ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበሮ ልቢ ሓሰማ ዝተገጠመሉ ፈላማይ ሰብኣይ ሞይቱ
![ክኢላ መጥባሕቲ ባርትለይ [ጸጋማይ] ምስ ዴቪድ ቤኔት ቅድሚ መጥባሕቲ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/10CB0/production/_122648786_4f61f140-dec7-45bb-9f49-26492c2062b8.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, University of Maryland School of Medicine
እቲ ኣብ ዓለምና ንመጀመርታ ግዘ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ናይ ሓሰማ ልቢ ዝተገጠመሉ ሰብኣይ ህይወቱ ሓሊፋ።
ሕማም ድኻም ልቢ ዝነበሮ ወዲ 57 ኣሜሪካዊ ዴቪድ ቤኔት ዝተመሓየሸ ልቢ ሓሰማ ብመጥባሕቲ ምስ ተገጠመሉ ንክልተ ኣዋርሕ'ዩ ብህይወት ምፅናሕ ክኢሉ።
ሓኻይም ነቲ ጀኒቲካዊ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ናይ ሓሰማ ልቢ ንምትካል፡ ሸውዓተ ሰዓታት ዝወሰደሎም እንትኾን፡ ሻቡ ቤኔት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ገሊፆም ነይሮም።
እንተዀነ፡ ኩነታቱ ጥዕንኡ ንብዙሓት መዓልታት እናገደደ ብምኻዱ፡ ዴቪድ ቤኔት፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሸሞንተ መጋቢት ከምዝሞተ፡ ኣብ ከተማ ባሊትሞር ዝርከቡ ሓኻይሙ ገሊፆም።
ቤኔት እቲ ጀነቲካዊ ናይ ሓሰማ ልቢ ከይተገጠመሉ፡ "ኣብ ፀላም ኮንካ ብግምት ከምምትኳስ'ዩ ግን ካልእ ኣማራፂ የለን" ብምባል፡ ምስቲ መጥባሕቲ ብዝዛመድ ክህልዉ ንዝኽእሉ ሓደጋታት ኣሚኑ'ዩ ኣትይዎ።
ዴቬድ ካብዚ መጥባሕቲ ወፃኢ ዝህልዎ ኣማራፂ ሞት ጥራሕ ስለዝነበረ ድማ፡ ነዚ መጥባሕቲ ዘካየዱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሜሪላንድ ዝርከቡ ዶኳትር፡ ካብ ክፍሊ ሕክምናዊ ምቁፅፃር ኣሜሪካ ነቲ መጥባሕቲ ከካይዱ ፍቓድ ተዋሂቦም።
ዴቪድ ቤኔት፡ ቅድሚ እቲ መጥባሕቲ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዓራት ዝደቀሰ እንትኾን፡ ብማሽን እናተሓገዘ'ዩ ብህይወት ፀኒሑ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ሸውዓተ ጥሪ ድማ ብሰብሞያ ምምሕያሽ ዝተገበረሉ ናይ ሓሰማ ልቢ ተገጢምሉ።
ብድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት፡ ምስ ስድርኡ ግዘ ከምዘሕለፈን ናብ ገዝኡ ከይዱ ላኪ ንትበሃል ከልቡ ክረኽባ ድሌቱ ምዃኑን ከምዝተዛረበ ሓኻይሙ ሓቢሮም።
እንተዀነ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ምስ ከፍአ፤ ተስፋ ዝገበሩ ዶኳትሩ'ውን ኣብ ስምባደ ጠሓሉ።
ነዚ መጥባሕቲ ዘካየደ ዶክተር ባርትሊ ግሪፍዝ፡ "ተባዕን ዘደንቕን ተሓካሚ ምዃኑ ዘረጋገፀን ክሳብ መወዳእታ ዝተቓለሰን'ዩ" ክብል ንዴቪድ ቤኔት ገሊፅዎ።
ወዱ ዴቬድ ጄኣር ግና፡ "እቲ ዝተገጠመሉ ልቢ ምጅማር ተስፋ እምበር መወዳእታ ክኾን ከምዘይሓሰበ" ማዕኸን ዜና ኣሶሼትድ ፕሬስ ፀብፂቡ።
"ናብ ታሪኻዊ ገድሊ ብዝወሰዱና ሕድሕድ ናይ ምህዞ ህሞት፣ ዘደንቑ ባህግታትን ድቃስ ኣልቦ ለይትታትን ሕጉሳት ኢና" ኢሉ።
ዶክተር ግሪፍዝ ቅድም ክብል "እቲ መጥባሕቲ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሕፅረት ኣካላት ወዲ ሰብ ንምፍታሕ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ዝወስድ ውፅኢት'ዩ" ክብል ገሊፅዎ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኣሜሪካ መዓልታዊ 17 ሰባት ልቢ ንክቕየረሎም ኣብ ምፅባይ እንከለዉ ይሞቱ፤ ብሓፈሻ ኣብ'ታ ሃገር ልዕሊ100 ሽሕ ሰባት ልቦም ንኽትቅየረሎም ኣብ ትፅቢት ይርከቡ።
ኣካላት ናይ እንስሳ ኣመሓይሽካ በቲ 'ዜኖትራንስፓላንቴሽን' ዝብሃል ኣገባብ ኣብ ሰብ ከምዝገጥም ናይ ምግባር ሓሳብ ንነዊሕ ክፀዓረሉ ከምዝፀንሐ'ዩ ዝግለፅ።
ኣቐዲሙ፡ ካብ ልቢ ሓሰማ ዝተወሰደ ሻምብቖታት ደም ኣብ ሰብ ክትከል ፀኒሑ እዩ።
ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከቡ ሓካይም ናይ ሓሰማ ኵሊት ኣብ ሰብ ብምትካል ምስግጋር ኣካላት ከምዘካየዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ናይ ሓሰማ ኵሊት ዝተተኸለሉ ውልቀ ሰብ ሓንጎሉ ምስራሕ ስለዘቋረፀ ግና፡ እቲ መጥባሕቲ ኣይሰመረን ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







