ኣብ ፍወሳ ህጻናት ዝሕግዝ ከልቢ

ምንጪ ስእሊ, NORTHAMPTONSHIRE HEALTHCARE NHS FOUNDATION TRUST
እዚ ከልቢ ሲፎ ይበሃል፤ ስርሑ ጸገም ኣመጋግባ ዘለዎም ህጻናት ምሕጋዝ እዩ።
ሲፎ ናይ ሕክምና ከልቢ እዩ፤ ህጻናት ክስሕቑን ርግኣት ክስምዖምን ከም ዝሕግዝ ኣሰልጣኒቱ ትገልጽ።
ሲፎ ወዲ 10 ወርሒ ላብራዱድል ዝዓይነቱ ከልቢ ኰይኑ ምስ ዋናኡ ናብ ዳስተን፡ ኖርዝሃምፕተን እትርከብ ዘ ብራምብልስ ይኸይድ።
ወናኒት ሲፎ ብሮንዋይን ስቶት ትበሃል። ንሳ ኣብ ዘ ብራምብልስ እትሰርሕ ነርስ ህጻናት እያ።
"ብባህርያዊ መንገዲ መን ጭንቀት ወይ ተቓላዕነት ይስምዖ ከምዘሎ ዝፈልጥ ይመስል፡ መንኵቡ ኣብ እግሮም ኣንቢሩ ኮፍ ይብል" ትብል እታ ኣብ ሃምፕተንሻየር ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና እትሰርሕ ስቶት።
ሲፎ፡ ንሕሙማት ኣብቲ መእተዊ ክቕበሎም እንከሎ "ብኡንብኡ ዝያዳ ምዝንጋዕ ይስምዖም" ብምባል ኣበርክቶ እቲ ከልቢ ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, NORTHAMPTONSHIRE HEALTHCARE NHS FOUNDATION TRUST
እቶም ህጻናትን መንእሰያትን ኣብቲ ጀርዲን ሒዞምዎ ክኸዱ ደስ ይብሎም፤ እዚ ድማ ስምዒት ንኽገልጹ ዝያዳ ድሉዋት ከም ዝገብሮም እቲ ትካል ይሕብር።
"ክስሕቍን ክዕልሉን ይገብሮም። ኮፍ ኢሎም ይደርዝዎ፡ እዚ ድማ ነቶም ቈልዑ፡ ከምኡ'ውን ንወለዶም ርግኣት ክስምዖም ዝገብር’ዩ" ክትብል ስቶት ትገልጽ።
ሰራሕተኛታት’ውን ኣብ ዕረፍቶም ሒዞምዎ ይንቀሳቐሱ፡ ንናይ ገዛእ ርእሶም ሂወት ክመሓየሽ ይገብሩ።
ጓላ ናይ ኣመጋግባ ጸገም ዘለዋ ሓንቲ ወላዲት፡ "ሓሳባን ርእይቶኣን ንኽስማዕ ዘረጋግጽ ዕድል እዩ ነይሩ" ኢላ።
"ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት መብዛሕትኡ ግዜ ጭንቀት እኳ ዝስምዓ እንተነበረት፡ ኣብዚ ግን ርግኣት ተሰሚዕዋ፤ እወታዊ ተመኵሮ ነይርዋ።"

ምንጪ ስእሊ, NORTHAMPTONSHIRE HEALTHCARE NHS FOUNDATION TRUST
ሲፎ፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ክሕግዝ ዝጀመረ ናይ መጀመርታ ከልቢ እዩ፤ ድሕሪ ካልእ ሸሞንተ ኣዋርሕ ድማ ምሉእ ስልጠና ክወሃቦ ተስፋ ተገይሩ ኣሎ።
ነርስ ስቶት፡ "ኣኽላባት ብዝዀነ ፈወስቲ እዮም፡ ኣብዚ ሲፎ ምህላዉ ዘምጽኦ ረብሓ ድማ ዘደንቕ'ዩ" ብምባል ስምዒታ ገሊጻ።
"እቶም ናይ ኣመጋግባ ጸገም ወይ ዝተሓላለኸ ጸገም ኣመጋግባ ዘለዎም ህጻናት፡ ካብቲ ዘለዉዎ በዳሂ ኵነታት ትዅረቶም ብምስራቕ፡ ቀጻሊ ናይ ሕውየት ስጉምትታት ንኽወስዱ ርእሰ ተኣማንነት ክስምዖም ይሕግዝ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







