ፕሪምየር ሊግ፡ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ድኸመት ክለባት እንታይ ነይሩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሓደ ዓመተ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ኵሉ ነገር ከምቲ ዝተሓሰበ ኣይከይድን።
ገለ ነገራት ከምቲ ክለባት ዝወጠናኦ ወይ ከምቲ ደገፍቲ ዝሓሰብዎ ዘይክዀኑ ይኽእሉ።
ዘይተሓሰበ ድኽመት ወይ ጌጋታት ከጋጥም ከሎ ጉድኣቱ ትሑት ክኸውን’ኳ እንተኸኣለ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ልዑል ዋጋ ዘኽፍል እዩ።
ኣብዚ ዓመተ ዝረኣኹምዎ ድኽመት ወይ ቅሬታ ዝፈጠርልኩም ነገር እንታይ እዩ ክንብል ደገፍቲን ጸሓፍትን ፕሪሚየር ሊግ ሓሳቦም ከካፍሉና ሓቲትና።
ካብተን 20 ክለባት እተን 10 መሪጽና ደገፍተን ዝሃቡና ሓሳብ ኣቕሪብናልኩም።
ኣርሰናል
ብ81 ነጥቢ 2ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
ሻርሊን ስሚዝ፡ ኤኤፍቲቪ
ክሳብ ሕጂ ብቐጻሊ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ፕረሚየር ሊግ ምህላው ሓዊሱ ብዙሕ ኣወንታዊ ነገራት ዝሓዘ ፍሉይ ዓመተ ስፖርት ኣሕሊፍና ኢና።
እቲ ዝዓበየ ተስፋ ዘቑርጸና ድማ ኣብ ሜድና ይዅን ካብ ሜድና ወጻኢ፡ ኣብ ልዕሊ መወዳድርትና ዋንጫ ማንቸስተር ሲቲ ዓወት ክንረክብ ዘይምኽኣልና እዩ።
ብራይተን
ብ55 ነጥቢ ኣብ 7ይ ደረጃ ትርከብ።
ስቱዋርት ማቲው፡ ፕራውድ ሲግልስ
ኣብዚ ክዛረብ እንተዀይነ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ኤፍኤ ካፕ ዘጋጠመና ስዕረት ክኸውን ኣለዎ።
ንደገፍቲ ጥራይ ዘይኰነስ ነታ ጋንታ ብፍላይ ድማ ንሶሊ ማርች ልቢ ዝሰብር ነይሩ ።
ኣነ ተሓታቲ ኣይገብሮን እየ። ብብዙሕ ደረጃታት ንማንቸስተር ዩናይትድ በሊጽናያ ኢና፡ ስለዚ ብፍጹም ቅላዕ ክንርታዕ ከለና ኣዝዩ ዘሕምም እዩ።
ንሕና ግን ወዲቕና ኣይንተርፍን፤ ገስጋስና ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ጸወታታት ኤውሮጳ ክንሳተፍ ኢና!
ቸልሲ
ብ42 ነጥቢ ኣብ መበል 11 ደረጃ ኣላ።
ሮስ ሙሪንግ፡ ቸልሲ ፋንካስት
ካበይ ክንጅምር? እዋን ግርሃም ፖተር ኣዕናዊ እዩ ነይሩ።
ልዕሊ 1 ቢልዮን ፓውንድ ዝዋግኡ ተውህቦ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ካርቶናት ጸባ 'ጠፊኡ' ተባሂሉ ተለጢፉ'ሎ፤ ቸልሲ ድማ ድሕሪ 1996 ዝኸፍአ ዓመተ ውድድር ተካይድ ኣላ።
ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ውርደት ናይቶም ወነንቲ እዩ። እዚ ድማ ድሮ ዝፈልጥዎ እዩ።
ኤቨርተን
32 ነጥቢ ኣለዋ፡ ደረጃኣ ድማ መበል 17 እዩ።
ብሪዮኒ ብራግ፡ እዛ ጓል ደጋፊት።
ኣብ ጥሪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ መስኮት ዝውውር ሓደስቲ ተጻወትቲ ከየፈረምና ሓሊፉና፤ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ደገፍቲ ዝነበረ ቁጥዐ ኣዝዩ ክጋደድ ገይሩ እዩ።
ኣብ መወዳእታ ናብ ብቕዓት ዝተመልሰ ዶሚኒክ ካልቨርት-ሌዊን ኣብተን ዝተረፋ ጸወታታት ካብ ምውራድ ከድሕነና ዝደንጎየ ይመስለኒ።
ተወሳኺ ኣማራጺታት ክህልወና ነይርዎ።
ሌስተር ሲቲ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት ዝነበረት ሌስተር፡ ኣብ ሎሚ ዓመተ ውድድር ብ30 ኣብ መበል 18 ደረጃ እያ ዘላ፤ ናይ ምውራድ ሓደጋ’ውን ኣንጸላልይዋ ትርከብ።
ሳም ሆሎወይ፡ ሌስተርፋንቲቪ
ኣብዚ ዓመተ ውድድር፡ እቲ ርኡይ ክውቀስ ዘለዎ ባዕሉ ብሬንዳን ሮጀርስ ይመስለኒ። ንዘይምውራድ ንቃለሰሉ ዘለና ምኽንያት ድርቅናኡ እዩ።
ዲን ስሚዝ ምስ መጸ፡ ካብ ጠቕላላ 12 ነጥቢ ክሳብ ኣንጻር ጸወታ ኤቨርተን ሓሙሽተ ነጥቢ ወሲድና፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ከምዚ ዓይነት ቀጻሊ ውጽኢት እንተዝህልወና ነይሩ፡ ኣብ ማእከል ሰደቓ ዓመተ ውድድር ምሃለና ይብል።
ሊቨርፑል
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተነሓናሒት ዋንጫ ዝነበረት ሊቨርፑል፡ ኣብዚ ዓመተ ውድድር እቲ ዝጸንሐ ብቕዓታ ኣየርአየትን። ኣብ ኣብ ማእከል ደረጃ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቀረባ እዋናት ቅሩብ ምምሕያሽ እናርአየት ትርከብ።
62 ነጥቢ ሒዛ ድማ 5ቲ ኰይና ኣላ።
ሃሪየት ፕሪየር፡ ዘ ኣንፊልድ ራፕ
ኣብ ልዕሊ ማንቸስተር ዩናይትድ ድሕሪ ዘመዝገብናዮ ዓወት 7 ብ 0፡ ብበርንማውዝ 1ብ0 ዘጋጠመና ስዕረት፡ ሊቨርፑል ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኩርናዓት ናብ ውጽኢት ክትቅይርን ካብ ሓያል ቦታ ክትሃንጽን ዘይምኽኣላ ዘርኢ ሓደ ኣብነት ጥራይ እዩ።
ክሳብ ቀረባ እዋን ቀጻሊ ብቕዓት ዘይምንባሩ፡ ሊቨርፑል ንዋንጫ ክትፈታተን ዘይኰነስ፡ ንሻምፕዮንስ ሊግ ክትሓልፍ ደንጉያ ጻዕሪ ክትገብር ገይርዋ’ዩ።

ማንቸስተር ሲቲ
ማንቸስተር ሲቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ነታ ዋንጫ ክትዓትር ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረት ኣርሰናል ገልቢጣ ብ82 መሪሕነት እቲ ሊግ ተረኪባ ኣላ።
ገር ዲጋን፡ ናይ ቀደም ካብ ሜይን ሮድ ራምብል
ኵነታት ትኬት ንኣዝዮም እሙናት ደገፍቲ ከደናግር ጸኒሑ እዩ።
እታ ክለብ ንኻልኣይ እግሪ ፍርቂ ፍጻመ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣንጻር ርያል ማድሪድ ዝግበር ጸወታ መዐቀኒታት ትኬት ምትሕውዋስ ፈጢራ እያ፤ ንመወዳእታ ጸወታ ፕረምየርሊግ ናይዚ ዓመተ ስፖርት ኣንጻር ብሬንትፎርድ ዝግበር ጸወታ ድማ ኣብ መሸጣ ምሉእ ምድንጋር ተፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ እታ ክለብ ንደገፍቲን ወነንቲ ትኬት ናይዚ ዓመተ ውድድርን ከተበሳጭዎም ክኢላ።
ብብዙሕ መንገዲ ብዙሕ ቅኑዕ ነገራት ንእትገብር ሓንቲ ክለብ እዚ ዘሕፍር እዩ።
ማንቸስተር ዩናይትድ
ብ63 ኣብ 4ይ ትርከብ።
ዳል ኦዶነል፡ ስትሬቲ ኒውስ
ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ንማንቸስተር ዩናይትድ ዝዓበየ ተስፋ ዘቑረጸ ኣብ ኣንፊልድ 7ብ0 ዘጋጠመ ዓቢ ስዕረት እዩ። ስግንጢር ውጽኢት እዩ ነይሩ። ኣንጻር እቶም ኣዝዮም ጨካናት መወዳድርትና ኢድና ዝሃብናሉ ኣገባብ መመኽነይታ የብሉን። ኣብ ካልኣይ እብረ 6 ሸቶታት ምእንጋድና ንዘልኣለም ዘይርስዖ በሰላ ከም ዝኸውን ይግምት።
ኒውካስል ዩናይትድ
65 ነጥቢ ሒዛ ኣብ 3ይ ደረጃ ተቐሚጣ ኣላ።
ፒት ዳቪ፡ ሎድድማግ ኤንኤፍዩሲ
ደገፍቲ ኒውካስል ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ዝሓዘኑሉ ብዙሕ ነገር የለን።
እንተዀነ ልዕሊ ዓቐን ነቐፌታ ክህብ እንተዀይነ፡ ኣብቶም ክሳዕ ሕጂ ማዕረ ዝተፈላለናሎም 11 ጸወታታት እዮም። ውጽኢት እዞም ጸወታታት ምቕያር እንተዝከኣል ነይሩ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ምስታፍና ከረጋግጹ ይኽእሉ ነይሮም።
ቶተንሃም ሆትስፐርስ
ብ57 ነጥቢ 6ይ ደረጃ ሒዛ ትስዕብ ኣላ።
ጆን ዌንሃም፡ ሊሊዋይት ሮዝ
ኣብ መኽፈቲ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ሳውዝሃምፕተን 4ብ1 ዓወት ድሕሪ ምምዝጋብና፡ ደጃን ኩሉሰቭስኪ ኣብዚ ዓመተ ውድድር ፕሪሚየር ሊግ 15 ሸቶታት ከም ዘመዝግብ ብምትእምማን ተጃሂረ ነይረ።
ሕጂ እቲ ውድድር ክዛዘም 3 ጸወታታት እዩ ተሪፍዎ፤ ንሱ ግን ክልተ ሸቶታት ጥራይ እዩ ኣመዝጊቡ።
መስበርቲ፡ ሕማቕ ብቕዓትን ብዘየማትእ መንገዲ ድኹም ኣመራርሓን፡ እዚ የማናይ ሸነኽ ኣጥቃዓይ ብዓቢኡ ውጽኢታዊ ከም ዘይከውን ገይርዎ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







