ንዘልኣለም ክትነብሩ ምደለኹም’ዶ?

ምንጪ ስእሊ, JOMAC/WEATHER WATCHERS
ካብ ጥንታዊ ጽውጽዋያት ክሳብ ስነ-ጽሑፍ ሳይንሳዊ ፍጻመታት፡ ደቂ ሰባት ብዘለኣለማዊነት ኣዚና ንምሰጥ ኢና።
ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድሕሪ ሞት፡ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ተስፋ ይገብሩ። ዘልዓለማውነት ማለት ኪንዮ ስጋዊ ሞት: ዘሎ ቀጻሊ ህይወት’ዩ ድማ ይብሉ።
ግን ቅድሚ ሞት ዘልኣለማውነት እንተዝህሉኸ?
ተመራመርቲ ኣካላትና ዘይኣርገሉ ኣገባብ እንተዝረኸቡ?
ብሓቂ ንዘልኣለም ምንባር ምደለኹም’ዶ? ወይስ ዕውት ግን ሓጺር ዕድመ?
ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ተመራመርቲ፡ ደቂ-ሰባት እርጋን ንምምምካት ወይ ናብ መንእሰይነት ንምምላስ ዘኽእሎም ኣገባባት ብዝምልከት ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ ከምዚ ዝበሉ መርመራታት ዝሕግዙ ዝመስሉ ፍጡራት ኣለዋ።
እዞም ፍጡራት፡ ብስነ-ህይወት ዘይሞቱ ወይ ዘይሞቱ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ ይሕሰብ።
እዚ ማለት፡ ብሃዳናይ፣ ብሕማም ወይ ኣብ ከባቢኦም ብዘጋጥም ብርቱዕ ለውጢ እንተዘይተቐቲሎም ንዘይተወሰነ እዋን ክነብሩ ይኽእሉ።
ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ምስጢር ናይዞም ፍጥረታት፡ ናይ ገዛእ ርእስና መስርሕ እርጋን ንምምካት ክሕግዙና ዝኽእሉ ምዃኖም ንምርግጋጽ መጽናዕትታት እናካየዱ ይርከቡ።
ንሕጂ ግን ተመራመርቲ ምስ ዝተመሰጡሎም ፍጠረታት ክነላልየኩም።
ናይ ባሕሪ ኣርቺን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናይ ባሕሪ ኣርቺን፡ ኣብ ሓደ እዋን ተኽሊ ከም ዝዀኑ ይሕሰብ ነይሩ። እንተዀነ ግን ኣብ ዓሚቝ ማያት ምስ ኣኻውሕን መርዛማትን ዝጣበቑ ልስሉስ ኣካላት ዘለዎም እንስሳታት እዮም።
ኣብ ጥቕኦም ዝረኽብዎም ንኣሽቱ ዓሳታትን ሽሪምፓትን ብመዳህሳስ መርዚ ብምውጋእ ክለሰምሱ ይገብሩ እሞ ብድሕሪኡ ናብ ኣፎም የእትውዎም፤ ኣፎም ከም መሃንቱስ እውን ዘገልግል እዩ።
"ክሳብ እንፈልጦ፡ እዚኦም ዘይሞቱ እንስሳታት እዮም" ይብል ፕሮፌሰር ጀነቲክስ ዳን ሮክሳር ካብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ፡ በርክሊ።
"ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ ይነብሩ - ሓደ 100 ዓመት ከም ዝነብር ተሰኒዱ ኣሎ። ኣይኣርጉን። ንዘልኣለም ይነብሩ፡ ይበዝሑን ይዓብዩ ጥራይ።"
መዳህሰሲኦም እንተ ቆሪጽካዮ፡ ሓደስቲ መዳህሰሲ የብቁሉ።
ዋላ ኣፎም እንተ ቆሪጽካዮም ሓዱሽ "ርእሲ" የብቁሉ። ክሳብ ዘይተመረዙ ወይ ዘይተበልዑን፡ ን ዘልኣለም ዝነብሩ ይመስሉ።
ካብቶም እርጋንን ኣብ ደቂ ሰባት ዘሕድሮም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ዝረሓቑ ይመስሉ።
"ኣብዞም እንስሳታት ሕበጥ ይረአ’ዩ፡ ብዛዕባ እዚ ግን ኣዝዩ ውሑድ መግለጺታት እዩ ዘለና። መንሽሮ ከየማዕበሉ ብቐጻሊ ንነብሶም ይትክኡ ኣለዉ" ይብል ሮክሳር።
"ሎሚ ዝረኣኻዮ ናይ ባሕሪ ኣኒሞን ድሕሪ ሓደ ሰሙን እንተርኢኻዮ፡ ተመሳሳሊ ኣቃውማ እዩ ዝህልዎ፤ ግን ብዙሓት ካብቶም ዋህዮታቱ ተተኪኦም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።"
እዚ ብኸመይ ከም ዝኸውን ንጹር ኣይኰነን።
"እርጋን ንምውጋድ ዘኽእሎ ጂን ወይ መንገዲ እንተንረክብ ደስ ምበለና" ይብል ሮክሳር።
ንሱን ጋንትኡን ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ምድላይ ይርከቡ።
ፕላናርያዊ ሓሳኻ

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library
ፕላናርያዊ ሓሳኻ፡ ከም ጽግዕተኛ ዘይኰነስ ንገዛእ ርእሱ ክኢሉ ብነጻ ዝንቀሳቐስ እንስሳ እዩ። ኣብ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ይርከብ።
እዚ ሓሰኻ ኣብ ክልተ እንተተመቒሉ ንነብሱ ናይ ምሕዳስ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ካብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ ፍልጠት ብሰፊሑ ዝተዘርገሐ ግን ኣብ 2012፡ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ብዛዕባ ክህልዎም ዝኽእል ዘልኣለማዊነት ባህሪ ዘካየዶ መጽናዕቲ ምስ ኣሕተመ እዩ።
እዚ ሓሰኻ፡ ዋህዮታቱ ናይ ምሕዳስ ደረት ኣልቦ ክእለት ኣለዎ።
ፕላናርያዊ ሓሰኻታት ብክልተ መንገዲ ይራብሑ፤ ገሊኦም ብጾታዊ ርክብ ገሊኦም ድማ ብዘይጾታዊ መንገዲ ኣብ ክልተ ብምምቃል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ንኽልቲኦም ዓይነታት ኣጽኒዖም፡ እቶም ብዘይ ጾታዊ ርክብ ዝባዝሑ ዲኤንኤኦም 'ከሕድሱ' ተኽእሎ ከም ዘሎ ረኺቦም።
ኣብ ገለ ዕድመ ህይወትና ዲኤንኤና ከም መብዛሕትኦም ካልኦት እንስሳታት ኣብ ምምቕቓል ዋህዮታት ኣብ ደረቱ ክበጽሕን ኣካላትና ክኣርግን ይጅምር።
ብኣንጻሩ እዞም ሓሳኹ ንዋህዮታቶም ካብ እርጋን ዝከላኸል ኢንዛይም ብብዝሒ የፍርዩ እዮም፤ እዚ ድማ ተመራመርቲ ዘይሞቱ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ንኽኣምኑ ገይርዎም ኣሎ።
ሃይድራ

ምንጪ ስእሊ, Natural Visions/Alamy
እዚ ባዕዳዊ ዝመስል ፍጡር፡ ዓንዲ ሕቖ ዘይብሉ እንስሳ ኰይኑ፡ ቱቦ ዝመስሉ ኣካላትን ኣብ ዙርያ ኣፉ መዳህሰሳትን ኣለዎ።
እዞም መዳህሰሳት ተጠቒሙ ከም ሓሳኹን ንኣሽቱ ዓንዲ ሕቖ ዘይብሎም እንስሳታትን ዝኣመሰሉ ግዳያት ይነክስ።
ሆላንዳዊ ሳይንቲስት ኣንቶኒ ቫን ሊዩወንሆክ፡ ክሳብ 275 ዕጽፊ ዘጉልሕ ማይክሮስኮፕ ሰሪሑ ካብ ዝመርመሮም ፍጥረታት ሓደ ሃይድራ’ዩ።
ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ስዊዘርላንዳዊ ሳይንቲስት ኣብርሃም ትረምብሊ ኣብ ልዕሊ ሃይድራታትን ናይ ‘ምጥጣእ ሓይሎም’ ዝገበሮ ትዕዝብቲ፡ ኣብ ዓውዲ ስነ-ህይወት ሓድሽ ዘመን ዘበሰረ ነይሩ።
ከም ፕላናርያዊ ሓሰኻ፡ ሃይድራ እውን ንክፋላት ኣካላቶም ክሕደሱ ወይ ከጠጥዑ ይኽእሉ እዮም።
ነቲ ክህልዎ ዝኽእል ዘልኣለማዊነት ንምርዳእ፡ እቲ ቁልፊ ኣብቶም ንዘይተወሰነ እዋን ርእሶም ከሕድሱ ዝኽእሉ መበቆል ዋህዮታቶም እዩ ዘሎ።
ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ምሉእ ኣካላት ሃይድራ ካብ ባዕሎም ዘሐድሱ መበቆል ዋህዮታት ዝተሰርሐ’ዩ ዝመስል።
ንዓመታት ንጉጅለታት ሃይድራታት ዝተዓዘቡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ኣብዞም ፍጥረታት ዝዀነ ምልክት እርጋን ከለልዩ ኣይከኣሉን።
ኣብ 2018 ተመራመርቲ ዩሲ ዳቪስ፡ ሃይድራ ዘልዓለማዊ ክኸውን ዝኽእለሉ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም 'ጃምፒንግ ጂንስ' ብዝብል ዝፍለጡ ‘ጂንስ’ ወይ ወለዶ ዘመሓላልፉ ኣሃዱታት ናይ ምቁጽጻር ዓቕሚ ስለዘለዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምታዊ ሓሳብ ኣቕሪቦም።
እዚኦም ኣሃዱታት ካብ ሓደ ክፋል ናብ ካልእ ክፋል 'ክዘሉ' ዝኽእሉ ኰይኖም፡ ኣካላዊ ምትዕርራይ የስዕቡ።
ኣብ ንእስነት ዕድመ፡ ኣካላት ደቂ ሰብ ነዞም ወለዶ ዘመሓላልፉ ኣሃዱታት ምቁጽፋር ይኽእል’ዩ፡ ምስ እርጋን ግን ንምቁጽጻር ይቃለስ እዩ።
ብኣንጻሩ ሃይድራ ነዞም ኣሃዱታት ንዘልኣለም ክቆጻጸሮም ይኽእል ይኸውን።
መለግለጋይ ዓሳ

ምንጪ ስእሊ, ROST-9D zaferkizilkaya | Shutterstock
ዘልኣማዊ መለግለጋይ ዓሳ ወይ ‘ጀሊፊሽ’ ኣብ ማያት ባሕሪ እዩ ዝነብር።
ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1880ታት ኣብ ባሕሪ ማእከላይ ባሕሪ ተረኺቡ።
ሕጂ ግን ብሰንኪ መራኽብ ዝፍንውኦ ማይ፡ ኣብ ብዙሕ ካልእ ቦታታት ክርከብ ይኽእል።
መጠኑ ንእሽቶይ ዝዀነ እዚ ዓይነት ዓሳ፡ ፕላንክተን ዝተበሃሉ ኣብ ውቅያኖሳት፣ ቀላያትን ሩባታትን ወዘተ ዝንሳፈፉ ደቀቕቲ ኣታኽልቲን እንቋቑሖ ዓሳን ይምገብ።
ብዛዕባ መለግለጋይ ዓሳ ዘገርም ነገር፡ ዑደት ህይወቱ ዳግማይ ከመዓራርይ ምኽኣሉ እዩ።
ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ምስ ዝኣቱ፡ ናብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ደረጃ ህይወቱ ይቕየር። እዚ ከም ጽምብላሊዕ ናብ ኣባጨጐራ ወይ ላርቫ ክትቕየር ከላ ማለት እዩ - ንድሕሪት።
እዚ ጥራይ ኣይኰነን። መለግለጋይ ዓሳ ናብቲ ዝሓለፈ ደረጃ ህይወቱ ክምለስ እንከሎ፡ ተመሳሳሊ ወለዶ ኮድ ዘመሓላልፉ ኣሃዱታት ዘለዎም ዝያዳ ህይወታውያን እውን ይፈጥር’ዩ።
ስለዚ፡ ብመሰረቱ፡ በዕድመ ክንእስ እንከሎ ልክዕ ንዕኡ ዝመስል ካልእ ኣካል’ውን ይፈጥር ወይ ‘ክሎን’ ይገብር ኣሎ ማለት እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







