ኣርባዕተ ሚእቲ 'ፑሽኣፕ' ክሰርሑ ዝተገደዱ ተመሃሮ ሆስፒታል ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, CBS NEWS
ስድራ ናይቶም ብሰንኪ ዝተወሃቦም ከቢድ ሰልጠና ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ፡ ኩዕሶ ተጻወትቲ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቴክሳስ፡ በቲ ኵነታት ከምዝሰምበዱ ገሊጾም።
ካብ ቤተሰብ ናይቶም ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ተመሃሮ ሓንቲ ዝዀነት ዶ/ር ኢሰሆቲው ኦኮጂየ፡ እቶም ተመሃሮ "ብዘይ ናይ ማይ ዕረፍቲ 400 ፑሽኣፕ" ክሰርሑ ከምዝተገደዱ ገሊጻ።
ንሳ “እዚ ሰሙን ኣዝዩ ዘጨንቕ ነይሩ” ክትብል ንሲቢኤስ ኒውስ ተዛሪባ።
ዋና ኣሰልጣኒ ኩዕሶ እግሪ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ጆን ሃረል፡ ዕረፍቲ ክወጽእ ተገይሩ ኣሎ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብ ኣባላት እታ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ድሕሪ እቲ ከቢድ ስልጠና ናብ ሆስፒታል ከምዝኣተዉ ዶ/ር ኦኮጄ ትዛረብ።
ወዳ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ስልጠና እዋን ዕረፍቲ ናብ ገዛኡ ከምዝተመለሰ እትገልጽ እዛ ኣደ፡ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ከምዝነበረን ኣእዳዉ ምልዓል ከምዝኣበዮን ትጠቅስ።
እቲ ተመሃራይ ‘ራብዶማዮላሲስ’ ዝተባህለ ቲሹ ጭዋዳ ምብጣስ ከምዘጋጠሞ እውን ገሊጻ።
“ራብዶማዮላይሲስ ካብ ሰማይ ዝወርድ ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ካብ ምስራሕ ዝመጽእ እዩ፤ ልሙድ እውን ኣይኰነን።”
እቲ ሮክወል ዝተባህለ ቤት ትምህርቲ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ መብርሂ ኣይሃበን።
እቲ ቤት ትምህርቲ ንስድራቤታት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ግን፡ ኣመሓዳሪ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ብ 9 ለካቲት ብዙሓት ቤተሰባት ደቆም “ብዙሕ ፑሽኣፕ ክሰርሑ ምስተገበረ” ናብ ሕክምና ክኸዱ ከምዝተገደዱ ሓበሬታ ምሃቦም ገሊጹ።
እታ ካብ ዳላስ 40 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ቤት ትምህርቲ፡ ነቲ ክስተት ንምጽራይ ሳልሳይ ዘይሻራዊ ኣካል ከምዝቘጸረትን፡ እቲ ኣሰልጣኒ ውሳነ ክሳብ ዝወሃቦ ኣብ ዕረፍቲ ክጸንሕ ከምዝተገበረን ኣፍሊጣ።
ካልእ ማርያ ኣቪያ ዝተባህለት ኣደ ድማ ወዳ ድሕሪ እቲ ስልጠና ኣእዳዉ ከንቀሳቕሶም ከምዘይከኣለ ንሲቢኤስ ሓቢራ።
ብተወሳኺ፡ “ንጥዕና ኣእምሮ ወደይ ስለዝጸለዎ ኣሻቒሉኒ” ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







