ፔለ፡ ስሙ ኣብ ወግዓዊ መዝገበ ቃላት ሰፊሩ

ሳጓ ናይቲ ውሩይ ብራዚላዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ኤድሰን ኣራንተስ ዶ ናስሚንቶ፡ ብወግዒ ምስ "ብሉጽ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ፍሉይ" ዝብሉ ቃላት መመሳሰሊ ኰይኑ ኣብ መዝገበ ቃላት ሰፊሩ።
ማይካሊስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ብራዚል ብብዝሒ ተፈተውቲ ዝዀኑ ብቋንቋ ፖርቱጋል ዝተዳለዉ መዝገበ ቃላት እዩ። ኣብቲ ኣብ ኢንተርነት ዝዝተዘርገሐ ሕታም እዚ መዝገበ ቃላት "ፔለ" ከም ሓድሽ ቅጽል ቃል ተወሲኹ'ሎ።
ፋውንዴሽን ፔለ ነቲ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ንምኽባር ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ልዕሊ፡ 125 ሽሕ ፌርማታት ድሕሪ ምእካቡ እዩ እቲ ውሳነ ተወሲዱ።
ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ፔለ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ከም ዝዓረፈ ይዝከር።
ሰለስተ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረ እንኮ ተጻዋታይ ፔለ፡ ኣብ ታሪኽ ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ተባሂሉ ብሰፊሑ ይግለጽ።
ኣብቲ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበሮ ናይ ጸወታ ሂወት ምስ ብራዚላዊት ክለብ ሳንቶስ፡ ሃገራዊት ጋንታ ብራዚልን ኒውዮርክ ኮስሞስን ክብረወሰን ዝሓዘ 1281 ሸቶታት ኣመዝጊቡ’ዩ።
ፔለ ብሰንኪ መንሽሮ መዓንጣ ካብ ዝመውት ኣትሒዙ፡ ክለቡ ነበር ሳንቶስ፡ ስፖርታዊ ቻነል ስፖርቲቪን ፔለ ፋውንዴሽንን፡ ስም እዚ ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ኣብ መዝገበ ቃላት ንክኣቱ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
እቶም ኣዳለውቲ እቲ መዝገበ ቃላት ትማሊ ረቡዕ፡ እታ ቃል ብቕጽበት ኣብ ዲጂታላዊ ሕታም ናይቲ መዝገበ ቃላት ከም ዝኣቱን፡ ኣብ ዝቕጽል ኣብ ዝሕተም መጽሓፍ’ውን ከም ዝወጽእ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ መዝገበ ቃላት፡ "ፔለ፡ ቅጽል፡ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝዀነ ሰብ ወይ ነገር፡ ብጽሬቱ፡ ክብሩ ወይ ልዕልናኡ ምስ ዝዀነ ይኹን ነገር ወይ ምስ ዝዀነ ሰብ ክመዓራረ ዘይክእል፡ ልክዕ ከም ፔለ፡ ሳጓ ኤድሰን ኣራንተስ ዶ ናስሚንቶ (1940-2022)፡ ኣብ ኩሉ ግዜ ብሉጽ ኣትሌት ተባሂሉ ዝግለጽ፡ ብሉጽ፡ መወዳድርቲ ዘይብሉ፡ ፍሉይ" ብምባል ይገልጾ።
ሕድሪ ናይቲ ተጻዋታይ ንምዕቃብ ዝተጣየሸ ትካል ግብረ ሰናይ ፔለ ፋውንዴሽን፡ ነቲ "ንጉስ" ዝግብኦ ክብሪ ምዃኑ ገሊጹ።
"እቲ ድሮ ኣብ ዝሰርሖ ስራሕ ብሉጽ ንዝኾነ ሰብ ንምምልካት ዝውዕል ኣገላልጻ፡ ኣብ ገጻት እቲ መዝገበ ቃላት [ዘለኣለማዊ ኰይኑ] ኣሎ!" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







