ህጻናት ዝሳተፉሉ ውድድር ምቕታል ደማሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኒውዚላንድ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ህጻናት ውድድር ሃድን ድሙ፡ ብሰንኪ ነቐፌታ ተሰሪዙ።
ኣዳለውቲ ናይቲ ዓመታዊ ዝካየድ ሃድን፡ ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብቲ ውድድር ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ድሕሪ ድሕሪ ምእዋጆም እዮም ተነቒፎም።
እቶም መንእሰያት እንስሳ ዘቤት ከይቀትሉ ግና፡ ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ደማሙ በረኻ ብምቕታል 155 ዶላር ክሽለሙ ተነጊርዎም።
ጉጅለታት ድሕነት እንስሳታት ግና ነቲ ውድድር ብቅልጡፍ ኣውጊዞምዎ ኣለዉ።
ስለዝዀነ ድማ ብሰሉስ፡ ማሕበር ምክልኻል ጭካነ ኣብ እንስሳታት ኒውዚላንድ፡ እቲ "ኣብ ልዕሊ ደማሙ በረኻ ምትኳስ ዘጠቓለለ ውድድር ምድብ ህጻናት" ምስራዙ እፎይታ ከምዝፈጠረሉ ገሊጹ።
ሓደ ወኪል፡ ህጻናት ኣብ መንጎ "ድሙ በረኻን ዝፈርሐት ናይ ገዛ ድሙን" ዘሎ ፍልልይ ክፈልጡ ከም ዘይኽእሉ ከም ዝተሟጎተ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ደማሙ ገዛ ብዘይፍላጥ ግዳይ ክኾና ይኽእላ እየን ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ኔሩ።
ኣፈኛ ናይ ሓደ ንድሕነት እንስሳታት ዝጉስጉስ ትካል ግብረሰናይ ንማእከን ዜና 1ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ደቅና ንእንስሳታት ድንጋጽ ክህልዎም ኢና ክንምህሮም ዘለና እምበር ክቐትልዎም መሳርሒ ክንህቦም ኣይኮነን፡" ኢሉ።
እዚ መደብ ኣብ ደቡባዊት ደሴት ንዝርከብ ናይቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ገንዘብ ንምትእኽኻብ እዩ ተሰሪዑ ነይሩ።
ህጻናት ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት፡ ሓሰማታት በረኻ፡ ዓጋዜንን ማንቲለን ንምቕታል ኣብቲ ውድድር ይሳተፉ’ዮም።
ኣዳለውቲ ውድድር ሃድን ሰሜን ካንተርቤሪ፡ "ጽዩፍን ዘይግቡእን ኢመይላት" ከም ዝበጽሖም ብምግላጽ፡ ነቲ ናይ ድሙ ምቕታል ውድድር ከም ዝሰረዙዎ ኣፍሊጦም።
እቲ ጉጅለ፡ "ኣብ ሓለዋ መበቆላዊ ኣዕዋፍን ካልኦት ተቓላዕቲ ዓሌታት ንኽሳተፉ ተሃንጥዮም ንዝነበሩ ሰባት ይቕሬታ ንሓትት" ክብል ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ጽሒፉ።
እቲ ጽሑፍ ካብ ተጠቀምቲ ልዕሊ 100 ርእይቶታት ረኺቡ’ዩ፤ ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ነቲ ውድድር ተኸላኺሎም።
ሰባት እቲ ሃድን ብዝሒ እንስሳታት ንምቁጽጻር ጠቓሚ ምኾነ ክብሉ ሞጊቶም።
"ሰባት ደማሙ በረኻ ኣብቲ ከባቢ ዘስዕብዎ ጉድኣት እንተዝፈልጡ ኔሮም" ትብል ሓንቲ ወሃቢት ርእይቶ።
"ኣብ ሕርሻና'ውን ጽልዋ ኣለዎም። ደማሙ በረኻ ተሰከምቲ ሕማማት እዮም... ክሳብ ዝረኣናዮም ድማ ክንትኩሰሎም ኢና" ክትብል ዛዚማ።
ንብዝሒ ድሙ በረኻ ንምቁጽጻር ዝውሰዱ ስጉምትታት ኣብ ኒውዚላንድ ውዑይ ክትዕ ከም ዘስዓቡ ይፍለጥ። እቶም እንስሳታት ንመበቆላውያን ዓይነታት እንስሳታትን ንብዙሕነት ህይወት እታ ሃገርን ዓቢ ሓደጋ ኰይኖም ይርከቡ።
ኣብ ኒውዚላንድ ከባቢ 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ደማሙ ዘቤት ከምዘለውን ቁጽሪ ደማሙ በረኻ ካብዚ ብዕጽፊ ከምዝዓቢ ይግለጽ።
እቲ ዝዓበየ ጉጅለ ጉጅለ ዕቃበ ኒውዚላንድ ዝዀነ ሮያል ፎረስትን ሓለዋ ኣዕዋፍን፡ ደማሙ በረኻ ኣብ ዓመት ክሳብ 1.1 ሚልዮን መበቆላዊ ኣዕዋፍን ዓሰርተታት ሚልዮናት መበቆላዊ ዘይኰኑ ኣዕዋፍን ከም ዝቐትሉ ይግምት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







