘካርን ልቢ ዝትንክፍን ይገብሮ።
ኣብ ዝሓለፋ ሰሙናት ኩነታት ጥዕና ፔለ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኣንቖልቖለ ይመጽእ ምህላዉ ዝፈለጡ ብራዚላውያን ከብዶም ሓቊፎም’ዮም ቀንዮም።
ንፔለ ዋላ እቶም ናይ ኩዕሶ እግሪ እንዶ ዘይብሎም ሰባት’ውን፡ ፔለ ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ምዃኑ’ዮም ዝምስክሩ።
ፔለ ንዕድመ ናይ ወጻኢ ክለባት ተሓሲሙ ምስ ብራዚላዊት ክለብ ሳንቶስ ንብዙሕ ዓመታት ብምጽዋቱ፡ ልዕሊ ብራዚላውያን ተጻወተቲ ብራዚላዊ ካብ ዘብሎ ሓደ ሮቋሒ’ዩ።
ግደ ሓቒ ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ጃንዮ ኳርዶስ’ውን ኣብ 1961 ‘ሃገራዊ ሃብቲ’ ዝብል ሽልማት ንፔለ ብምሃብ፡ ናብ ካልእ ናይ ወጻኢ ክለባት ብሰደድ ወይ ብመሸጣ ከም ዘይከይድ እናተዋዘየ ገሊጽሉ ነይሩ።
ስለዚ ፔለ ንብራዚላውያን ምንጪ ክብሮምን ሃገራዊ ሓበኖምን ዝዀነ ሓወልቲ’ዩ ነይሩ።
ኣብታ ዓሌታውነትን ምክፍፋል ደርብታትን ዓብሊሉ ዝርኣየላ ብራዚል፡ እቲ ካብ ጸለምትን ድኻታታት ስድራን ዝመጽአ ፔለ መርኣያ ጻዕርን ዓወትን ኰይኑ’ውን ይጥቀስ’ዩ።
ንዓሌታውነት ከም ኣርእስቲ ክዛረበሉ ኣይስማዕን’ዩ እንተተዛረበ’ውን ውሑድ’ዩ ዝዛረብ።
ፔለ ሓንቲ ጸቂጡን ደጋጊሙን ዝዛረበላ ነጥቢ፡ ኩዕሶ እግሪ ሃገራውን ህዝባውን ሓድነት ኣብ ምድልዳል ቀንዲ ስለ ዝዀነ ዋላ ነቶም ድኻታታት ኩሉ ዓይነት ዕድላት ክውሃቦም ከም ዘለዎም ኣትሪሩ ይማጎት ነይሩ።
ፔለ ኣብ ጉዳይ ፖሎቲካ ኢዱን ቃሉን ከይሓወሰ’ዩ ሓሊፉ።
ዘለዎ ጽልዋ ተጠቒሙ ኣብ ብራዚል ፖሎቲካዊ ምትዕርራይ ክግበር ድምጹ ዘይምስምዑ ዝሓምይዎ ሰባት ክህልዉ እንከለዉ፡ ኣብ ፖለቲካ ዝዀነ ዓይነት መርገጺ ዘይምውሳዱ ግን ብኹሎም ከም ዝፍቶን ኣብ ሜዳን ኣብ ደገን ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ተባሂሉ ከም ዝግለጽን ገይርዎ’ዩ።
እቲ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ፡ ታሪኹ ብወርቂ ቀለም ዘጽሓፈ ፔለ ዓሪፉ፡ እንተዀነ ዛንትኡ ንዘልኣለም ክዝከር ክነብር’ዩ፤ ብፍላይ ከኣ ብብራዚላውያን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







