ሮናልዶ ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ዝኽፈል ስፖርታዊ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ እዋን ምስ ስዑዳዊት ክለብ ኣልነስር ዝጻወት ዘሎ ፖርቱጋላዊ ኮኾብ ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ካብ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ክፍሊት ዝረክብ ስፖርታዊ ከም ዝዀነ ተፈሊጡ።
ወዲ 38 ዓመት ሮናልዶ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ፡ 136 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ሓበሬታ ፎርብስ የመልክት።
ሮናልዶ፡ ምስ ክለብ ኣልነስር ብዝኣተዎ ውዕል መሰረት፡ ኣብ ዓመት 200 ሚልዮን ዶላር ክኽፈል እዩ።
ኣርጀንቲናዊ ኮኾብ ዓለም ሊዮነል መሲ ኸኣ፡ 130 ሚልዮን ዶላር ዝረክብ ተባሂሉ ኣብ ካልኣይ ደረጃ፡ ኪሊያን ምባፐ ኸኣ ብ 120 ሚልዮን ዶላር ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዖም ኣለዉ።
ፎርብስ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መዝገብ ዝለዓለ ኣታዊ ዘለዎም 10 ቀዳሞት ስፖርታውያን፡ ኮኾብ ተጻዋቲ ኵዕሶ ሰኪዐት ለብሮን ጀምስ፡ ተጓሳጣይ ካኔሎ ኣልቫረዝ፡ ከምኡ'ውን ን 20 ግዜ ሻምፒዮን ሜዳ ተኒስ ዝዀነ ሮጀር ፌደረር፡ 9ይ ደረጃ ዝሓዘ እንኮ ጥሮተኛ ስፖርተኛ ዝኣመስሉ ይርከብዎም።
ልዑል ክፍሊት ይረኽቡ እዮም ካብ ዝበሃሉ ስፖርታውያን፡ ኣዛራቢ ብዝዀነ ዕብየት፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰብጸጋ ተጻወትቲ ጎልፍ ከምዘለዉ ተፈሊጡ'ሎ።
እዞም ኣብ ዝርዝር ፎርብስ ሰፊሮም ዘለዉ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኽቡ ዝበሃሉ ስፖርታውያን፡ ኣታዊኦም ካብ ሽልማት፡ መቝሽሽ፡ ስፖንሰርሺፕን ካልኦት ዝተፈላለዩ መገድታትን ዝረኽብዎ ዘጠቓልል እዩ።
ሰሌዳ ዝለዓለ ተኸፈልቲ ፎርብስ
- ክርስቲያኖ ሮናልዶ፡ ኵዕሶ እግሪ፡ 136 ሚሊዮን ዶላር
- ሊዮኔል መሲ፡ ኵዕሶ እግሪ፡ 130 ሚሊዮን ዶላር
- ኪልያን ምባፐ፡ ኵዕሶ እግሪ፡ 120 ሚሊዮን ዶላር
- ለብሮም ጀምስ፡ ኵዕሶ ሰኪዐት፡ 119.5 ሚሊዮን ዶላር
- ካኔሎ ኣልቫረዝ፡ ጕስጢ፡ 110 ሚሊዮን ዶላር
- ደስቲን ጆንሰን፡ ጎልፍ፡ 107 ሚሊዮን ዶላር
- ፊል ሚከልሰን፡ ጎልፍ፡ 106 ሚሊዮን ዶላር
- ስቴፈን ከሪ፡ ኵዕሶ ሰኪዐት፡ 100.4 ሚሊዮን ዶላር
- ሮጀር ፌደረር፡ ሜዳ ተኒስ፡ 95.1 ሚሊዮን ዶላር
- ኬቪን ዱራንት፣ ኵዕሶ ሰኪዐት፡ 89.1 ሚሊዮን ዶላር




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







