ቢዮንሴ ኣብ ዱባይ ንኣድነቕታ ዝኸፋፈለ ምርኢት ኣቕሪባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢዮንሴ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ንፈለማ እዋን ቀጥታዊ ምርኢት ንምቕራብ ናብ መድረኽ ተመሊሳ - ግን ኩሉ ሰብ ኣይተሓጎሰን።
እታ ኣሜሪካዊት ኮኸብ ሙዚቃ፡ ኣብ ዱባይ ሆቴል ኣትላንቲስ ዘ ሮያል ኣብ ዝተመረቐሉ እዋን ዘቕረበቶ ናይ ብሕቲ ኮንሰርት መዘራረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ።
ኣብቲ ፍሉይ ዝኾነ 1500 መናብር ዝሓዘ ምርኢት ቴለፎን ዝኽልክል ጽኑዕ ፖሊሲ እኳ እንተነበረ፡ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ናይቲ ምርኢት ግን ኣብ ኢንተርነት ኣዕለቕሊቑ ኣሎ።
ብዙሓት ደገፍቲ፡ ንግስቲ ቢዮንሴ ናብ መድረኽ ተመሊሳ ምርኣዮም ኣዝዮም ተሓጒሶም፡ ካልኦት ግን ዱባይ ሕደጾታዊ ዝምድናታት ዝኽልክል ጽኑዕ ሕጊ ስለዘለዋ ሕጉሳት ኣይነበሩን።
እታ ናይ መወዳእታ ኣልበማ ሬነይሳንስ፡ "ንባህሊ ሕደጾታዊ ዝምድናታት ጸለምቲ ብምኽባርን" ብምልክታት ኤልጂቢቲ ብምትብባዕን ተወዲሳ እያ።
እታ ኣልበም ካብ ማሕበረሰብ ሕደ ጾታውያን ዝመጸ ናይ ሳዕስዒት ሙዚቃ ዘካተተት ኮይና፡ ኣብ 1800ታት ኣብ ሃርለም ኒውዮርክ ዝነበረ ናይ ኣፍሪቃውያን-ኣመሪካውያንን ላቲንን ስዉር ንኡስ ባህሊ ኤልጂቢቲ እውን ትጠቅስ።
ስለዚ እታ ደራፊት ኣብታ ንመሰላት ኤልጂቢቲ ኣፍልጦ ዘይትህብ ሃገር ቀጥታዊ ምርኢት ምቕራባ ንገለ ኣድነቕቲ ባህ ኣየበሎምን።
ዱባይ ኣካል ናይተን ኣንጻር ሕደጾታውያን ጽኑዕ ሕግታት ዝኽተላ ጉጅለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ (ሕቡራት ኢማራት ዓረብ) እያ።
ዋንጫ ዓለም 2022 ዘአንገደት ጎረቤት ቐጠር እውን ተመሳሳሊ ሕጊ ኣለዋ።
ኣብ ልዕሊ ሕደጾታውያን ሰባት ብዘለዋ ኣረኣእያ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብኣተሓሕዛ ስደተኛታት ሰራሕተኛታትን ተነቒፋ’ያ።
ዴቪድ ቤክሃም ነቲ ፍጻመ ንምውዕዋዕ ምስ መንግስቲ ቐጠር ብብዙሕ ገንዘብ ውዕል ብምፍራሙ በቲ ህቡብ ኮሜድያን ጆ ሊሰት ተነቒፉ ነይሩ።
ንሱ’ውን ልክዕ ከም ቢዮንሴ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ኤልጂቢቲ ክኽበር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ስእሉ ኣብ 2002 ኣብ ቅድሚት ገጽ እታ ኣቲቱድ ትብል ዝበለጸት መሸጣ ዘለዋ መጽሔት ሕደጾታውያን ወጺኡ ነይሩ።
ክሳብ ሕጂ ግን ነቐፌታ ናይታ ደራፊት ክሳብ ክንድኡ ብርቱዕ ኣይነበረን።
ኮኾብ ድራግ ሬስ ዓባይ ብሪጣንያ ኪቲ ስኮት-ክላውስ፡ "ሓደ ሕጊ ንሓደ፡ ካልእ ሕጊ ድማ ንካልእ ኣሎ ድዩ" ብምባል ንቤካም ዘለዋ ተቓውሞ ገሊጻ።
ይኹን እምበር ኩሎም ደገፍቲ ቢዮንሴ ነቐፍቲ ኣይኮኑን - ገሊኦም ሃገራት ኢማራት ዓረብ ኣብ መሰላት ኤልጂቢቲ ኣብ ዘለወን መርገጺ በይነን ከም ዘይኮናን ንበይነን ክውቀሳ ከም ዘይብለንን ገሊጾም።
ካልኦት ድማ ፍልልያት ኣመልኪቶም - ቢዮንሴ ንውልቃዊ ምርኢት ብሓደ ትካል ንግዲ ክኽፈላ ከሎ፡ ቤክሃም ግን ነታ ሃገር ብንጥፈት ንምልላይ ብመንግስቲ ከም ዝተኸፈሎ ብምሕባር ኣብ ክልቲኡ ጉዳያት ዘሎ ፍልልይ ከረድኡ ፈቲኖም ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







