ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ 2023 ክወዳደሩ’ዮም

ካብ ጸጋም ናብ የማን መርሃዊ ቅዱስ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን ሄኖክ ሙሉብርሃንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ጸጋም ናብ የማን መርሃዊ ቅዱስ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን ሄኖክ ሙሉብርሃንን

ኣብቲ ካብ 6 ግንቦት ክሳብ 28 ግንቦት ንመበል 106 ግዚኡ ዝካየድ ጂሮ ዲ ኢታሊ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ክወዳደሩ ምዃኖም መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ውድድር፡ ኣብ ግራንድ ቱር ንመበል ዓስራይ ግዚኡ ዝሳተፍ [ክልተ ግዜ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ፡ ሓሙሽተ ግዜ ኣብ ቮልታ ስጳኛ፡ ክልተ ግዜ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ] ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 መርሃዊ ቅዱስ፡ ምስ ጋንታ ኤኤፍ ኢጁኬሽን ኢዚ ፖስት ብምዃን ክወዳደር’ዩ።

መርሃዊ ቅድስ ኣብ ግራንድ ቱር ዝበዝሐ ዝተወዳደረ ኤርትራዊ ዝብል ክብረ ወሰን ሒዙ ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ ነቲ ባዕሉ ሒዝዎ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን ባዕሉ ሎሚ ዓመት የማሓይሾ ኣሎ።

ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ 2018 ከምኡ ከኣ 2019፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ከኣ ኣብ 2019፡ 2020 ከምኡ’ውን 2021 ዝተወዳደረ ተቐዳደማይ ጋንታ ትሬክ ሰጋፍሬዶ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር’ውን ምስዚ ቀዳም ዝጅምር ወሲኽካ፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ መበል ራብዓይ ኣብ ግራንድ ቱር ከኣ መበል ሻዱሻዩ’ዩ ክወዳደር።

ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ወዲ ጋንትኡ ንኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣብ ግራንድ ቱርን ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልን ክወዳደር እዚ ካልኣይ ዓመቱ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዓሚ ንመጀመርትኡ ዝተሳተፎ ጂሮ ዲ ኢታሊ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ሻሙናይ፡ ኣብ መበል 15 መድረኽ ከኣ ሻውዓይ ምውጸኡ ዝዝከር’ዩ።

ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ታሽዓይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ንልዕሊ 159 ኪሎሜተር ምስታ ውሑዳት ተቐዳደምቲ ሒዛ መሪሓ ዝውዓለት ጉጅለ ብምዃን ብዘንጸባረቖ ብቕዓት ካብ ብዙሓት ኣድናቖት ንኽረክብ ሓጊዝዎ’ዩ።

እቲ ንመጀመርትኡ ኣብ ግራንድ ቱር ዝወዳደር ዘሎ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ 2023 ከምኡ ከኣ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2023 ተቐዳዳማይ ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ ሲኤስኤፍ ሄኖክ ሙሉብርሃን እቲ ብዝሒ ኤርትራውያን ተሳተፍቲ ጂሮ ዲ ኢታሊ ናብ ኣርባዕተ ዘበረኸ ተቐዳደማይ እዩ።

መርሃዊ ቁዱስን ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ምስ ጋንታ ኤምቲኤን ኵቤካ ብምዃን ኣብ 2015 ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተሳተፍዎ ውድድር ቦኽሪ ሱታፌ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ’ዩ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2016 ከኣ ናትናኤል ብርሃነን ዳንኤል ተኽለሃይማኖትን ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ምስ ጋንታ ዳይመንሽን ዳታ ብምዃን ምስታፎም ዝዝከር’ዩ።

ዓሚ ኣብ ዝተኻየደ ጂሮ ዲ ኢታሊ እቲ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ኣብ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ቢንያም ግርማይ፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ከምዝተሳተፉ ይዝከር።

ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ውድድር ግራንድ ቱር ክሳተፉ ግን እዚ ናይ ጂሮ ዲ ኢታሊ ናይ ፈለማ’ዩ።

ጂሮዲ ኢታሊ 2023፡ 21 መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ 18 ዎርልድ ቲም ጋንታታት፡ ሓንቲ ዩሲኣይ ፕሮ ቲም፡ ሰለስተ ከኣ ዕዱማት ጋንታታት ብሓፈሻ 22 ጋንታታት፡ ነፍሲ ወከፈን ሸሸሞንት ተቐዳደምቲ ሒዘን ክሳተፋ እየን፤ እቲ ውድድር ብሓፈሻ 3,489.2 ኪሎሜተር ክሽፍን'ዩ።

ተቐዳደምቲ ኣብዚ 21 መድረኻት ብድምር ልዕሊ 51 ሽሕ ሜትሮ ብራኸ ክድይቡ’ዮም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ተቐዳደማይ ኵክ ስቴፕ ኢቨንፑል ሬምኮ፡ ኣባል ትሬክ ፔደርሰን ማድስ፤ ኣባል ጃምቦ ቪዝማ ፕሪሞ ረክሊክ፡ ኣባል ኤፍዲጀ ስቴፈን ኩንግ፡ ኣባል ዩኤኢ ጅዋ ኣልመድያን ኣባል ኢንዮስ ፍሊፖ ዛናን እቶም ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ካብ ሓደ ክሳብ ሽዱሽተ ግምት ተዋሂብዎም ዘሎ ተቐዳደምቲ’ዮም።

ኢጣልያዊ ዶሞኒኮ ፓዞቪቮ ካብ 2005 ጀሚሩ ሎሚ ዓመት ንመበል 16 ግዜ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፍ ዘሎ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ካብዞም ሎሚ ዓመት ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ዝወዳደሩ እቲ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ጂሮ ዝተሳተፈ ተቐዳዳማይ ዝብል ክብሪ ሒዙ’ዩ ክሳተፍ።

ብዘይካ’ዚ ዶሞኒኮ ወዲ 40 ዓመትን 157 መዓልታትን ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ ኣብዚ ውድድር እቲ ዝዓበየ ተቐዳዳማይ’ውን ንሱ’ዩ፡ 21 ዓመትን 62 መዓልታትን ዕድመ ዘለዎ ተቐዳዳማይ እስራኤል ፕሪሜር ቴክ ኣሜሪኣዊ ማትዮ ሪስቴሎ ከኣ እቲ ዝነኣሰ ተሳታፋይ እዚ ውድድር’ዩ።

ኣብዚ ውድድር ጣልያን 52 ተቐዳደምቲ ብምስታፍ ቀዳመይቲ ክትከው እንከላ፡ ፈረንሳ ብ20 ቤልጀም ከኣ ብ11 ተቐዳደምቲ ተወኪላን ካልኣይትን ሳልሰይትን ኮይነን ኣለዋ። ኤርትራ፡ ኮሎምብያን ኖርወይን ነፍሲ ወከፈን ኣኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ብምስታፍ ካብ ዓስራይ ክሳብ መበል 12 ተርታ ተሰሪዐን ኣለዋ።