ኢትዮጵያ፡ ናብ አዒንቲ ፖሊስ ሚጥሚጣ ብምንጻግ ክሃድሙ ካብ ዝፈተኑ እሱራት ሓደ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፡ ከባቢ ሃላባ፡ ኣርባዕተ እሱራት ናብ አዒንቲ ሓደ ፖሊስ ሚጥምጣ ብምንጻግ ክሃድሙ እንትፍትኑ እቲ ሓደ ከምዝተቐተለ ተገሊጹ።
ፖሊስ እቲ ክልለ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ናብ አዒንቲ ሓለውቶም ሚጥሚጣ ብምንጻግ ክሃድሙ ካብ ዝፈተኑ ኣርባዕተ እሱራት ፡ እቶም ክልተ ከምልጡ እንከለው፡ ሓደ ተቐቲሉ፡ እቲ ራብዓይ ድማ ቆሲሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣብ ኮምሸን ፖሊስ እቲ ክልል ሓላፊ ክፍሊ ሚድያ፡ ምክትል ኮማንደር ታጁ ነጋሽ ከምዝገለጾ፡ እቶም እሱራት ሰኑይ 1 ጥሪ 2015 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ካብ ናይ ቤት ፍርዶ ቆጸራ እንትምለሱ እዮም ነቲ ናይ ምህዳም ፈተነ ገይሮም።
እቶም ኣርባዕተ እሱራት ቅድሚ ሕዚ ገበነኛታት ተባሂሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወላይታ ሰዶ ተኣሲሮም ምንባሮም ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ቦምባ ብምእታው ኣፈንጂሮም ንምህዳም ፈቲኖም ነይሮም ኢሉ።
ኣብቲ እዋን በዚ ገበን ክሲ ኣብ ዝቐረበሎም፡ እቶም ምስኦም ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰባት ስለዝመስከሩ፡ ንድሕነት እቶም መሰኻኽር ክበሃል እቶም ተጠርጠርቲ ናብ ሃላባ ክሰጋገሩ ከምዝተገበረ እውን ምክትል ኮማንደር ታጁ ገሊጹ።
እቶም እሱራት ከይዲ ፍርዲ እቲ ዝቐረበሎም ናይ ምምላጥ ክሲ ተኸታቲሎም እንትምለሱ እዮም ንምህዳም ፈቲኖም ዘለዉ።
ካብቶም ናብ አዒንቲ ኣባላት ፖሊስ ሚጥሚጣ ብምንጻግ ክሃድሙ ዝፈተኑ፡ እቲ ዝተቐተለ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕዚ ቦምባ ኣፈንጂሮም ዝሃደሙን ተታሒዙ ካልኣይ ዝተኣሰረን ከምዝኾነ ሓላፊ ሚድያ ኮምሽን ፖሊስ እቲ ክልል ተዛሪቡ።
እቶም ዝሃደሙ ድማ እቲ ሓደ 20 ዓመት ዝተፈረዶን ካልኣዩ ናይ ፍርዲ ቆጸራ ዝጸበ ዝነበረን ምዃኖም ገሊጹ።
ምክትል ኮማንደር ታጁ ከምዝሓበሮ ኣብ ልዕሊ እቶም ፖሊስ ዝበጽሐ ጉድኣት የለን። ካብቶም እሱራት እቲ ሓደ ብኸመይ ከምዝቖሰለን እቲ ካልእ ከምዝተቐተለን ግን ዝርዝር መብርሂ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ።
ኮይኑ ግና እቲ ቆሲሉ ዝተትሓዘ እሱር ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ሐክምና ይግበረሉ ኣሎ ኢሉ።
ናይቶም ዘምለጡ ክልተ እሱራት ስእሊ ናብ ህዝቢ ከምዝዝርጋሕ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ “እዞም እሱራት ሓደገኛ ባህርያት ዘለዎም ስለዝኾኑ፡ ሕብረተሰብ በብዘለዎ ንፖሊስ ሓበሬታ ይሃብ” ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







