መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት-ሞዴስ ንምርካብ ፆታዊ ርክብ ክፍፅማ ዝግደዳ ደቂኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Toko Masemola/Change.org
ትሑት መሃያ ዝረኽባ ደቂኣንስትዮ ጋና፡ ካብ ዝረኽብኦ ሸውዓተ ዳላር እቲ ሓደ ዶላር መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት (ሞዴስ) ንምዕዳግ ከም ዘውዕልኦ ቢቢሲ ዘካየዶ ሓድሽ መፅናዕቲ የመልክት።
ዋጋ መናፅሂታት ወርሓዊ ፅግያት ክንደየናይ ተመጣጣኒ ምዃኑ ንምፍላጥ፡ ቢቢሲ ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ መፅናዕቲ ኣካይዱ።
እቲ ዝተሓተ መሃያ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘሎ ዝሓሰረ ዋጋ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያ ብምንፅፃር፡ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክዕድግኦ ዝኽእላ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊፁ።
ጋና ምስተን እዚ መፅናዕቲ ዝተኻየደለን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ትሑት ዋጋ ዝነበራ’ኳ እንተኾነት፡ ብዙሓት ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ደቂኣንስትዮ ግና ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅግያት መናፅህታት ምዕዳግ ብዘይምኽኣለን ይጽገማ ኣለዋ።
ጐስጐስቲ ነዚ ኩነታት ንምቕያር ይፅዕሩ ኣለዉ።
ጓል 22 ዓመት ጋናዊት ጆይስ ኣብ ግዘ ወርሓዊ ፅግያት ዘድልያ ነገር ክትዕድግ ዓቕሚ የብላን።
“እቲ እንኮ ክሕግዘኒ ዝኽእል ሰብ ገንዘብ ቅድሚ ምሃቡ ምስኡ ፆታዊ ርክብ ክፍፅም ይደልይ። ክገብሮ ግድን’ዩ። ምኽንያቱ ነቲ ወርሒ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት-ሞዴስ የድልየኒ’ዩ” ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ቢቢሲ መፅናዕቲ ኣብ ዘካየደለን ሽድሽተ ሃገራት፡ ትሑት መሃያ ዝረኽባ ደቂኣንስትዮ ካብ 3 ክሳብ 13 ሚእታዊት ካብ መሃይአን ሸሞንተ ሓባ ሞዴስ ዝሓዘ ክልተ ጥቕላል ኣብ ምዕዳግ የውዕልኦ። እዚ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ዘድልየን መጠን እዩ።
ኣብ ሓደ ድኳን ሓጋዚት ኰይና እትሰርሕ ጆይስ ምስ ሓንቲ ፈታዊት ስድርኣ እያ ትቕመጥ፤ ብትረኽቦ ሞቕሽሽ ድማ ትናበር።
ቅድሚ ሕዚ ዋጋ ሓደ ዕሹግ ሞዴስ 4.88 ሰይዲ ማለት'ውን 45 ሳንቲም ኣሜሪካ እዩ ነይሩ።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መናፅህታት ወርሓዊ ፅግያት ግብር ብምውሳኹ ግና፡ ሕዚ ዋጋ ሓደ ዕሹግ ሞዴስ 20 ሰይዲ በፂሑ ኣሎ። እዚ ዋጋ፡ ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር ዝኽእልኦ ኣይኰነን።
ብሰንኪ እዚ ወሰኽ ዋጋ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2023 ናብ ኣፍደገ ባይቶ እታ ሃገር ወፅየን ተቓውሞ ከስምዓ ተገዲደን እየን።
በዚ ምውሳኽ ዋጋ ዝሓርበታ ጆይስ ኣብ ክንዲ ሞዴስ ናይ ሽቓቕ ወረቐት ክትጥቀም ጀሚራ፤ እዚ ግና ዘላቒ ኰይኑ ንፀገማ ክፈትሐላ ኣይከኣለን።
ካልእ ኣማራጺታት ከም ዘይብላ ተሰሚዕዋ፡ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ንኽትረክብ እቲ ዝቐርበላ ጠለባት ፆታዊ ርክብ ክትቕበል ከም ዝተገደደት ትገልፅ።
እዚ ጆይስ ተፈጥርኣዊ ዑደት ወርሓዊ ፅግያት ንምትእንጋድ እትገብሮ ቃልሲ ካብቲ ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ዝገጥመን ብድሆ ሓደ እዩ።
ቢቢሲ ርኽበታቱ ንምስላሕ፡ ኣብ ትሽዓቲአን ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ብሕጊ ዝተወሰነ ትሑት መሃያን ኣብ ዕዳጋታት ትሑት ዋጋ ዘለዎም መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያትን ክርእይ እዩ መሪጹ።
ምስ ወርሓዊ ኣታዊ እንትነፃፀር ጋና ኣዝዩ ክቡር ዋጋ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ዘለዋ ሃገር እያ።
ብመሰረት መፅናዕቲ ቢቢሲ ኣብ ጋና ወርሓዊ 26 ዳላር ትረክብ ጓልኣንስተይቲ ሸሞንተ ሓባ ሞዴስ ዝሓዘ ሓደ ዕሹግ ንምዕዳግ ሰለስተ ዳላር ወይ ካብ ሸውዓተ ዳላር ሓደ ዳላር ተውፅእ።
እዚ ማለት ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር ካብ ዝረኽብኦ 80 ሰይዲ እቲ 11 ሰይዲ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ኣብ ምዕዳግ የውዕልኦ።

ብንፅፅር ምስ ዝርአ ኣብ ኣሜሪካ ወይ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ ደቂኣንስትዮ፡ ሞዴስ ንምዕዳግ ካብዚ ዝተሓተ እየን ዘውፅኣ።
ንኣብነት፡ ኣብ ኣሜሪካ እቲ ዝተሓተ መሃያ፡ 1200 ዳላር እትረክብ ጓልኣንስተይቲ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ንምዕዳግ ሰለስተ ዳላር እያ ተውፅእ።
ፍራንሲስካ ሳርፖንግ ኦውሱ ኣብ ማእኸል ዲሞክራስያዊ ዕብየት ጋና (CDD) ተማራማሪት እያ።
ዝበዝሓ ኣዋልድን ደቂኣንስትዮን ኣብ ግዘ ወርሓዊ ፅግያት ነቲ ሓንሳብ እትጥቀመሉ መናፅህታት ወርሓዊ ፅግያት ንምርካብ ዓቕሚ ስለ ዘይብለን፡ ዝኣረገ ጨርቂ፣ ላስቲክ፣ ናይ ስሚንቶ ወረቐትን ዝደረቐ ቅራፍ ፕላንተይን (ሙዝ ዝመስል ተኽሊ) ከም ዝጥቀማ ትገልፅ።
እዚ ፀገም ኣብ ጋና ጥራሕ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ኣብ መላእ ዓለም ዘሕድሮ ፅልዋ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ።
ጸብጻባት ባንኪ ዓለም፡ 500 ሚልየን ደቂኣንስትዮ ካብ ዙርያ ዓለም መናፅህታት ወርሓዊ ፅግያት ከምዘይብለን ይገልጽ።
ወርሓዊ ፅግያተን ዘፅርያሉ ከም ፅሩይ ማይን ሽቓቕን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት’ውን ኣይረኽባን።

ምንጪ ስእሊ, Ama Pratt, Obaasima Foundation
ግብርን መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያትን እንታይ ኣራኸቦም?
ብዙሓት ተሓለቕቲ ጥዕና ወርሓዊ ፅግያት፡ ምእላይ ‘ቀረፅ ታምፑን’ ደቂኣንስትዮ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ክረኽባን ክጥቀማን ቁሩብ ዝሕግዝ ምዃኑ ይገልፁ።
ቀረፅ ታምፑን፡ ኣብ ከም ሞዴስን ኩባያታት ወርሓዊ ፅግያትን ዝኣመሰሉ መናፅህታት ወርሓዊ ፅግያት ሓዊሱ ኣብ ናይ ደቂኣንስትዮ ፍርያታት ፅርየት፡ ንዝድንገግ ግብሪ ዘምልክት እዩ።
ተሓለቕቲ፡ መንግስታት ንፍርያታት ደቂኣንስትዮ ኣብ ክንዲ ከም ሃለኽቲ ወይ መሰረታዊ ገይርካ ምውሳድ ከም ናይ ምቾት ኣቑሑ ከም ዝርእይዎም ይገልፁ።
ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ልዕሊ እዞም ፍርያት ዝግበር መጠን ግብሪ፡ ምስ ናይ “ምቾት ግብሪ” ማለት እውን ምስ ኣዝዮም ኣድለይቲ ዘይኮኑን ሃፋትም ጥራሕ ዝዕድግዎምን ፍርያታት ዝድንገግ ግብሪ ዝመሳሰል እዩ።
ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ፍርያት ዝግበር ግብሪ ኣብ ሃለኽቲ ፍርያት ካብ ዝግበር ግብሪ ዝለዓለ እዩ።
ኣብ 2004 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ኬንያ ኣብ ፍርያታት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ዝግበር ግብሪ ብምእላይ ኣብ ዓለም ፈላመይቲ ሃገር ኮይና።
ኣብ 2016 ድማ ሞዴስ ንምስራሕ ኣብ ልዕሊ ዘገልግሉ እታወታት ዝተደንገገ ግብሪ ኣልዒላ።
በዚ ድማ ኣብ ኬንያ ዋጋታት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ነክዩ፤ ኣብ 2023 ዋጋ ሓደ ዕሹግ መናፅሂ ሞዴስ 50 ሽልንግ ተሸይጡ። እዚ ድማ ቢቢሲ መፅናዕቲ ካብ ዘካየደለን ሃገራት፡ ኬንያ ተመጣጣኒ ዋጋ ዘለዋ ሃገር ይገብራ።
እንተኾነ ደቂኣንስትዮ ፖለቲከኛታትን ነጠፍትን ካብ ግብሪ ብተወሳኺ ዋጋታት መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ክንክይ ፀቕጢ ይገብሩ ኣለዉ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊት ነጣፊት ወርሓዊ ፅግያት ኖኩዞላ ንዱዋንድዌ፡ ኣብ ፍርያት ወርሓዊ ፅግያት ዝተነበረ ግብሪ ንክእለይ ካብ 2014 ጀሚራ ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።
ኣብ ሚያዝያ 2019 “ዓብይ ዓወት” ረኺባ፤ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ዝነበረ 15 ሚእታዊት ግብሪ ብምእላይ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ትምህርቲ ሞዴስ ብነፃ ከምዝዕድል ኣፍሊጡ።
ግና ግብሪ ብምእላይ ጥራጥ ኣዋልድን ደቂኣንስትዮን መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ክጥቀማ የኽእል ‘ዶ?
መንግስቲ ታንዛንያ ኣብ መናፅሂ ፍርያት ኣልይዎ ንዝነበረ ግብሪ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ተግባራዊ ክኸውን ገይሩ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ዕዳጋታትን ድኳናትን ምንካይ ዋጋ ከም ዘይተርኣየ ደቂኣንስትዮ ብምምራረን እዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ኰነ ካልኦት ክፋላት ዓለም ዋጋ መናፅህታት ወርሓዊ ፅግያት ብምውሳኹ ወይ ኣብ ገጠራት ስለዘይርከብ፡ ኣብ ሚልየናት ደቂኣንስትዮ ከቢድ ፅልዋ ኣሕዲሩ’ዩ።
ብሰንኪ እዚ ኣሽሓት ኣዋልድ ዓለም ኣብ ግዘ ወርሓዊ ፅግያተን ንመዓልትታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ይቦኽራ፡ ውፅኢት ትምህርተን እውን የንቆልቁል።
ጉዳይ ደቂኣንስትዮ ጥራሕ ኣይኰነን

ምንጪ ስእሊ, Pad Bank Nigeria
ኢብራሂም ፋለየ፡ ሓፍቱ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ምጥቃም ክትጅምር ከላ፡ ወዲ 10 ዓመት’ዩ ነይሩ። ኣብ ርእሰከተማ ናይጄርያ ሌጎስ ምስ ኣዋልድ ምዕባይ፡ ሓደ መንእሰይ ወዲተባዕታይ ሞዴስ ክዕድግ ልሙድ ኩነታት ከም ዝኾነ እዩ ዝገልፅ።
“ማእኸላይ እቶት ዘለና ስድራ ስለዝኾንና፡ መናፅሂ ወርሓዊ ፅግያት ንምዕዳግ ዓቕሚ ኣለና። ብዙሓት ሰባት ነዞም ፍርያታት ክዕድጉ ከም ዘይኽእሉ ምስ ፈለጥኩ ግና ሰንቢደ” ይብል።
እቲ ወዲ 26 ዓመት በዓልሞያ ጥዕና፡ ‘ድኽነት ወርሓዊ ፅግያት’ ደው ንምባልን ኣዋልድን ደቂተባዕትዮን ኣብ ጉዳይ ወርሓዊ ፅግያት ምሹቕራር ደው ከብሉን ብዘይመንግስታዊ ትካሉ ኣቢሉ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ።
ማዕኸን ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ንድኽነት ወርሓዊ ፅግያት፡ “ትሑት ኣታዊ ዘለወን ደቂኣንስትዮን ኣዋልድን መናፅህታት ወርሓዊ ፅግያት ንምርካብ ዘጋጥመን ብድሆ ብምባል እዩ ዝገልፆ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







