ሩስያ ብግዱድ ንዝወሰደቶም ህጻናት ዜግነት ክትህብ ምእዋጃ ዩክረይን ኰኒና

ብዙሓት ናብ ሩስያ ንዝገዓዙ ዩክሬናውያን ህጻናት ደገፎም ገሊጾም’ዮም

ምንጪ ስእሊ, THIERRY MONASSE/GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ናብ ሩስያ ንዝገዓዙ ዩክሬናውያን ህጻናት ደገፎም ገሊጾም’ዮም

ዩክረይን ናብ ሩስያ ዝገዓዙ ዩክረይናውያን ህጻናት ዜግነት ሩስያ ክወሃቦም ዘኽእል ብፕረዚደንት ፑቲን ዝተፈረመ ኣዋጅ ኰኒና።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ብሰንኪ ፖሊሲ ግዱድ ምግዓዝ ህጻናት ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊ ፑቲን ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዘውጽአ ይፍለጥ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ነቲ ኣዋጅ ዘይሕጋዊ’ዩ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ይዅን'ምበር ሩስያ ነቶም ህጻናት ካብ ከባቢ ሓደጋ ተርሕቈም ከምዘላ እያ ትገልጽ።

ኣብዚ ሓድሽ ዓመት - ብ 4 ጥሪ ድማ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ንወጻእተኛታትን ሃገር ዘይብሎም ሰባትን ዜግነት ሩስያ ዘቀላጥፍ ኣዋጅ ፈሪሙ እዩ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን፡ ዘኽታማት ዩክሬናውያን ህጻናት ወይ ሞግዚትነት ወለዲ ዝተሓረሙ፡ ብመንገዲ ፕረዚደንታዊ ውሳነ፡ ወይ ድማ በቲ ዝርከብሉ ትካል ኣቢሎም ዜግነት ሩስያ ክወሃቦም ከምዝኽእሉ ዝገልጽ ዓንቀጽ እቲ ኣዋጅ ነጺሉ ወቒሱ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ ከምዚ ዝበለ ቈልዓ ዜግነት ሩስያ ንኽረክብ ብሕጋዊ ኣላዪኡ ወይ ብሓላፊ ናይቲ ህጻን ዝርከበሉ ትካል መመልከቲ ክቐርብ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ነዚ ሩስያ ናይ ገዛእ ርእሳ ዲሞግራፊያዊ ቅልውላው ንምፍታሕ እትገብሮ ፈተነ እዩ፡ ብምባል ምግሃስ ሕጊታት ዩክረይንን ዓለምለኸን መሰላት ህጻናት ምዃኑ ጠቒሱ።

እቲ ኣዋጅ ሩስያ ንህጻናት ዩክረይን ብግዴታ ናብታ ሃገር ንምውህሃድ እትኽተሎ ፖሊሲ፡ ብሓፈሻ ድማ ዝያዳ መርትዖ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፍጸም ገበናት ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ወሲኹ ገሊጹ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ዩክረይን ዲሚትሮ ሉቢነትስ፡ ሞስኮ ነቶም ህጻናት ዜግነት ብምሃብ ከም ናብ ሩስያ ዝተሰጋገሩ ዩክሬናውያን ከይቍጸሩ ትገብር ከምዘላ ይገልጽ።

ሰበስልጣን ዩክረይን ኣብ ለካቲት 2022 ምሉእ ወራር ካብ ዝጅምር ንደሓር ናብ ሩስያ ዝገዓዙ ልዕሊ 19 ሽሕ ዩክሬናውያን ህጻናት ከምዘለለዩ ይገልጹ።

ክሳዕ ሕጂ 387 ህጻናት ጥራይ ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ሃገራዊ ሓበሬታ ህጻናት ኲናት ዩክረይን ይሕብር።

ኣብ ሕዳር 2023፡ መደብ ፓኖራማ ቲቪ ቢቢሲ፡ ሓደ ፖለቲካዊ መሓዛ ፑቲን፡ ካብ መዕቈቢ ህጻናት ዩክረይን ዝተወሰደት ህጻን ከምውላዱ ከዕብያ ከምዝፈረመ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መራሒ ሓደ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሩስያ ዝዀነ 70 ዓመት ዝዕድመኡ ሰርገይ ሚሮኖቭ፡ ኣብ መዝገብ ሓንቲ እታ ሕጂ ብዝተመርዓዋ ሰበይቲ፡ ኣብ 2022 ከም ዝተወሰደት ምስፋሩ ፓኖራማ ዝረኣዮም ሰነዳት ይሕብሩ።

ኣብ መጋቢት፡ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ፑቲን ኣብ ዩክረይን ገበናት ኲናት ፈጺሙ ብዝብል ትእዛዝ ማእሰርቲ ኣውጺኡ ነይሩ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ ፑቲን ብዛዕባ እቶም ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝገዓዙ ህጻናት ተሓታቲ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ኮሚሽነር መሰል ህጻናት ሩስያ ማርያ ልቮቫ-ቤሎቫ እውን ብተመሳሳሊ ገበን ተኸሲሳ እያ። ኣኽባሪ ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን ካሪም ካን፡ ህጻናት "ከም ምሩኻት ኲናት ክሕሰቡ" ከምዘይክእሉን፡ ፑቲን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ከምዝኽእልን ይገልጽ።