ሮናልዶ፡ ናይ ኣውሮጳ ዕማመይ ዛዚመ'የ መጺአ

ክሪስትያኖ ኣብ ስታድዮም ሓዳስ ክለቡ ብምእታው ምስ ኣሽሓት ደገፍቱን ደገፍቲ እታ ክለብን እናተላለየ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ክሪስትያኖ ኣብ ስታድዮም ሓዳ ክለቡ ብምእታው ምስ ኣሽሓት ደገፍቱን ደገፍቲ እታ ክለብን እናተላለየ

ምስ ስዑዳዊት ክለብ ኣልነስር ብኣዝዩ ክቡር ገንዘብ ክጽንበር ዝፈረመ ፖርቱጋላዊ ክሪስትያኖ ሮናልዶ፡ ቅድሚ ምስታ ክለብ ምፍራሙ ካብ ብዙሓት ጋንታታት ጠለብ ቀሪብሉ ምንባሩ ገሊጹ።

ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ ብዘይ ምስምምዑ፡ በታ ክለብ ዝተጠለመ ኰይኑ ከምዝስምዖን ኣብ ልዕሊ ኣሰልጣኒ ማንዩናይትድ ኣኽብሮት ከምዘይብሉን ዝገልጽ ቃል መጠይቕ ድሕሪ ምክያዱ፡ ካብ ማንቸስተር ዩናይትድ ብነጻ ድሕሪ ምፍናዉ'ዩ ምስ ስዑዳዊት ክለብ ፈሪሙ።

ወዲ 37 ዓመት ሮናልዶ፡ ትማሊ ኣብታ ሓዳስ ክለቡ ጽንብል ኣቐባብላ ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ካብ ኣብ ብራዚል፡ ኣውስትራልያ፡ ኣሜሪካን ፖርቱጋልን ዝርከባ ሓያለ ጋንታታት ጠለባት ቀሪብሉ ከምዝነበረ'ዩ ገሊጹ።

"ኣነ ግን ነዛ ጋንታ ሓንሳብ ሕራይ ምስ በልክዋ ኣብ ቃለይ ጸኒዐ" ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ "ንዅሉ ነገር ተዓዊተሉ'የ፣ ኣብተን ኣዝየን ዓበይቲ ዝበሃላ ክለባት ኣውሮጳ ተጻዊተን ተዓዊተን'የ፣ ሕጂ ከኣ ሓድሽ ብድሆ ናይ ኤስያ ንምግጣም መጺአ ኣለኹ" ኢሉ።

ሮናልዶ ምስ ክለብ ኣልነስር ንዓመት 177 ሚልዮን ፓውንድ እናተኸፈሎ ክሳብ 2025 ክጻወት'ዩ ውዕል ከቲሙ ዘሎ። እዚ መጠን ገንዘብ'ዚ ኣብ ታሪኸ ኩዕሶ እግሪ እቲ ዝኸበረ ክፍሊት ኰይኑ፡ ክሪስትያኖ ሮናልዶ እቲ ዝበዝሐ ዝኽፈል ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ክኸውን ኣኸኢልዎ ኣሎ።

ክሪስትያኖ ሮናልዶ ናብዛ ሓዳስ ክለቡ ካብ ዝጽንበር ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ዋላ ደኣ ዝዀነ ሰብ ኣይፍለጥ'ምበር ኣብ ኣውሮጳ ክጻወት ዘኽእለኒ ዕድላት ነይሩ'ዩ፣ ኣብ ብራዚል፡ ኣውስትራልያ ኣሜሪካን ፖርቱጋልን ዝርከባ ሓያለ ክለባት ተደጋጋሚ ሕቶታት ከቕርባለይ ጸኒሐን'የ" ኢሉ።

ሓሙሽተ ግዜ ተዓዋቲ ባሎንዲኦር ዝዀነ ሮናልዶ፡ ምስቶም ኣብ ስታድዮም ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኣሽሓት ደገፍቲ ቅድሚ ምልላዩ፡ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን፡ ካብ ሰብ መዚ እታ ክለብ'ምበር ካብ ጋዜጠኛታት ዝቐርበሉ ዝነበረ ሕቶታት ኣይመለስን።

ክለብ ኣልነስር ትሽዓት ግዜ ንናይ ስዑድያ ፕሮ ሊግ ዝተዓወተትሉ ክለብ ኰይና፡ ሮናልዶ ምስታ ጋንታ ምፍራሙ ኣመልኪቱ፡ " እቲ ኩንትራት ኣዝዩ ፍሉይ'ዩ፤ ግን ድማ ኣነ'ውን ፍሉይ ስለዝዀንኩ ንዓይ ንቡር'ዩ" ብምባል ገሊጽዎ።

"እዚ ኣብዚ ዓዲ ዘሎ ሊግ ኣዝዩ ተወዳዳሪ ምዃኑ እፈልጥ'የ፣ ብዙሕ ጸወታታት ክዕዘብ'ውን ክኢለ'የ። ስለዚ ካብ ሕጂ ንንየው ኣሰልጣኒየይ ተሰለፍ ኣብ ዝበለኒ ክጻወት ድሉው ኣለኹ" ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ክለብ ኣልነስር ፈረንሳዊ ሩዲ ጋርሽያ፡ ሮናልዶ ምስታ ክለብ ምፍራሙ ንኩዕሶ እግሪ ስዑድያ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምግላጽ "ዘደንቕ'ዩ" ብምባል ገሊጽዎ።

ኣሰልጣኒ ሩዲ ጋርሽያ፡ "ኣብ ዕምረይ ከም ክሪስትያኖ ሮናልዶ ዝኣመሰሉ ብሉጻት ተጻወትቲ ርእየ'የ፣ ንክትመርሖም ኣዝዮም ምቹኣት'ዮም ምኽንያቱ ኣነ ዝምህሮም ነገር የብለይን" ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ "ንክርስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ዝምልከት ቀንዲ ዕላማይ ንሱ ኣብዛ ክለብ ሕጕስ ኰይኑ ክጻወትን ምስ ክለብ ኣልነስር ኰይኑ ዋንጫ ንኽወስድን'ዩ" ኢሉ።

ድሕሪ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ክሪስትያኖ ሮናልዶ ማልያ ሓዳስ ክለቡ ለቢሱ ናብ ሜዳ ብምእታው ምስቶም ኣብ ሜዶ ሆጭ ኢሎም ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኣሽሓት ደገፍቱን ደገፍቲ እታ ክለብን ተላልዩ።