ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረሎም ፍርያት እንታይ ረብሓ ኣሎዎም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተዳቐላ ኣላሕም፡ ጸባ ሰብ ከፍርያ ከም ዝኸኣላ ዝገልጽ ዘገርም ዜና ወጺኡ ነይሩ።
ብዩኒቨርሲቲ ሕርሻ ቻይና ዝምራሕ ጕጅለ፡ ኣብ 300 ኣላሕም፡ ጂን [ዘርኢ] ሰብ ብምሕዋስ ጸባ ኣደ ብዓወት ኣፍሪዩ።
ጸባ ኣደ፡ ንናይ ህጻናት ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ንምዕባይን ንሓደጋ ረኽሲ ንምንካይን ዝሕግዙ ኣገደስቲ ንጥረ ነገራት ስለዘለዎ፡ እዚ ኣብ ጸባ ላሕሚ [ላም] ንኽርከብ ዝዓለመ እዩ።
እዚ ዘገርም ዜና እኳ እንተመሰለ፡ ምስቲ ኣብ መንጐ መግቢ ደቂ ሰባትን ሳይንሳዊ ሕትመታትን ዘሎ ምትእስሳር ዘርኢ ጂኤምኦ (ጀነቲካዊ ምምሕያሽ) ብዝተኣሳሰር ብዙሕ ክትዓት ይለዓል እዩ።
ንዓሰርተታት ዓመታት፡ ተሓለቕቲ ኣከባቢ፡ ኩባንያታት፡ ሓንጸጽቲ ፖሊሲ፡ ማሕበራት ሓለዋ ተጠቀምቲ፡ ከምኡ’ውን ትካላት ንግዲ ዓለም ምጕት ቀጺሎም እዮም።
ስለዚ፡ GMO (genetically modified organism) እንታይ ማለት እዩ?
‘ጂኤምኦ’ ማለት ዝዀነ ይዅን ጀነቲካዊ ንብረቱ (ዲኤንኤ) ጀነቲካዊ ምህንድስና ተጠቒሙ ዝተቐየረ ፍጡር ማለት እዩ።
እዚ ድማ ኣትክልቲ፡ እንስሳታት (እንተላይ ሰብ) ወይ ባክተርያ የጠቓልል።
ይዅን እምበር ምስቲ ትርጕም ብዝተኣሳሰር'፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝርከቡ ወገናት ዝህብዎ መብርሂታት፡ እቲ ተግባር ክሳብ ክንደይ ከምዝተሓላለኸ ዘመልክት እዩ።
ደቂ ሰብ ኣብ ተፈጥሮ ጣልቃ ዝኣትዉሉ ድዩ? ናይ ወጻኢ ዲኤንኤ ብምውህሃድ ድዮም ዝፍጠሩ? እቶም ብዘርኢ [ጂን] ዝተዓረዩ መግብታት ዝበሃሉኸ?
ሳይንስ እንታይ'ዩ ዘምጽእ ዘሎ?
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር፡ ተመራማሪን ክኢላ ሳይንስን ቴክኖሎጅን መግብን ዶክተር ታደሰ ፍቕረ፡ "ጂኤምኦ ብጀነቲካዊ መንገዲ ኣብ እንስሳታት ወይ ኣትክልቲ ዝግበሩ ለውጥታት እዮም" ይብል።
ንሱ፡ እቲ ለውጢ ተደላዪ ባህርያት ንምዕባይን ዘይተደልየ ባህርያት ንምንካይን ከም ዝጠቅም ይገልጽ።
"ምናልባት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ እቲ ዝበለጸ ፍሉይ ርኽበት ወይ ሳይንስ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል።
ኣብ ሳይንስ፡ ‘ጂን ኤዲቲን’ን ‘ጂን ሞዲፊኬሽን’ን ዝበሃሉ መስርሓት ቴክኖሎጂ ኣለዉ።
ጂን ኤዲቲን [ምዕራይ] ማለት ሓደ ክፋል ናይ ሓደ ዘርኢ [ዓሌት] ብምእላይ ዝድለ ዕላማ ንምዕዋት ዝግበር መስርሕ እዩ።
ብኣንጻሩ ጂን ሞዲፊኬሽን [ምምሕያሽ] ካብ ካልእ ዓይነት ፍሉይ ዘርኢ ብምውሳኽ ነቲ ዝድለ ሸቶ ክበጽሕ ዝኽእል ቴክኖሎጂ እዩ።
እዚ ሓድሽ ሳይንስ ኣይኰነን ዝብሉ ሰባት ኣለው።
ሰባት ብንእሽቶ ደረጃ ንኽገብርዎ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ይሕብሩ።
በዚ መንገዲ፡ ዕፉን ብምምሕያሽ፡ ሕጂ ‘ስዊትኮርን’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ቆሎ ክረኽቡ ከምዝኸኣሉ ይዛረብ።
እቲ ሕጂ ዘሎ ጀነቲካዊ ምህንድስና ግን፡ ነቲ ጂን ብቐጥታ ብምቕያር፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ መስርሕ ምርባሕ ከም ዘወገደ ይገልጽ።
እከለ ዝተባህለ ምርምር ሕርሻ ብምድቓል፡ እገለ ዝበሃል ዝበለጸ ዘርኢ ከም ዝረኸበ ሰሚዕና ኣለና።
ናይ ገሊኦም ሓሳብ ምስኡ ዝተኣሳሰር እዩ። እዚ ድማ፡ እቶም ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ህይወታውያን ካብቶም ኣብ ትካላት ምርምር ሕርሻ ብምድቓል ዝረኽብዎም ዝበለጹ ኣዝርእቲ ብዙሕ ፍልልይ ስለዘይብሎም እዩ።

ብዝሒ ህዝብን ሕጽረት መግብን
ብዝሒ ህዝቢ ዓለም እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ 8 ቢልዮን በጺሑ።
"ነዚ ህዝቢ ክንምግቦ እንተኽኢልና ዓቢ ነገር'ዩ" ይብል ዶክተር ታደሰ። እዚ ግን ብድሆ ምዃኑ ይሕብር።
“ኣነ ዝሰርሖ ጂኤምኦ [ዘርኢ ምምሕያሽ] ብምጥቃም ምህርቲ መግቢ ምውሳኽ ግዴታና'ዩ።"
ደገፍቲ ጂኤምኦ፡ እዚ ሳይንስ እዚ ዝለዓለ ምህርቲ ከምጽእ፡ ሕማም ወይ ድርቂ ዝጻወር ባህርያት ከማዕብልን ካልእን ከም ዝኽእል ይምጕቱ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባትን ከባብን ክበጽሕ ዝኽእል ጉድኣት፡ ኣብ ባህላዊ ኣሰራርሓ ሕርሻ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋ፡ ከምኡ'ውን ዓብላልነት ኩባንያታትን "ዘይተፈጥሮኣዊ" ባህሪ ቴክኖሎጅን ስክፍታታት ኣሎ።
ሕጂ’ውን ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ መግብታት ጐዳእቲ ምዃኖም ዘካትዕ ዘሎ እዩ።
መንሽሮ ሓዊሱ፡ ካልኦት ጸገማት ከም ዘስዕብ ብዙሓት ጸብጻባት እኳ እንተሃለዉ፡ ብመንጽር ጥዕና ግን ብሳይንስ ዝተረጋገጸ ጸብጻብ ከምዘይኮነ ዶክተር ታደሰ ይዛረብ።
“ብዛዕባ ጥዕና ብሳይንስ ዝተረጋገጸን ዝተጸብጸበን ነገር የለን። መንሽሮ ከም ዘስዕቡ፡ ካልእ ጸገማት ከም ዘለዎምን ተፈጥሮኣዊ ዓሌት ከም ዝቕይሩን ይንገር። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብተጠቀምቲ፡ ተሓለቕቲ ወይ ደለይቲ ፍትሒ ዝለዓሉ ሕቶታት ኣለዉ። ብሳይንስ ዝተረጋገጸ ጸገም ግን የለን።"
ብመሰረት እቲ ተመራማሪ፡ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ እንስሳታትን ኣትክልትን ካብ ካልኦት ንቡራት እንስሳታትን ኣትክልትን ዝተፈለየ ኣመጋግባ ወይ ኬሚካላዊ ውህደት የብሎምን።
ስለዚ ኣብ ሳይንስ ዝዀነ ይዅን ናይ ጥዕና ይዅን ተዛማዲ ጸገማት ዘስዕቡ ምዃኖም ከም ዘይእመን የረድእ።
“ኣብ ውሕስነት መግቢ እውን እሰርሕ እየ። በዚ መንገዲ እዚ፡ ጀነቲካዊ ምትዕርራይ ዝተገብረሎም መግብታት ኣብ ጥዕና ዘለዎም ጐዳኢን ጠቓምን መዳያት እየ ዝጥምት ዘለኹ። ሓደ ክኢላታት ዝሰማምዑሉ ነገር እንተሃልዩ፡ ጂኤምኦ ንመግቢ ወሳኒ ምዃኑ እዩ።”
ዶክተር ታደሰ ከም ዝብሎ፡ ዋላ ጽቡቕ ቴክኖሎጂ እንተዀነ ኣብ ከባቢ ከብውርድዎ ዝኽእሉ ጉድኣት ብጥንቃቐ ክሕሰቡ ከምዘለዎም ግን ይሰማማዕ።

ረብሓኡን ጉድኣቱን
ብደረጃ ኣትክልቲ፡ ጠለብ ኣብ ምዕባይን ዓለምለኻዊ ቀረብ መግብን ምህርቲ መግብን ኣብ ምምሕያሽን ልዑል ተራ ኣለዎም።
'ፕሮጀክት ጐልደን ራይስ' ናይዚ ጽቡቕ ኣብነት እዩ።
ተመራመርቲ መግቢ፡ ነቲ ስሩዕ ሩዝ ብቫይታሚን ኤ ኣበልጺጐምዎ። እዚ ሩዝ ብሰንኪ ሕጽረት ቫይታሚን ኤ ሞት ህጻናትን ዓይነ ስውርነትን ኣብ ዝበዝሐሉ ከባቢታት ከልምዕዎ ጀሚሮም።
ሓደ ኩባያ ‘ጎልደን ሩዝ’ ፍርቂ ናይቲ ሓደ ሰብ መዓልታዊ ዝወስዶ ቫይታሚን ኤ ይህብ።
ኣገዳስነት ሩዝ ጐሊሑ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ግን ዕንቅፋታት ኣጋጢምዎ እዩ።
ኣብ ፊሊፒንስ፡ ሰልፈኛታት ካብ ሰልፊ ናብ ምጥፋእ ነቲ ከም ፈተነ ዝተተኽለ ሩዝ ኣምሪሖም።
በዚ ቴክኖሎጂ ሕርሻ ብብዝሒ ፍርያት ምፍራይ እውን ይከኣል እዩ። ድርቂ ዝጻወሩ ኣእካል እውን ከምኡ።
እዚ ምምሕያሻት፡ ማለት ብጥሜትን ድርቅን ንዝጥቅዑ ከባቢታት ኣገደስቲ ክዀኑ እዮም።
ሓደጋ የብሎምን ማለት ግን ኣይኮነን።
“እቲ ቀዳማይ ጐሊሑ ዝርአ ኣብ ከባቢ ዘለዎም ጽልዋ እዩ። ምስ ብዙሓት ክኢላታትን ተመራመርትን ናይቲ ዓውዲ እውን ይሰማማዕ እየ። እዚኦም ብፍላይ ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ትራንስጀኒክ እንስሳታት ወይ ዘይተዛመዱ ኣትክልቲ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጂን ካብ ታህዋስያን መጺኡ ናብቲ እንስሳ ወይ ተኽሊ ምስ ዝኣቱ እቲ ጂን ናብ ዘርኦም ከም ዝሰጋገር ይጥርጠር።
"እዚ ኣብ ቀጻሊ ዘስዕቦ ፀገም ኣይፍለጥን። ጂናት ኵሉ ግዜ ኣብ ፍልቀት ወይ ቀስ ዝበለ ለውጢ ይርከቡ። እዚ ንኣከባቢ ክጐድእ ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ኣሎ። እዚ ንሳይንቲስት እውን የተሓሳስቦም'ዩ።
ብመንጽር ጥዕና ድማ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዘስዕብ ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ እቲ ተመራማሪ ኣስሚሩሉ።
ካልእ ዘተሓሳስብ ድማ ዛዕባ ጻህያይ እዩ።
ገለ ካብቶም በዚ ኣገባብ ዝቐርቡ ፍርያት ብሰንኪ ተቓላዕነቶም ዝለዓለ ጸረ-ጻህያይ የድልዮም።
ካልኦት ዓይነታት ድማ ባዕሎም ጻህያይ ዘጥፍኡ እዮም።
እዚ ድማ እቲ ‘ጠቓሚ’ ጻህያይ ኣብ ቀረባ እዋን ክጠፍኣሉ ዝኽእል ሓደጋ የልዕል።
“በዚ መንጽር ኣየናይ ወገን ይሓይሽ?” እንተተባሂሉ ግን ጥቕሞም ክምዘን እዩ።
እቲ ንእሽቶ ዝለዓል ድኽመት ናይዚ ዓውዲ፡ ሕቶ ዋንነት እዩ።
ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ህይወታውያን ብዓበይቲ ኮርፖሬሽናት ዝውነኑ እዮም።
ኣብቲ ዘሎ ዘራእቲ፡ ሓረስቶት ነቲ ንዝቕጽል ዓመት ዝትከል ዘርኢ ካብቲ ናይዚ ዓመት ቀውዒ ይዕቅብዎ።
እዚ ግን ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ህይወታውያን ብኩባንያታት ዝውነኑ እንተዀይኖም ኣይክኸውንን እዩ።
ዓመት ዓመት ነቲ ዘርኢ ካብተን ኩባንያታት ክትገዝኦ ከገድዱኻ ይኽእሉ እዮም።
እንተዘይኰይኑ እቶም ኣፍረይቲ ከቢድ መቕጻዕቲ የጋጥሞም።
ቢቢሲ፡ እሞ እቲ ኣወንታዊ ወገን ትቕበሎ? - ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ዶክተር ታደሰ፡ ከምዚ ይብል።
"እወ። ምኽንያቱ ክድሕን ስለ ዝኽእል። ንኣብነት ኣብ 2050 ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 9.3 ቢልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ዓለምለኻዊ ትካል ምርምር መግቢ ከምዘመልክቶ፡ ዓለም ኣብዚ እዋን’ዚ ብ70 ሚእታዊት ዝያዳ ቀረብ መግቢ የድልያ። ነዚ ንምዕዋት እንተተኻኢሉ ዝዀነ ይዅን ቴክኖሎጂ ብዘይ ኣፈላላይ ክንጥቀመሉ ይግባእ ይመስለኒ።
ወሲኹ ድማ፡ "ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት እንተዘየተኣታቲና፡ ነዚ ህዝቢ ምምጋብ ኣይከኣልን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ስለዚ ጂኤምኦ ብዝተኻእለ መጠን ኣየነይቲ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብዘየገድስ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ይግባእ። ምኽንያቱ ኣገዳስነቱ ርኡይ እዩ፡" ኢሉ።

ምቁጽጻርን ሕጋውነትን
ነዚ ፍርያት ኣብ ምጥቃም ኣውሮጳ ከም ኣብነት ዝጠቅስ እቲ ክኢላ፡ ኣማራጺታት ከም ዘለዎም፡ ብዝሒ ህዝቦም ድማ ውሑድ ብምዃኑ፡ ብዛዕባ ጸገም ሕጽረት መግቢ ከም ዘየሻቐሎም ይጠቅስ።
“ግን ናይ መግቢ ጸገም ኣሎና። ናይ ግንዛበ ጸገም እውን ኣሎ። ስለዚ ሰፊሕ ርድኢት ዘለዎ ፈጠራዊ ምንቅስቓስ ክህሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ነዚ ግን ጠለብ መግብን ውሕስነት መግብን ሕብረተሰብ ብዝሕሉ መገዲ መምርሕን ንጹር ፖሊሲን ከምዘድሊ ወሲኹ ገሊጹ።
ብሰንኪ ሓደጋ ጥዕና ንዓሰርተታት ዓመታት ኣጊዳቶ ዝጸንሐት ኬንያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየሩ ኣእካልን ቀለብ እንስሳን ምጥቃምን ካብ ወጻኢ ንምእታውን ፈቒዳ ኣላ።
“መንግስቲ ኬንያ ምፍቃዱ ቅኑዕ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ተወፋይነትን ሓላፍነትን ዘለዎ መንግስቲ፡ ቴክኖሎጂ ዝህቦ ጸጋታትን ሜላታትን ተጠቒሙ ንህዝቡ ንምምጋብ ክገብሮ ዘለዎ እዩ።"
ዶክተር ታደሰ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይዅን ክኢላታት እቲ ዓውዲ ካብዚ ትምህርቲ ክወስዱ ከምዘለዎም ብምሕባር፡ ሕብረተሰብ ካብ እሙናት ሚድያን ኣካላት መንግስትን ሓበሬታ ረኺቡ ነቲ ቴክኖሎጂ ክጥቀመሉን ክመዓራርዮን ከምዘድሊ ይምዕዱ።
ብፍላይ ከም ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ብጀነቲካዊ ኣገባብ ዝተቐየረ ኣእካልን ቀለብ እንስሳን ምጥቃም ስለ ዝፈቕዳ፡ ምቍጽጻር ዶባት ክህሉ ይግባእ።
እዚ ዝበለ ድማ እቲ መስርሕ ኣብ ከባቢና ዘስዕቦ ጉድኣት ስለ ዝህሉ እዩ።
"ቁጽጽር እንተዘይሃልዩ ጽቡቕ ኣይክኸውንን'ዩ፤ ምቁጽጻር ኣድላይ ኰይኑ ግን፡ ብሕጋውን ብመጽናዕታውን መገዲ ክፍቀድ ኣለዎ። ድሕነት መግቢ ኣዘራራቢ ኣብ ዝዀነሉ ዓለም፡ ቴክኖሎጂ ናይ ምምራጽ ዕድል የብልናን።"
እቶም ብጀነቲካዊ መገዲ ዝተቐየሩ ድንሽ፡ ሶያን ዕፉንን ንምፍታን ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ዝገልጽ እቲ ተመራመሪ፡ እዚ ጻዕሪ "ክተባባዕ ከምዘለዎ" ይመክር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







