ጸገም ምስማዕ ንዘለዋ ዋናኡ ብምሕጋዝ ሃገራዊ ሽልማት ዝተዓወተ ድሙ

ሃገራዊ ሽልማት ዝተዓወተ ድሙ ዘቢ ምስ ዋናኡ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ሃገራዊ ሽልማት ዝተዓወተ ድሙ ዘቢ ምስ ዋናኡ

ኣብ ከባቢ ገዛኡ ንዝስማዕ ድምጺታት ብጥንቃቐ ብምክትታል ምስማዕ ንዝተጸገመት ዋናኡ ዝሕግዝ ድሙ ሃገራዊ ሽልማት ተዓዊቱ።

እቲ ዜቢ ዝተባህለ ክልተ ዓመት ዝዕድመኡ ጸሊምን ጻዕዳን ድሙ፡ ብትካል ምክንኻን ደማሙ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሃገራዊ ብሉጽ ድሙ እዚ ዓመት ዝብል ማዕርግ ተዋሂቡ።

እቲ ድሙ ከም ጻውዒት ተሌፎንን ደወል ማዕጾን ዝኣመሰሉ ድምጽታት ምስ ዝስምዕ ነታ ጓል 66 ዓመት ዋናኡ ጀነቪቭ ሞስ ንምሕባር ይጥብጥባ።

ሚስ ሞስ፡ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ብዘይ ዘቢ ህይወት ክትሓስቦ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ዘቢ፡ ደማሙ ክሳዕ ክንደይ ንቝሓትን ሓለይትን ክዀኑ ከምዝኽእሉን ኣብ ህይወት ሰባት ክፈጥርዎ ዝኽእሉ እወታዊ ጽልዋን ንዓለም ብምርኣዩ ኣዝየ ሕብንቲ እየ፡” ኢላ።

ዝዀነ ፍሉይ ስልጠና ዘይረኸበ ዘቢ፡ ምስ ኣሽሓት ካልኦት እንስሳ ዘቤት ተወዳዲሩ እዩ ተዓዋቲ ናይቲ ሃገራዊ ሽልማት ደማሙ ኰይኑ።

እቲ ኣብ ድሕነት ደማሙ ብዝነጥፍ ትካል ግብረሰናይ ዝተወደበ ውድድር ብሰኑይ ኣብ ለንደን እዩ ተኻይዱ።

ዘቢ፡ ምስ ኣርባዕተ ካልኦት ናብ ውድድር ፍጻመ ድሕሪ ምሕላፉ ካብ ህዝቢ ብዝተዋሃበ ድምጺ እዩ ዕውት ኮይኑ።

ኣብ እዋን ሽልማት ፍሉጥ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ነበር ዴቪድ ሲማ ከምኡ’ውን ሓኪም እንስሳን ኣቕራቢ መደብ ቴለቪዥንን ዶክተር ስኮት ሚለር ዝርከብዎም ህቡባት ሰባት ተረኺቦም ምንባሮም’ውን ተገሊጹ።

ዋናኡ ሞስ፡ “ብዘይ ሓገዝ መስምዒ ዝኾነ ነገር ክሰምዕ ኣይክእልን እየ፤ ሕጂ ግን ዘቤ ይሕግዘኒ ኣሎ፤ ተሌፎነይ ክትድወል እንከላ፡ ይመጽእ እሞ ይጥብጠበኒ፡ ሽዑ ነቲ መስምዒየይ መጉልሒ ድምጽን ብምግባር ነቲ ጻውዒት እቕበል።

“ለይቲ ፍሉይ ድምጺ ምስ ዝህሉ ኣብ ርእሰይ ተናኺፉ የተስኣኒ፡” ኢላ።

ዘቢ ፖስታ ተቐቢሉ ናብ መደቀሲ ሞስ የብጽሖ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ዘቢ ፖስታ ተቐቢሉ ንሞስ ናብ መደቀሲኣ የብጽሓላ

ብዘይካ’ዚ ዘቢ ፖስታ ብኣፉ ተቐቢሉ ከምዘምጽኣላን ሸበጣ ከምዘቐብላን ትዛረብ።

“ዘቢ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ፡ ከምኡ ዝኣመሰለ ድሙ ርእየ ኣይፈልጥን፡” ትብል ሚስ ሞስ።

“ምስቲ ዘለኒ ናይ ምስማዕ ጸገም፡ ብዘይ ዘቢ በይነይ ኣዝዩ ምጸመወኒ ነይሩ፡ ዘቢ ጅግና እዩ ንዓይ።”

እቲ ድሙ ዋንጫ፡ 200 ፓውንድን ካልእ ሽልማትን እዩ ተዓዊቱ።

ኣብ ትካል ምክንኻን ደማሙ ኣዋሃሃዲት ሃገራዊ ሽልማት ደማሙ ኣሽሊ ፍራየር፡ “ገና ነቲ ብዛዕባኡ ዝቐረበ ጽሑፍ ምስ ረኣና ኢና ዘቢ ፍሉይ ምዃኑ ዝተረዳእና።

“ንሱ፡ ብሉጽ ኣብነት ናይቲ ደማሙ ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ሓጐስን ምቾትን እዩ፡” ኢላ።