እቲ 'ዘይድገም' መሲ፡ ኣብ 1000 ጸወታኡ ሕልሚ ሃገሩ ኣድሚቝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮኸብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኣርጀንቲናዊ ሊዮነል መሲ፡ ክልተ ግዜ ተዓዋቲት ዋንጫ ዓለም ንዝዀነት ሃገሩ ንኣውስትራልያ ረቲዓ ናብ ርብዒ ፍጻመ ክትሓልፍ እንከላ ንዕኡ ድማ መበል ሓደ ሽሕ ጸወታኡ’ዩ ነይሩ።
መሲ ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት፡ መበል ሓደ ሽሕ ጸወታኡ፡ ኣብ መበል 35 ደቒቕ ንሃገራዊት ጋንታኡ ሸቶ ብምቝጻር ተወሳኺ ታሪኽ ሰሪሑ'ሎ።
ንፓሪስ ሴንት ጀርመይን ዝጻወት መሲ ዘገርም ኣወዳድኣ ኵዕሶ ኣርእዩ፣ ነቶም ተስፋ ስኢኖም ቅህምም ኢሎም ዘምሰዩ ደገፍቲ ጋንታኡ ብታሕጓስ እተሰራርስ ሸቶ ኣቝጺሩ።
እታ ሸቶ ንመሲ፡ መበል 789 ክትከውን እንከላ፡ ካብዚአን እተን 94 ሸቶታት ንሃገሩ ኣርጀንቲና ዘቝጸረን’የን።
መሲ ኣብቲ ኣብ ቐጠር ዝካየድ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ብዝሒ ሸቶ ካብ ዘቝጸሩ ተጻወትቲ ንምንሕናሕ ዘኽእሎ ሸቶ’ዩ ኣቝጺሩ።
ኣውስትራልያ ኣብቲ ናይ ትማሊ ምሸት ጸወታ ክሳዕ 35 ደቃይቕ ንኣርጀንቲና ኣርዒዳታ'ኳ እንተነበረት ብድሕሪኡ ግን ዓብላልነት ጸወታ ብኣርጀንቲና ተመዚዓ እያ።
መሲ ኩዕሶ ኣብ ዝሕዘሉን ዝቐልዓሉን ዝነበረ እዋን፡ እቲ ስታድዮም ክናወጽ ኣምስዩ።
ኣብቲ መሲ፡ ከም ሓለቓ ጋንታ ኣርጀንቲና ብምዃን ንመበል ሓደ ሚእቲ ዝተሰለፈሉ ጸወታ፡ ጁሊያን ኣልቫረዝ ኣብ መበል 57 ደቒቕ ሸቶ ደጊሙ ንዓወት ጋንታኡ ርጕጽ ገይርዎ።
እቲ ጸወታ፡ ክውዳእ 13 ደቓይቕ ምስ ተረፎ - ኣብ 77 ደቕቕ - ብኣርጀንቲናዊ ኢንዞ ፈርናንደዝ ተጨሊፋ ዝኣተወት ሸቶ ረኺባ ኣውስትራልያ፤ ጸወታ 2 ብ 1 ተዛዚሙ።
ገለ ሓቅታት መሲ ...
መሲ፡ ኣብ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዋንጫ ዓለም ሸቶ ዘመዝገበ ዝዓበየ ኣርጀንቲናዊ ኰይኑ - ነዚ 'ክብረወሰን' ካብ ሮበርቶ ኣያላ ወሲድዎ’ሎ።
ንሱ ሓደ ካብቶም ኣብ 5 ዝተፈላለየ ውድድራት ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፉ 6 ተጻወትቲ እዩ።
መሲ፡ ድሕሪ 35 ዓመቱ ብውሕዱ ሰለስተ ሸቶታት ዋንጫ ዓለም ዘመዝገበ፡ ድሕሪ’ቲ 5 ሸቶታት ዝመዝገበ ካሜሩናዊ ሮጀር ሚላ ዝስራዕ ካልኣይ ተጻዋታይ ኰይኑ’ሎ።
ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ መሲ፡ መወዳእታ ዓመታት ጸወታኡ ካብ ሮናልዶ ኣዝዩ ዝሓሸ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል ዝብል ትንታነ ይቐርብ ኣሎ።
መሲ ካብ ሮናልዶ ብኽልተ ዓመት ይንእስ፣ እንተዀነ ኵሉ ግዜ ኣዝዩ ዝበሰለ፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ብልሒ ዘለዎ 'ዘይድገም' ተጻዋታይ እዩ፡ ይበሃለሉ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







