ኣሜሪካ፡ ዘይተዓጠቓ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ቓዛ ከም ዘውፈረት ተኣሚና

ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሜሪካ፡ ዘይተዓጠቓ ሰብኣ ልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ስለያ ኣብ ቓዛ ይዝንብያ ከም ዝነበራ ንፈለማ እዋን ኣረጋጊጻ።

ወሃቢ ቃል ፔንታጐን ብርጋዴር ጀነራል ፓት ራይደር፡ እተን ድሮናት “ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምእላሽ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንምሕጋዝ” ይንቀሳቐሳ ምንባረን ሓቢሩ።

በረራ እተን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ “ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ” ከም ዝተጀመረ፡ እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ ጠቒሱ።

ኣሜሪካ፡ ሪፖርተራት ኣብ ድረ-ገጻት ምክትታል ሓበሬታታት በረራ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ርኢና ድሕሪ ምባሎም’ያ ተኣሚና።

ነዚ ስዒቡ ፔንታጐን ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ቓዛ በረራታት ዘይተዓጠቓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ዩኤቪ) ተካይድ ኣላ፤ ከምኡ’ውን ንመሻርኽትና እስራኤል ኣብ ጻዕርታት ምርካብ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ደገፍን ሓገዝን ትህብ ኣላ” ኢሉ።

ጋዜጠኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ዝጥቀሙለን ‘MQ-9 Reapers’ ዝተባህላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንቓዛ ክኸብኣ ኣብ ፍላይትራዳር24 ተዓዚቦም።

እዘን ድሮናት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣፍጋኒስታን መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንምፍጻም ተዋፊረን እኳ እንተነበራ፡ ብቐንዱ ግን ኣብ ሓደ እዋን ንልዕሊ 20 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ሓደ ከባቢ “ክዝምበያ” ክእለት ስለ ዘለወን ንስለያ ዝውዕላ ነፈርቲ እየን።

ሽሞም ዘይተረቑሐ ወተሃደራዊ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፡ እተን ድሮናት ኣብ ቓዛን ከባቢኣን ወተሃደራዊ ስጕምቲ እስራኤል ንምውህሃድ ኣይሓገዛን ኢሎም።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ቀንዲ ስርሐን ነቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ንምሕዋይ ንእስራኤል ሓበሬታ ምሃብ ከም ዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከባቢ፡ ኣሜሪካ ነዘን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ጥራይ ኣይኰነትን ኣውፊራ ዘላ። ብሓሙስ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ዓለምለኻዊ ማያት ባሕሪ ዓረብ ፍጥነት ካብ ዘለዋ ጃልባ ተተኰስቲ ከም ዝተኰሰ ገሊጹ።

ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ፡ እዚ ምዕባለ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናብ "ዝቕጽል ደረጃ" ከም ዘብጽሖ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ፡ ናብ እስራኤል ገጸን ዝኸዳ ዝመስላ ዝነበራ ካብ የመን ዝተተኰሳ ብዙሓት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሮኬታትን ከም ዘፍሸለ ይዝከር።

ብተወሳኺ፡ ክልተ መራኽብ ውግእ ናብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ብምልኣኽ፡ ኣብ ሞንጐ ሓማስን እስራኤልን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከይስፋሕፋሕ ንምክልኻል ከም ዘዋፈረተን ትገልጽ።

መራሒ ሊባኖሳዊ ጕጅለ ሒዝቦላህ ኲናት ስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅመር ንድሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ነተን መራኽብ ተጠቒማ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከይተጥቅዕ ኣጠንቂቑ።

“ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከባ መራኽብኩም ኣየፍርሓናን እየን፤ ፈጺመን ድማ ኣየፍርሓናን” ክብል ሓሰን ናስራላህ ተዛሪቡ።