ዋንጫ ዓለም፡ ኣርጀንቲና ብስዑዲ ዓረብ ተሳዒራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ካብተን ዓቢ ትጽቢት ዝግበረለን ሓያላት ሃገራውያን ጋንታታት ዝኾነት ኣርጀንቲና በታ ድኽምቲ እትብሃል ስዑዲ ዓረብ 2 ብ 1 ተሳዒራ።
ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ግጥም ስዑዲ ዓረብ ነቲ ዓወት ምጉንጻፋ ኣብ ታሪኽ ውድድር ዋንጫ ዓለም ሓደ ካብ ኣገረምቲ ፍጻሜታት ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
እታ ብዓለም ደረጃ ኣብ መበል 51 እትስራዕ ስዑዲ ዓረብ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ብሓንቲ ሸቶ ተመሪሓ ድሕሪ ምጽናሕ'ያ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ብሳልሕ ኣል-ሸሕሪን ብሳልም ኣል ዳውሳሪን ኣቢላ ብዘመዝገበተን ክልተ ሸቶታት ነቲ ታሪኽ ሰሪሓ ዘላ።
እታ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ሊዮነል መሲ ዝርከቦም ብሉጻት ተጻወቲ ዘሰለፈትን፡ ኣብ ታሪኻ ክልተ ግዜ ዋንጫ ዓለም ዝዓተረትን ኣርጀንቲና፡ ኣብ ቅድሚ'ቶም "ቀጠልያ ሽላታት' (ግሪን ፋልኮንስ) ተባሂሎም ዝጽውዑ ስዑዳውያን ምሩኽማሻ ንተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ኣደንጽዩ'ሎ።
ብሊዮነል ስካሎኒ እትምራሕን ከም መሲ፡ ዲ-ማሪያ፡ ማርቲነዝን ጎመዝን ዝበሉ ሓያላት ኣጥቃዕቲ ዘለዉዋ ኣርጀንቲና፡ ነታ ዋንጫ ክወስዳ ይኽእላ'የን ተባሂለን ካብ ዝግለጻ ጋንታታት ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፉ 36 ግጥማት ከይተሳዕረት ዝጸንሐትን፡ ኣብ 2021 ዋንጫ 'ኮፓ ኣመሪካ" ዝዓተረንትን እያ።
መሲ፡ ቅድሚ ዕረፍቲ ብፍጹም ቅላዕ ሓንቲ ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ጋንትኡ ዘመዝገበተን ሰለሰተ ሸቶታት ኦፍሳይድ ተባሂለን ብዳያኑ ተሰሪዘን።
ዝቕጽል ጸወታ ኣርጀንቲና ምስ ሜክሲኮ ክኸውን እንከሎ፡ ስዑዲ ዓረብ ድማ ምስ ፖላንድ ክትገጥም ክትዳሎ'ያ።
ንካልይ ግዜ ኣብ 1986 ዋንጫ ዓለም ዝዓተረት ኣርጀንቲና፡ ነቲ ኣብ ፕሮፈሽናል ተመክሮኡ ዓቢ ናይ ዋንጫ ዓለም ሃጓፍ ዘለዎ መሲ ናይ መወዳእታ ዕድል ክትጉንዖ እንተኾይና፡ ድሕሪ ናይ ሎሚ ስዕረት ዓቢ ብድሆ ክጽበያ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዋንጫ ዓለም 2018፡ ዘልሓጥሓጥ ኢላ ምንባራ'ኳ ዝፍለጥ እንተኾነ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ 4 ዓመታት ብዘርኣየቶ ብቕዓት ግን ዓቢ ግምት ተዋሂቡዋ'ዩ ጸኒሑ።
ብኣንጻሩ እታ ካልኣይቲ ዝደኸመት ጋንታ ናይዚ ውድድር ምዃና እትግለጽ ስዑዲ፡ ኣብ ፈላሚ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2018 ብኣአንጋዲት ሩስያ 5 ብ 0 ተሳዒራ፡ ሕቖኣ ምስተሰብረት ኣየምለሰትን ቀልጢፋ ካብቲ ውድድር ተገሊፋ።
ጋና ጥራይ'ያ ኣብዚ ናይ ቐጠር ውድድር ብብቕዓት ትሕቲ ስዑዲ ተሰሪዓ ዘላ።
እንተኾነ ግን ኣብቲ ናይ ሎሚ ግጥም፡ ተጻወቲ ስዑዲ ንዘየቋርጽ መጥቃዕትታት ኣርጀንቲና ንምክልኻል ዘርኣይዎ ኒሕን ሓቦን ብተዓዘብትን ደገፍቶምን ኣድናቖት ረኺቦም ኣለዉ።
ናይ መወዳእታ ፊስካ ድሕሪ ምንፍሓ ዘርኣይዎ መግለጺ ሓጎሶም'ውን፡ ትርጉም ናይቲ ዝዓተርዎ ዓወት ንዖኦምን ሃገሮምን እንታይ ምዃኑ ዘነጽር'ዩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







