ፈለኽለኽ ዝብል ሓሰኻ ንፈለማ እዋን ብህይወት ኣብ ሓንጐል ሰብ ተረኺቡ

መግለጺ ቪድዮ, 8 ሴንት ሜትር ዝቑመቱ ሓሰኻ ኣብ ሓንጎል ሰበይቲ ተረኺቡ

ኣብ ሓንጎል ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ጓል ኣንስተይቲ 8 ሴንቲ ሜተር ዝዕቀን ሓሰኻ ብህይወት ከም ዝተረኽበ ተመራመርቲ ገሊጾም።

እዚ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

እቲ "ገመድ ዝመስል ኣቃውማ" ዘለዎ ሓሰኻ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካንበራ ኣብ ሓንቲ ተሓካሚት ዝተገብረ መጥባሕቲ ቲሹ ዝወጽአ እዩ።

እዚ ቀይሕ ጽግዕተኛ ሓሰኻ ድማ ክሳብ ክልተ ወርሒ ኣብ ሓንጐላ ጸኒሑ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ተመራመርቲ፡ እቲ ጉዳይ ሕማማትን ረኽስታትን ካብ እንስሳታት ናብ ሰባት ክመሓላለፉ ዝኽእሉ ሓደጋታት እናወሰኸ ዝኸይድ ምዃኑ ዘጉልሕ ምዃኑ የጠንቅቑ ኣለዉ።

“[እቲ መጥባሕቲ ዝገብር ሓኪም] ገለ ወረጦ ወሲዱ ዘይንቡር ነገር ምስ ኣልዓለ፡ እቲ ዘይንቡር ድማ ፈለኽለኽ ዝብል ህያው 8 ሴንቲ ሜተር ዝዕቀን ፍኹስ ዝበለ ቀይሕ ሓሰኻ ምዃኑ ምስ ተረጋገጸ ኩሉ ሰብ ሰንቢዱ” ክብል ኣብ ኣብ ሆስፒታል ካንበራ ክኢላ ተላገብቲ ሕማማት ዝዀነ ሳንጃያ ሰናናያከ ገሊጹ።

“እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወዲ ሰብ ተሰኒዱ ዘይፈልጥ ሓድሽ ረኽሲ'ዩ።"

‘ኦፊዳስካሪስ ሮበርትሲ’ ዝበሃል ከቢብ ሓሰኻ ኣብ ትሕቲ ምንጻፍ ኣብ ዝሕብኡ ዓይነት ተመን ልሙድ’ዩ፤ እዚኦም ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ኣውስትራልያ ዝርከቡ መርዛማት ዘይኰኑ ኣትማን እዮም።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ እታ ሰበይቲ፡ ኣብ ጥቓ እቲ እትነብረሉ ዝነበረት ቀላይ፡ ሓደ ‘ዋሪጋል ግሪንስ’ ዝብሃል ዓይነት ሳዕሪ ድሕሪ ምእካባ፡ እቲ ክቢ ሓሰኻ ረኺቡዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ኣውስትራልያዊ ክኢላ ተላገብቲ ሕማማት መህራብ ሑሴን ኣብ መጽሔት ‘ኢመርጂንግ ኢንፌክሽየስ ዲዚዝስ’ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ነቶም ብሰገራ ገበልን ጽግዕተኛታትን እንቋቑሖ ዝተበከሉ ተኽልታት ንመግብነት ድሕሪ ምጥቃማ "ሃንደበት ተሰካሚት" እቲ ሓሰኻ ከም ዝዀነት ይግምት ክብል ገሊጹ።

ኣብኡ ድማ ሓካይም "ዘይተለምደ ምትእኽኻብ ምልክታት" ዝበልዎ ቃንዛ ከስዐ፡ ሰዓል፡ ረሃጽ ለይቲን ተቕማጥን ከምኡ’ውን ምውሳኽ ረስዕን ዝገደደ ጭንቀትን እናዓበየ ዝኸይድ ምልክታት ክርኣይ ጀሚሩ።

እታ ግዳይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2021 እያ ናብ ሆስፒታል ኣትያ።

ድሒሩ ኣብ ዝተገብረ መርመራ “ኣብ ውሽጢ የማናይ ቅድመ-ገጽ ሓንጎላ ዘይተለምደ ቁስሊ" ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።

ናይዚ ጠንቂ ኣብ ወርሒ ሰነ 2022 ድሕሪ ዝተኻየደ መጥባሕተ’ዩ ተፈሊጡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ድሓን ኩነታት ከም እትርከብ ተገሊጹ ኣሎ።

መርመራ ሓንጐል

ምንጪ ስእሊ, ANU

ዶክተር ሑሴን "ላርቫ ኦፊዳስካሪስ ኣብ ሓንጎል ከም ዘጋጥም ቅድሚ ሕጂ ኣይተገልጸን ነይሩ። ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ፈተነታት ኣብ ከም ኣባጊዕ፡ ኣኽላባትን ድሙን ዝኣመሰሉ ኣብ ገዛውቲ ዝነብሩ እንስሳታት ምዕባለ ላርቫ ከም ዘየርኣዩ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ሰብ ዕብየት ሳልሳይ ደረጃ ላርቫ ይስትውዓል’ዩ” ኢሉ።

ኣብ ሃገራዊ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ (ANU) ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሕክምና ዶክተር ሰናናያከ፡ እቲ ጉዳይ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ጉጅለ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት 30 ሓደስቲ ዓይነታት ረኽስታት ከም ዝተራእዩ ይሕብር።

ሰለስተ ርብዒ ናይዚኦም ‘ዙኖቲክ’ - ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ተላገብቲ ሕማማት እዮም።

"እዚ ብዝሒ ህዝቢ ደቂ ሰባት እናዓበየ ምስ ከደ ጥራይ ዝርኣይ’ዩ፤ መነባብሮ ናብ እንስሳታት ዝቐረበ ይኸውን ኣሎ። እዚ ጉዳይ እዚ ብተደጋጋሚ እንርእዮ ጉዳይ'ዩ፤ ካብ ጭራም በረኻ ናብ ሓሰማ ገዛ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ሰባት ዝሰገረ ቫይረስ ኒፓህ ክሳብ ኮሮናቫይረስ።" ሳርስ ወይ መርስ ካብ መንካዕ ናብ ምናልባት ካልእ እንስሳ ድሕሪኡ ናብ ደቂ ሰባት ሓሊፉ።"

"ዋላ'ኳ ሕጂ ኮቪድ ቀስ ብቐስ እናሃሰሰ ይኸይድ እንተሎ፡ ክኢላታት ለበዳ ከምኡ'ውን መንግስታት ኣብ ከባቢኦም ጽቡቕ ምክትታል ተላባዒ ሕማማት ምህላው ከረጋግጹ ግን ኣገዳሲ’ዩ”።