"ተባዕታይ" ጐሪላ ብምውላዱ ንብዙሓት ኣገሪሙ

ሳሊ ምስ ውላዳ

ምንጪ ስእሊ, COLUMBUS ZOO / TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ሳሊ ምስ ውላዳ

ኣብ ኦሃዮ ኣሜሪካ ኣብ ሓደ መካነ እንስሳ ንዓመታት ‘ተባዕታይ እዩ’ ክበሃለላ ዝጸንሐ ጐሪላ ብምውላዳ ንብዙሓት ከምዘገረመት ተገሊጹ።

መካነ እንስሳ ከተማ ኮሎምበስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ካብ 2019 ጀሚራ ኣብቲ ስፍራ ዝጸንሐት፡ ሳሊ ዝተባሃለት ጐሪላ፡ ብሓሙስ ምስ ውላዳ ተረኺባ።

ሓለውቲ እቲ መካነ እንስሳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ፡ እታ ውላድ ጐሪላ ደሓን ከምዘላን ሳሊ ብጽቡቕ ትከናኸና ምህላዋን ገሊጾም።

ሳሊ ጥዕናኣ ወትሩ ምሉእ ምንባሩ ዝገለጹ እቶም ሓለውቲ ኣብ ዝኾነ እዋን ሕክምናዊ ክትትል ስለዘይተገበረላ እቲ ምድንጋር ከምዝተፈጠረ ሓቢሮም።

እቲ ሕርሲ “ትጽቢት ዝተገበረሉ እኳ እንተዘይነበረ፡ ነቲ ጉጅለ ምክንኻን እንስሳታት ዘተባብዕን ነቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌት እንስሳ ኣገዳስን እዩ” ኢሎም።

እቶም ሓለውቲ እቲ መካነ እንስሳ፡ እታ “ተባዕታይ” ጐሪላ ንውላዳ እናኣጥበወት ክሳዕ ዝርእዩ ዝኾነ ዝጠርጠርዎ ነገር ኣይነበረን። “ንጾታ ንኣሽቱ ጐሪላ ምልላይ ኣጸጋሚ እዩ” ከኣ ኢሎም።

“ክሳዕ ሸሞንተ ዓመት ዝመልኦም፡ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ጐሪላ ተመሳሳሊ ግዝፊ እዩ ዘለዎም፤ ዝርአ ጾታዊ ኣካል ከኣ የብሎምን። እቶም ተባዕትዮ ክሳዕ 12 ዓመት ዝገብሩ እቲ ኣብ ዝባኖም ዝወጽእ ብሩር ሕብሪ ኣይርአን።

ጐሪላ ሰንኪ እቲ ገዚፍ ከብደን፡ ምልክትታት ጥንሲ ኣየርእያን። እቶም ውላድ ከኣ ካብ ዕሸል ደቂ ሰባት ኣዝዮም ዝነኣሱ እዮም።

መካነ እንስሳ ኮሎምበስ ኣብ 1956 ካብ ዓለም እቲ ፈላሚ ሕርሲ ናይ ጐሪላ ዝተርኣየሉ ኮይኑ ሕጂ መበል 34 ምውላድ ናይ ጐሪላ እዩ ተመዝጊቡ።

ንኣቦ እታ ውላድ ንምልላይ ናይ ዲኤንኤ መርመራ ክካየድ ምዃኑ እቲ መካነ እንስሳ ሓቢሩ ኣሎ።

ሳሊ 39 ዓመት ብዝዕድሚኡ ማክ ብዝበሃል ተባዕታይ ኣብ ዝምራሕ ጉጅለ ጐሪላታት እያ ትነብር። ኣብቲ ጉጅለ ካልኦት ክልተ ጐሪላታት ክርከቡ እንከለው ዕደሚኦም 10ን ሽዱሽተን ምዃኑ ይግለጽ።

እቲ መካነ እንስሳ ኣብ ጾታ እታ ሓዳስ ዝተወለደት ጐሪላ ምድንጋር ከምዘየለ’ውን ሓቢሩ።

“ኣንስተይቲ እያ፡ ነዚ ብኣካልን ናብ ሞያውያን ብዝተልኣኸ ስእልን ኣረጋጊጽናዮ ኣለና፡” ኢሉ።