ኣብ ልዕሊ ቃፍላይ ኣሜሪካ ቅትለትን ጭውያን ተፈጺሙ

ግዝኣት ኣናምብራ ብዓመጽን ናዕብን ተገንጸልቲ እናተሳቐየት ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ግዝኣት ኣናምብራ ብዓመጽን ናዕብን ተገንጸልቲ እናተሳቐየት ትርከብ

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ቃፍላይ ኣሜሪካ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝሞቱ ፖሊስ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።

እቶም ክልተ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ግዝኣት ኣናምብራ ሰራሕተኛታት ቆንስል ኣሜሪካ ክዀኑ እንከለዉ እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ኣባላት ፖሊስ ምዃኖም ተገሊጹ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ዕጡቓት ካልኦት ሰለስተ ሰባት ከም ዝጨወዩን መኪንኦም’ውን ከም ዘቃጸሉን ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣሜሪካ፡ ዜጋታታ ኣብታ ብዓመጽን ናዕቢ ተገንጸልቲን ዝተሃስየት ግዝኣት ዝጓዓዝ ዝነበረ ቃፍላይ ከም ዘይነበሩ ትገልጽ።

ፖሊስ ናይጀርያ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዞባ ኦግባሩ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ኣታኒ-ኦሳማሌ ከም ዘጋጠመ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኢከንጋ ቶቹኩ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓይልታት ጸጥታ ናይ ምድሓንን ምሕዋይን ስርሒት የካይዱ ምህላዎም ገሊጹ።

ኣሜሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ብ16 ግንቦት ኣብ ግዝኣት ኣናምብራ ሓደ ፍጻመ ከም ዝነበረ" ኣረጋጊጻ፤ ነቲ መጥቃዕቲ ንምጽራይ ምስ ኣገልግሎት ጸጥታ ናይጀርያ ትሰርሕ ምህላዋ’ውን ሓቢራ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ "ድሕነት ሰራሕተኛታትና ኩሉ ግዜ ልዕሊ ኩሉ'ዩ፡ መገሻታት ክንውድብ ከለና ድማ ሰፊሕ ጥንቃቐታት ንገብር" ኢሉ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ጉዳይ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

ሰበስልጣን ናይጀርያ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ዞባ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ንምግንጻል ዝቃለስ ዘሎ ምንቅስቓስ ደቀባት ቢያፍራ (ኢፖብ) ይወቐሱ።

ኢፖብ ኣብ ታሕሳስ 2020 ዕጥቃዊ ምንቅስቓስካብ ዝጅመር ንደሓር ኣብ ኣናምብራን ካልኦት ክፋላት ደቡባዊ ምብራቕን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣዝዩ'ዩ ወሲኹ።