ኣትክልቲ፡ ኣየር ውሽጢ ገዛና ከጽርዩ ይኽእሉ ዶ?

ንተኽሊ ማይ እተስቲ ዘላ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መብዛሕትኡ ሰብ፡ ኣብቲ ነዊሕ ካብ ግዜኡ ዘሕልፈሉ ገዛኡ ማዕረ ክንደይ ዝተበከለ ነገራት ኣብ ኣየር ይዘውር ከምዘሎ ኣይፍለጦን እዩ።

ንኣብነት መብዛሕትኦም ካብቶም ንመንበሪ ገዛና፡ ኣብያተ ትምህርትናን ቦታ ስራሕናን ንምጽራይን ኣየር ንምሕዳስን እንጥቀመሎም ፍርያት፡ ኣብ ኣየር ዘይርአ መርዛማት ነገራት ክውስኽ ዝገብሩ እዮም።

"ንመሐደሲ ኣየር እንጥቀመሉ ሽታ ከም ጨና ጥራይ ዝቝጸር ኣይኮነን" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣልበርታ ክኢላ ሕክምና ሳንቡእ ህጻናት ኣን ሂክስ።

"ክተሽትቶ እንተኽኢልካ ናብ ኣፍንጫኻ ዝበጽሕ ከሚካል ኣብ ኣየር ኣሎ ማለት’ዩ። ስለዚ ጽቡቕ ይዅን ሕማቕ ጨና ኵሉ ብከላ ኣየር እዩ” ትብል።

"ብከላ ኣየር ውሽጢ ገዛ ሰፊሕ ግን ድማ ብዙሕ ዘይፍለጥ እዩ። ምኽንያቱ ዋላ ኣብ ገዛ ጐረቤተይ ከይተረፈ ዝህሉ ዝተፈልየ ብከላ ኣየር ናብ ገዛይ ዝበጽሕ ኣሰር ይህልዎ እዩ" ክትብል ተረድእ።

ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝፍጠር ብከላ ኣየር ኣዝዩ ዝተሓላለኸ፡ ብዙሕ ምቍጽጻር ዘይግበረሉን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካብ ውልቃዊ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነን እዩ። ንኣብነት መኻይን ጽርግያ ናይትሮጅን ዳይኦክሳይድ ከፍርያ እንከለዋ፡ ኣብ ህንጻታት ዝፍጠር ራህዲን መዋቕራዊ ጸገማትን ድማ ምዕሳው ከስዕብ ይኽእል።

ብርግጽ ኣየር ዘሐድስ ልዑል ንጥረ ነገራት ኣየር ዘለዎም መጽረይቲ ኣየር ብዝሓሸ ሓገዝቲ ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣየጠራጥርን።

እንተዀነ ዋጋ'ኦም ይዅን ንዕኦም ዝውዕል ጸዓት ንምኽፋል ንገለ ስድራቤታት ዘይከኣል ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ነዚ እዩ ድማ ኣብ ዕትሮ ወይ ጐማ ዝትከሉ ኣትክልቲ፡ ብውሑድ ወጻኢታት ኣየር ንምጽራይ (ብከላ ንምክልኻል) ዝሓሸ ኣማራጺ ዝዀንሉ ምኽንያት።

ኣቝጽልቲ ካርቦን ዳይኦክሳይድን ካልእ በከልቲ ነገራትን ከምዝመጽዩ ይፍለጥ።

ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝርከቡ ኣትክልቲ ፎርማልደሃይድን ካልኦት በነንቲ ኦርጋኒክ ውህደታትን (volatile organic compounds - VOCs) ካብ ኣየር ከውጽኡ ከም ዝኽእሉ ካብ 1989 ጀሚሩ ብናሳ ዝተገብረ ወሳኒ መጽናዕቲ የረጋግጽ።

እቲ መጽናዕቲ ግን ምስቲ ኣብ ጋህዳዊ ዓለም ዘሎ ኵነታት ክግምገም እንከሎ ዘይከውን እዩ ነይሩ።

ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ገዛ ንዘለዉ በነንቲ ኦርጋኒክ ውህደታት (volatile organic compounds - VOCs) ትርጕም ብዘለዎ ደረጃ ንምንካይ ኣብ ውሽጢ ገዛ ጫካ ምፍጣር ከድሊ እዩ።

"ኣብ ምእላይ በነንቲ ኦርጋኒክ ውህደታትን ካልኦት ብዙሓት ጋዛትን ርኡይ ጽልዋ ንምፍጣር ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ብርሃን ዘለዎ ቦታ ብዙሓት ኣትክልቲ ምትካል የድልየካ” ትብል ቲጃና ብላኑሳ - ኣብ ሮያል ሆርቲካልቸራል ሶሳይቲ ዋና ተመራማሪት ስነኣትክልቲ ከምኡ'ውን ተመራማሪት ዩኒቨርሲቲ ሪዲን።

ማ'ዕረ'ቲ ካርቦን ዳይኦክሳይድ፡ "ኣብ መንበሪ ገዛ ዝርአ ለውጢ ንምምጻእ ኣዝዩ ብዙሕ ቍጽሪ ዘለዎም ኣትክልቲ ክህልወካ ይግባእ" ትብል።

ኣትክልቲ ምብዛሕ እሞ መፍትሒ ድዩ?

ቲጃና ብላኑሳን ገለ ተመራመርቲን ካብ ሓንቲ ተኽሊ ኣብ ሓደ ዕትሮ፡ ናብ ሓምለዋይ መንደቕ ምስግጋር ዝብል ሓሳብ ኣለዎም።

እዚ ድማ ኣብ መንደቕ ብዙሓት ኣትክልቲ ክትተክል ዝጠልብ ኰይኑ ብእኡ ኣቢልካ ብዝሓሸ ኵነታት ኣየር ምጽራይ ከምዘኽእል ይሕብሩ።

ይዅን እምበር ከምዚ ዝኣመሰለ ሓምላይ መናድቕ ንምትካልን ንምሕላውን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት እዩ።

ስለዚ ሰባት ብሓንቲ ተኽሊ ምፍታን እንተዝቕጽሉ እዩ ዝቐለለ ዝኸውን።

ናይ መንደቕ ተኽሊታት

ምንጪ ስእሊ, PAUL DE BOIS

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካል ኣማኻሪ ህንጻ ዝዀነ ካንዳል ኣብ 2015 ናብቲ ሕጂ ኣብ ለንደን ዝርከበሉ ቤት ጽሕፈት ክግዕዝ እንከሎ፡ ንሓንቲ ካብተን ብግሪን ላብ ዝፍለጣ ናይ ኣኼባ ክፍልታት ብኣትክልቲ መሊኡዋ።

እቲ ዕላማ ድማ እቶም ኣትክልቲ ኣብ ጽሬት ኣየር ውሽጢ ገዛ ዘለዎም ጽልዋ ንምክትታልን ንምምዝጋብን እዩ ነይሩ። ንዅሎም ምሕላው ግን በዳሂ ነይሩ።

እቶም ኣትክልቲ ድማ ከምቲ መካኒካዊ ስርዓተ ምጽራይ ኣየር (መካኒካል ቨንቲሌሽን) ጽልዋ ከምዘይብሎም ተረጋጊጹ።

ዓማዊል ብዛዕባ ጽሬት ኣየር ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ኣትክልቲ ክሓቱ ከለዉ፡ እታ ተሓጋጋዚት ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ካንዳል ዝዀነት ካቪታ ኩማሪ፡ ብዛዕባ ብልጫታትን ድሩትነትን ኣትክልቲ እያ ትመኽሮም።

በነንቲ ኦርጋኒክ ውህደታትን ከጉድሉን ኦክስጅን ከፍርዩን ዝኽእሉ ግን ድማ ትሑት ወጻኢታት ጽገና ዝሓቱ ኣትክልቲ ክመርጹ ትመክር።

ሓደ ካብዚኦም ከኣ 'ተኽሊ ተመን' (ስኔክ ፕላንት) ዝበሃል ዓይነት ተኽሊ ከምዝዀነ ትዛረብ።

ንሳ መብዛሕትኦም ኣትክልቲ ኣብ እዋን ቀትሪ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ወሲዶም ኦክስጅን ክለቍ እንከለዉ፡ እዚ ‘ስኔክ ፕላንት’ ዝበሃል ዓይነት ተኽሊ ግን ብለይቲ እውን ከምኡ ክገብር ከም ዝኽእል ትገልጽ።

ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝርከቡ በከልቲ ኣየር ንኽወጹ ብምሕሳብ መስኮት ምኽፋት ጥራይ ከምዘይሰርሕ፡ እኳ ደኣ ናይ ደገ ብከላታት መሊሶም ንውሽጢ ክኣትዉ ከምዝገብርን ተረድእ።

ተመራመርቲ ብፍላይ ኣብ ምጽራይ ኣየር ብቝዓት ንኽዀኑ ብባዮምህንድስና ዝተሰርሑ ሓደሽቲ ወለዶ ኣትክልቲ ኣብ ምምዕባል እዮም ዝርከቡ።

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ኣብ ማንትለ ዝርከብ "ቀጠልያ ጸላም ከብዲ" ዝበሃል ፕሮቲን ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየረሎም ኣትክልቲ፡ ‘ፖቶስ’ ኣማዕቢሎም ኣለዉ። እዚኦም ድማ ክሎሮፎርምን ቤንዚንን ከጻርዩ ዝኽእሉ እዮም።

ኒዮፕላንትስ ዝበሃል ኩባንያ ድማ ኣብ ኣትክልቲ ፖቶስ ዝርከቡ ጂናት ብምትዕርራይ ዝተወሰኑ በነንቲ ኦርጋኒክ ውህደታት ናብ ዳግመ ረብሓ ክውዕሉ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ነዞም ዝበኑ ውህዳት ዝሰብሩ ውጽኢታዊ ዝዀኑ ጠቐምቲ ባክተርያታት ኣፍርዩ ኣሎ።

ይዅን እምበር ትካል ኒዮፕላንትስ ከምዝብሎ ኣየር ንምጽራይ ኣብ ኣትክልቲ ጥራይ ምጽጋዕ ኣየድልን።

ስለዚ፡ ንሕጂ እቶም ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝዕቀቡ ኣትክልቲ ዝህብዎ ጭቡጥ ረብሓታት ምጽራይ ኣየር ድሩት እዩ። ምስ መጻረይቲ ኣየር (purifiers.) ክወዳደሩ ኣይክእሉን እዮም።

ኣትክልቲ ግን ካልእ ንጹር ረብሓታት ከምዘለዎም ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ንኣብነት ዝሓሸ ስምዒት ኣብ ምፍጣር፡ መሃዝነትን ኣፍራይነትን ሰባትዛብ ምብርባር ትርጉም ዘለዎ ረብሓ ኣለዎም።

ክኢላታት ጽሬት ኣየር ግን ኣትክልቲ ውሽጢ ወትሩ የተባብዑ።