ጣፍ፡ ክብሩ ወሲኹ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርብ ወጢኑ ናብ ሃገሩ ዝተመለሰ ኢትዮጵያዊ

ዮናስ ምስ ፍርያቱ

ምንጪ ስእሊ, LOVEGRASS

ዮናስ ኣለሙ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኣውሮጳ ብምህንድስናን ፋይናንስን እዩ ተማሂሩ። ብሞያኡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ብምብጻሕ ድማ ፍሉጣት ኣብ ዝዀና ትካላት ፋይናንስ ዓለም ‘ኢንቨስትመንት ባንከር' ክኸውን በቒዑ።

ካብ ሓረስቶት ስድራ ዝተወለደ ዮናስ፡ በቲ ዝተመሃረሉን ዝፈትዎን ሞያ ኣብቶም ዝለዓለ ዝና ዘለዎም ትካላት ክሰርሕ'ኳ እንተጀመረ፡ ጉዳይ ጣፍ ዕረፍቲ ስለዝኸልኦ ግን ስርሑ ገዲፉ ካብ ኣውሮጳ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ።

ዮናስ ንኣተዓባብያኡ ክገልጽ ከሎ፡ “ኣነ ወዲ ገጠር እየ፤ ስድራይ ሓረስቶት እዮም። ዳርጋ ኣብ ሕርሻ እየ ዓብየ ምባል ይከኣል" ይብል።

ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዕድል ስኮላርሺፕ ብምርካቡ ናብ ቡልጋርያ ኣቕነዐ። ድሕሪኡ ከኣ ብኻልእ 'ስኮላርሺፕ' ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይዱ።

ዋላ እኳ ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ናይ መጀመርታ ዲግሪ ብኤሌክትሪካል ምህንድስና፤ ካልኣይ ዲግሪ ድማ ብኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እንተረኸበ ዮናስ ግን ኵሉ ግዜ ናብ ዓውዲ ፋይናንስ ክጽንበር ይብህግ ምንባሩ ይዛረብ።

"ናብ ዓውዲ ፋይናንስ ክኣቱ ዝለዓለ ድሌት ስለዝነበረኒ በቲ ሞያ ትምህርቲ ተኸታቲለ" ዝብል ዮናስ፡ ካብ ዓለማዊ ማሕበር ሰብ ሞያ መጽናዕቲ ስግኣታት [‘ግሎባል አሶሲየሽን ኦፍ ሪስክ ፕሮፌሽናልስ’] ወረቐት ምስክር ምስተቐበለ ናብ ፋይናንሳዊ ኢንዱስትሪ ከምዝተጸንበረ ይዝክር።

ብድሕሪኡ ከኣ ኣብተን ዝለዓለ ተፈላጥነት ዘለወን ትካላት ፋይናንስ በቲ ዝበሃጐ ሞያ ተቘጺሩ ክሰርሕ ክኢሉ።

“ወረቐት ምስክር ዝነበሮም ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት’ዮም ነይሮም። እዚ ከኣ ዕድል ስለዝፈጠረለይ ኣብ ፈረንሳዊ ትካል ‘ቢኤንፒ ፓሬባ’ ክሰርሕ ጀሚረ። ብድሕሪኡ ኣብ ጄፒ ሞርጋን፡ ክረዲት ስወዝ እናበልኩ ከም ባንከኛ ኢንቨስትመንት ኰይነ ስራሕ ቀፀልኩ” ይብል።

ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ተመሪቝ በቲ ዝመረጾ ሞያ ኣብ ፍሉጣት ትካላት እኳ ክሰርሕ እንተጀመረ፡ ዮናስ ግን ኩባንያታት ወጻኢ ካብ ጣፍ ኢትዮጵያ ተጠቀምቲ ክዀና ምርኣዩ ድቃስ ከልኦ።

“ከም ሃገር ንጣፍ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተደላዪ ናብ ዝኾነ ሸቐጥ ክንቅይሮ ስለዘይከኣልና፡ ንናይ ወጻኢ ኩባንያ ጣፍ ናብ ዕዳጋ ዓለም ከቕርብን ካብቲ መኽሰብ ክንማቐልን ፍቓድ ሂብና ኣለና” ክብል ብጣዕሳ ይዛረብ።

ኣስዒቡ፡ “እዚ ነዓይ ብፍላይ ከም ወዲ ሓረስታይ ዘሕዝነኒ እዩ። እዚ ዓቕሚ ብደረጃ ሃገር ዘይምህላዉ የሕዝን። ዝዀነ ይዅን ብድሆ የጋጥመኒ ናብ ዓደይ ተተመሊሰ እዚ ኵነታት ክቕየር ኣለዎ ዝብል እምነት ነይሩኒ” ይብል።

ዮናስ፡ ጣፍ ኢትዮጵያዊ መንነቱ ከይቀየረ፡ ንዕዳጋ ዓለም ብዝምጥን መልክዑ ኣዋሃሂዱ ንምቕራብ ዓሊሙ’ዩ ካብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ።

“ኪድ ዝብል መዓዲ ኣይነበረን። ሰባት ካብ ሓልዮት ‘ግደፍ ኣይትኺድ፡ ይትረፍካ!’ እናበሉ ንዘቕርቡለይ ማዕዳ ከይሰማዕኩ ኣዒንተይ ዓሚተ ስርሐይ ገዲፈ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰ”

ኣብ ምጅማር ስራሕ ዝነበረ ብድሆ?

ዮናስ ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሰሉ ምኽንያት ‘ናይ ገዛእ ርእስና ጥረ እታው ተጠቒምና፡ ብናይ በዓልትና ናይ ንግዲ ምልክት ብደረጃ ዓለም ተወዳዳሪ ምዃን’ ዝብል ራእይ እዩ።

ነዚ ራእይ ሒዙ ካብ ኤውሮጳ እንተተመለሰ’ኳ ኩሉ ነገራት ግን ከምቲ ምቹእ ኮይኑ ኣይፀንሖን። እቲ ተበግስኡ ብዙሕ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎ።

“ድሕሪ ምምጻአይ ዘጋጠመኒ ብድሆታት ብዙሕ ነይሩ። ዘጋጠሙኒ ጸገማት ዋላ ንምንቅስቓስ ዘኽእሉ ኣይነበሩን” ይብል ዮናስ ናብቲ ስራሕ ክኣቱ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን ዘጋጠሞ ብድሆታት እናሓሰበ።

“ቦታ ንምርካብ ነዊሕ ግዜ ወሲዱለይ። እቲ ዝመጻእኩሉ እዋን ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ለውጢ ይካየድ ነዓይ ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ። ቦታ ንምርካብ ጥራይ ዓመትን ፈረቓን ወሲዱለይ”

ዮናስ ነቲ ዝሓሰቦ ስራሕ ዘካይደሉ ቦታ ምስ ረኸበ እውን እንተዀነ፡ ህንጻዊ ስርሓት ንምክያድን ንኻልኦት ዕማማትን ፍቓድ ንምርካብ ብዙሕ ከምዝደኸመ ይዝክር።

ካብ ሕርሻ ሱሉልታ - ናብ ሱፐርማርኬታት ዓባይ ብሪጣንያ

ፍርያት ጣፍ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዮናስ ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ነቲ ኣብ መሬት ሕርሻ ሱሉልታ ዝፈረየ ጣፍ ኣዋሃሂዱ 'ላቭ ግራስ ኢትዮጵያ' [ሳዕሪ ፍቕሪ ኢትዮጵያ] ብዝብል ናይ ንግዲ ስም ናብ ዕዳጋ ኣውሮጳ ከቕርብ በቐዐ።

“ ‘ላቭ ግራስ’ ካልእ ስም ጣፍ እዩ። 'ላቭ ግራስ ኢትዮጵያ' ዝብል ስም ዝሃብናዮ ጣፍ ናይ ኢትዮጵያ እዩ ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍ እዩ” ዝብል ዮናስ፡ ብዙሓት ንጣፍ ብመልክዕ እንጀራ ጥራይ'ኳ እንተፈለጥዎ ካብ ጣፍ ግን ብዙሕ ነገራት ክስራሕ ከም ዝኽእል ይገልጽ።

ላቭ ግራስ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ካብ ሓርጭ ጣፍ ብተወሳኺ፡ ፓስታ ጣፍ፡ ንቑርሲ ዝቐርብ ናይ ጣፍ ኮርንፍሌክስ፡ ግራኖል፡ በጽቢፅካ ዝስተ ሓይሊ ዝህብ ሼክ፡ ፓን ኬክን ዝርከብዎም ካልኦት ዝተፈላለዩ ፍርያት ኣብ ኢትዮጵያ እናፍረየ ናብ ዕዳጋ ወጻኢ ኣብ ምቕራብ ይርከብ።

"ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ መግቢ ዓለም ጽቡቕ ስም የብላን። ብጸገምን ብጥሜትን እያ ትፍለጥ። ነዚ ክንቅይሮ ኢና ተበጊስና ዘለና" ዝብል ዮናስ፡ ጣፍ ኣብዚ እዋን ብደረጃ ዓለም ኣፍልጦ እናረኸበ ዝኸይድ ዘሎ ፍርያት ሕርሻ ስለዝዀነ ስሙ ምስ ኢትዮጵያ ክተሓሓዝ ከምዝግባእ ይገልፅ።

“እቲ ምልክት ንግዲ ዓቢይ ክብሪ ክወሃቦ ይግባእ። ኣብዚ እዋን ብዙሓት ሃገራት ኣፍረይቲ ጣፍ ኰይነን ኣለዋ። ስለዝዀነ ኢትዮጵያ ምስ ጣፍ ንዘለዋ ርክብ ብቕልጡፍ ከነሐይሎ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ልክዕ ከም ቡን 'ቡን እኮ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ ተረኺቡ' ካብ ምባል ሓሊፍና ብዙሕ ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን ኢና" ይብል።

“ኣብ ኢትዮጵያ ብምፍራይ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ምውድዳር ቀሊል ከምዘይከውን ንግንዘብ ኢና” ብምባል፡ ጣፍ ንብዙሓት ሰባት ንጥዕናኦም ዘይሰማምዖም ‘ግሉተን’ ዝበሃል ባእታ ዘይብሉ ብምዃኑን ዝለዓለ ፋይበር ስለዘለዎን ብብዙሓት ሰባት ተደላዪ መግቢ ምዃኑ ይሕብር።

ብተወሳኺ ጥንታዊነቱን ቍጽሪ ፍርያት እንስሳታት ዘይምገቡ ሰባት ኣብ መላእ ዓለም እናወሰኸ ብምምጽኡን ጣፍ ዝያዳ ተመራጺ ዝዀነሉ ዕድል ኣብ ምዕባይ ይርከብ።

ስለዚ ነዚ ዕድል ብምጥቃም ናብ ዕዳጋ ዓለም ክኣቱ ይጽዓር ኣሎ።

ፍርያት ላቭ ግራስ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ ኣብ ከም ‘ሳልትሪጅ’ን ‘ፕላኔት ኦርጋኒክ’ን ዝበሉ ዓበይቲ መደበራት ዓባይ ብሪጣንያ ይርከብ።

“ኣብ መሬት ሕርሻ ሱሉልታ ኣፍሪና ናብ ሰልፍሪጅስ ብምእታውና ዓብይ ሓበን እዩ ዝስመዓኒ። እዚ ድማ 'ተወዳደርቲ ክንኸውን ንኽእል ኢና' ዝብል ሓሳብና ቅኑዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ" ዝብል ዮናስ ዘፍርዮም ፍርያት ጣፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ካልኦትን 11 ሽልማታት ከምዝተዓወተ ይገልጽ።

ንቐጻሊ ፍርያቶም ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ናይ ምቕራብ መደብ ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጽረት ንግዲ ንምንካይ ንኻልኦት ሰብ ሃብቲ ከተባብዕ ከምዘለዉ ለበዋ የቕርብ።

ፍርያት ኢትዮጵያ ክብሪ ተወሲኽዎም ናብ ዕዳጋ ንኽቐርቡ ክተባባዕ ከምዘለዎ ድማ ኣስሚሩሉ።