ዋንጫ ዓለም 2022፡ 'መሲ እንተሎ ተስፋ ኣሎ' - ኣርጀንቲና ናብ ዓወት ተመሊሳ

መሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብቲ ትማሊ ምሸት ኣብ መንጐ እተን ታሪኻውያን መተሃላልኽቲ ሃገራውያን ጋንታታት ኣርጀንቲናን ሜክሲኮን ዝተኻየደ፡ ሊዮነል መሲ ድንቂ ልሙድ ብቕዓቱ ዘንጸባረቐሉን ሸቶ ዘቝጸረሉ ጸወታ፡ ኣርጀንቲና ተዓዊታ።

ኣርጀንቲና ኣብ ቀዳማይ ጸወታኣ ብስዑድዓረብ ድሕሪ ዝወረዳ ዘሕፍር ስሕረት እቲ ናይ ትማሊ ምሸት ጸወታ ልዑል ጸቕጢ ዝነበሮ እዩ ነይሩ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ብኮኾብ ተጻዋታያ መሲ ተሓጊዛ ግን ናብ ዓወት ድሕሪ ምምላሳ፡ ናብ ዝቕጽል ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ናይ ምስጋር ዕድላ ኣስፊሓ’ላ።

እቲ ብስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኣርጀንቲና ዝወረደ ስዕረት ትጽንቢት ዘይነተብሮ ፍጻመ ኰይኑ፡ ነታ ጋንታ ዘሰንበደን፡ ናብ ዝቕጽል ዙር ግጥማት ዋንጫ ዓለም ናይ ምሕላፍ ዕድላ ዝደወነ ስዕረት ተባሂሉ ብሰፊሕ ክትንተን ቀንዩ እዩ።

ኣብ ግጥም ትማሊ ምሸት፡ ሜክሲኮኣውያን ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ እብረ ጸወታ፡ መሲ ኣድማዕነት ከም ዘይህልዎ ንምግባር ጸቒጦም ብምጽዋት ዕዉታት መሲሎም’ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ግን ኣብ መበል 64 ደቒቕ፡ መሲ በታ ተኣምረኛ እግሩ ዝሃረማ ኵዕሶ ኣብ ሰኪዐት ተራእያ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ጸወታ፡ መሲ ኣድማዕነቱ ቀኒሱ እዩ ተራእዩ። እቲ ሓይሊ ዝተሓወሶ ጸወታ፡ ብተዛማዲ ርግኣት ኣብ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚ፡ እቲ ኮኾብ ኣርጀንቲናን ዓለምን ጸቕጢ ክገብር ተራእዩ።

ኤንዞ ፈርናንደዝ፡ ጸወታ ኣብ ኣጋ መፈጸምታኡ ሸቶ ኣቝጺሩ ድማ ኣርጀንቲና 2 ብ 0 ተዓዊታ፡ እፎይታ ረኺባ።

ኣርጀንቲና ናብ ዝቕጽል ዙር ንምሕላፍ፡ ዝመጽእ ረቡዕ 30 ሕዳር ኣንጻር ፖላንድ ሓይል ወሳኒ ግጥም ይጽበያ ኣሎ።

ትማሊ ካብ ዝተኻየደ ካልእ ጸወታ ምድብ 3፡ ፖላንድን ስዑድ ዓረብን ዘካየዳኦ ግጥም ኰይኑ፡ ፖላንድ 2 ብ 0 ብምዕዋት፡ ጠቕላላ ኣርባዕተ ነጥቢ ኣዋህሊላ ንምድባ መሪሓ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ኣስፊሓ’ላ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ እቲ ግጥም፡ ፒዮትር ዘለንስኪ ብዘመዝገባ ሸቶ፡ ሃገሩ ፖላንድ ነቲ ጸወታ ክትመርሖ ኣኽኢሉ።

ኣብ ካልኣይ እብረ፡ ስዑዳውያን ንዝሰርሕዎ ጌጋ መዝሚዙ፡ ሓለቓ ጋንታ ሮበርት ሉዋንዶውስኪ ካልኣይቲ ሸቶ ብምቝጻር ንዓወት ሃገራዊት ጋንታኡ ኣደልዲሉ።

እዚኣ፡ ነቲ ኣጥቃዒ ፈላሚት ሸቶኡ ኣብ ዋንጫ ዓለም ኰይና ተመዝጊባትሉ’ላ። ስለዝዀነ ድማ እቲ ‘ሃዳኒ ሸቶ’፡ ሓጐሱ ብንብዓት ኣሰንዩ ክገልጽ ተራእዩ።

ተጻወትቲ ስዑድ ዓረብ ዝረኸብዋ ፍጹም ቅላዕ ከመዝግቡ ስለዘይከኣሉ፡ ብዜሮ ተሳዒሮም ወጺኦም።

ሃገራውያን ጋንታታ ምድብ 3፡ ዝመጽእ 30 ሕዳር ወሳኒ ናይ መወዳእታ ምድብ ጸወታአን ከካይዳ እየን፤ በዚ መሰረት ስዑድያን ሜክሲኮን’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለትን ሰዓትን [ምስ ኣርጀንቲናን ፖላንድን] ግጥም ተሰሪዑለን ኣሎ።

እዚ ግጥማት ኣብ ዝተፈላለየ ሜዳታት፡ ኣብ ሓደ ሰዓት - ሰዓት 10፡00 ምሸት [ኣቈጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቃ] ክካየድ እዩ።