ኦሮምያ፡ ነቢይ እየ ዝብል ሰባኺ ብዓመጽን ምንጻል ጥንሲን ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, HURRUMU COMMUNICATIONS
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባ ኢሉ ኣባቦራ፡ ወረዳ ሁሩሙ ንነብሱ 'ነቢይ እየ' ዝብል ሰባኺ ሃይማኖት ብገበናት ዓመጽ፡ ምንጻል ጥንሲን ግብረሰዶማዊ ተግባራትን ንሸሞንተ ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ።
እቲ ተፈሪ ኣሰፋ ኣሰፋ ዝተበሃለ ተኸሳሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረቡ ክሲታት ብምንጻግ ንኽማጎትሉ ክልተ ጠበቓታት ቆጺሩ እኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ እቶም ዝቐረቡ ሰብኣውን ሰነዳውን መርትዖታት ግን ማእሰርቲ ከም ዝተፈርዶ ኣኽባሪ ሕጊ እታ ወረዳ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቶም ገበናት ኣብ ልዕሊ እተን ግዳይ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ "ምእንቲ ሃይማኖት" ብዝብል ጉልባብ ዝተፈጸመ ምዃኑ ኣኽባሪ ሕጊ ተገኑ ብርሃኑ ገሊጹ።
11 ደቂ ኣንስትዮ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ብሰፊሑ "ነብይ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰባኺ ሃይማኖት ኣብ ልዕሊአን ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመ ምግላጸን እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ኣመልኪቱ።
ንሱ፡ በቶም ዝተኸሰሰሎም ገበናት ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፡ ቤት ፍርዲ እቲ ወረዳ ን8 ዓመትን ሓሙሽተ ወርሕን ክእሰርን 4 ሽሕ ብር ክቕጻዕን ከም ዝፈረደ ኣብሪሁ።
"ብድምር 11 ደቂ ኣንስትዮ ጥርዓን ኣቕሪበን፤ ንመብዛሕትአን ክምርዓወክን እየ እናበለ ዝገደፈን እየን” ኢሉ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ነቲ ክሲ ስዒቡ ኢዱ ንፖሊስ ድሕሪ ምሃቡ፡ እቲ ጉዳይ ክምርመር ጸኒሑ’ዩ።
ኣቶ ተገኑ ከም ዝበሎ፡ እቲ ነቢይ እየ ዝብል ሰብ ኣብ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈጸመ ምንጻል ጥንሲ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።
ብተወሳኺ፡ ካብተን ጥንሰን ክንጸል ዝገበረን ደቂ ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት ጎርዞ ምዃና ሓቢሩ።
“ነዛ ጓል ክምርዓወኪ’የ ኢሉ ኣታሊሉዋ። ኣብቲ ናይ ኣምልኾ ቦታ ድማ ነታ ጎርዞ ካብ መንጎ ምእመናን ክትለዓል ብምግባር ‘ፈጣሪ ነጊሩኒ’ዩ። ነቶም ዘዋረዱኺ ኣዋሪደ፡ ኣብ ልዑል ቦታ ከንብረኪ እየ ኢሉኒ’ ኢሉ ተዛሪብዋ ነይሩ" ይብል።
እቲ ንባዕሉ ነብይ እየ ዝብል ሰብ፡ እታ ጎርዞ ጥንስቲ ምዃና ምስ ፈለጠ ናብ ወለዳ እናደወለ እቲ ጥንሲ ንኽቋረጽ ጸቕጢ ይገብር ከም ዝነበረ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ይዛረብ።
"ምንጻል ጥንሲ ዝካየድ መድሃኒት ምንጻል ጥንሲ ብምጥቃም'ዩ። ... ነዛ ጓል እቲ መድሃኒት ንዕብየት እቲ ዕሸል ጠቓሚ እዩ ኢሉ ብምትላል እዩ ክትውሕጥ ገይርዋ።”
ብመሰረት ገበናዊ ሕጊ እታ ሃገር፡ ሰባት ኣታሊልካ ጥንሲ ክንጽሉ ምግባር ካብ 3 ክሳዕ 10 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝቕጽዕ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ይገልጽ።
እቲ ተኸሳሲ ካብ ኣካላት መፍረ ወጻኢ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም’ውን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ’ዩ።
3 ደቂ ኣንስትዮ፡ "ካብ ተፈጥሮኣዊ መገዲ ወጻኢ ተራኺቡና" ከም ዝበላ ኣኽባሪ ሕጊ ተገኑ ጠቒሱ።
እቲ ተኸሳሲ ነዚ ተግባር ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን ነቲ ፍጻመ ብሞባይሉ ይቐድሖ ከም ዝነበረን ኣብታ ቴሌፎኑ ዝተረኽበ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከም መርትዖ ከም ዝቐረበን ኣቶ ተገኑ ኣብሪሁ።
ተፈሪ ኣሰፋ፡ ነቶም ክሲታት ከም ዘይፈጸመ እኳ እንተተማጐተ፡ እቲ ኣኽባሪ ሕጊ ዘቕረቦም ሰብኣውን ሰነዳውን መርትዖታት ዝመርመረ ቤት ፍርዲ ግን ብሰሉስ 02 ጥሪ 2015 ገበነኛ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ ንሸሞንተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪድዎ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







