ኣብ ዛዕባ ጾታዊ ርክብ ገለ እንስሳታት እንታይ ንፈልጥ?

ጾታዊ ርክብ እንስሳታት ዘገርም ዘብል ባህርያት ኣለዎ

ምንጪ ስእሊ, NATIONAL GEOGRAPHIC

መግለጺ ስእሊ, ጾታዊ ርክብ እንስሳታት ዘገርም ዘብል ባህርያት ኣለዎ

ኣቱም ሰባት፡ ጾታዊ ርክብ ዕብዳን እዩ።. . . ብሓቂ ‘ዋእ!’ ዘብል ባህርያት ኣለዎ።

ጾታዊ ርክብ ንገለ እንስሳታት ኣዝዩ ውጥረት ዝፈጥርን ብዙሕ ባህ ዘየብልን ተመኵሮ ክኸውን ይኽእል።

ኣብ ህይወት፡ መጻምድቲ ምርካብ ፈጺሙ ቀሊል ነገር ኣይኮነን፡ መጻምድቲ ወይ ኣፍቃሪ ድሕሪ ምርካብ ሞት ዘጋጥም እንተዀይኑ ድማ ዝያዳ ከቢድ እዩ ዝኸውን።

ብዛዕባ ሲሜልፓሪቲ እንታይ ትፈልጡ?

ሲሜልፓሪቲ ዝብል ቃል ብተመራማሪ ስነ-ህይወት ላሞንት ኮል ዝተቐየሰ ኰይኑ፡ ሲሜል (ሓንሳብ፡ ሓደ ግዜ) ከምኡ’ውን ፓሪዮ (ምውላድ) ካብ ዝብሉ ክልተ ላቲን ቃላት ዝመጸ እዩ።

ገለ እንስሳታት ብዙሕ ናይ ምፍራይ ዑደት ኣለዎም፤ ኣብ ዕድመኦም ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙን ክፈርዩን ይኽእሉ። እዚኦም ኢተሮፓሮስ ተባሂሎም ይፍለጡ።

ሲሜልፓሮስ ዝዀኑ እንስሳታት ግን ኣብ ዕድመኦም ሓደ ግዜ ጥራይ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ እዮም። ኣትክልቲ፡ ኵሎም ጥረታትን መብዛሕትኦም ኣሕምልቲ ገዛን ሲሜልፓሮስ እዮም።

እዚኦም ዓይነት እንስሳታት መጻምዲ ረኺቦም ጾታዊ ርክብ ምስ ዝፍጽሙ ህይወቶም ትሓልፍ።

ገሊኦም መትሎኦም (ኣብ እንስሳታት ኢንዶፋሉስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣካል) ወይ ፍረ-ነብሶም ይብተኽ፤ ካልኦቶም ናብ በላዕ-ዘርኡ ይቕየሩ።

ንሎሚ ምስ ገለ ካብዞም እንስሳታት ክነላልየኩም።

መትሎኡ ዝብተኽ

ሓደ ካብቶም ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ካብዛ ዓለም ዝሰናበቱ ተባዕታይ ንህቢ መዓር እዩ።

እቶም ምስታ ኣንስተይቲ ንህቢ (ወይ ንግስቲ ንህቢ) ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ዝኽእሉ ተባዕቶት ኣናህብ ኣጥቃይ ንህቢ (ድሮን) ተባሂሎም ይፍለጡ። ንሳቶም ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም’ዮም።

ተባዕታይ ንህቢ መዓር ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ብልዕቱ ይብተኽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተባዕታይ ንህቢ መዓር ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ብልዕቱ ይብተኽ

እቲ መብዛሕትኡ ግዜ እናነፈሩ ዝፍጽምዎ መስርሕ፡ ኣክሮባቲካዊ፡ ጽዑቕን ካብቲ ንጽበዮ ኣዝዩ ዝያዳ ኣቓልቦ ደቂ ተባዕትዮ ዝሓትትን እዩ።

ካብ መንጐ ኣሽሓት ኣናህብ ነታ ንግስቲ ከጥቅዑ ዝኽእሉ ብዙሓት ኣናህብ ኣብ ዙርያኣ ይነፍሩ።

እቲ ዕድለኛ ዝዀነ ንህቢ ቀዲሙ ኣብ ልዕሊ እታ ንግስቲ ይስቀል፡ እቲ ንህቢ ምእንቲ መትሎኡ ናብ ብልዕቲ እታ ንግስቲ ክእቱ፡ ከብዱ ይጠውዮ። ኣብ እዋን ጥርዘውነ ዕልቋቕ (ዘርኡ) ብፍጥነትን ብሓይልን ስለ ዘፍስስ ድምጹ ብደቂ ሰባት ከይተረፈ ክስማዕ ይኽእል።

እዚ ጫፍ ህይወት ተባዕታይ ንህቢ እዩ - ብድሕሪኡ ቕልጡፍ ቁልቁለት’ዩ ዘሎ። ብልዕቱ እንተላይ መዓንጣኡ ካብ ኣካላቱ ይብተኽ።

መትሎኡ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ንግስቲ ይተርፍ፡ ንሱ ድማ ናብ መሬት ይወድቕ።

ኣብኡ ወዲቑ መወዳእታኡ (ሞቱ) ይጽበ።

ዕላማኡ ምስ ንግስቲ ምርኻብ ጥራይ እዩ፤ ስለዚ ካብዚ ከቢድ ምቝራጽ ኣካላት እንተደሓነ እውን ዘይጠቅም ተባሂሉ ካብቲ ቆፎ ይስጐግ።

ዋላ'ኳ እቲ መስርሕ ስግንጢር እንተዀነ፡ ጫፍ መትሎኡ ኣብታ ንግስቲ ስለ ዝጸንሕ፡ መፈጠራዊ (ጀነቲካዊ) ትሕዝቶኡ ንኽመሓላለፍ የኽእል። ብተወሳኺ ካልእ ተባዕታይ ንህቢ ርክብ ንኸይፍጽም ይዓግት።

ጾታዊ ርክብ ካብ ርሕሚ ወጻኢ

ትዃናት ዓራት ኣብ ፍራሽን ውዑይ ከባቢ ዓራትን ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ይኽእሉ

ምንጪ ስእሊ, SPL

መግለጺ ስእሊ, ትዃን ዓራት ኣብ ፍርናሽን ውዑይ ከባቢ ዓራትን ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ይኽእሉ

መብዛሕትኡ ግዜ ትዃን ዓራት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ መላእ ዓለም ብቕልጡፍ ድሕሪ ምዝርጋሕ ሕጂ ኣብ ሆቴላት ከይተረፈ ይርከቡ።

ትዃን ዓራት ኣብ ፍርናሽን ውዑይ ከባቢ ዓራትን ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ይኽእሉ፤ ነታ ኣንስተይቲ ግን እቲ መስርሕ ፍጹም ምቹእ ኣይኰነን።

ትዃናት በሰላ ብዝፈጥር ምስላዅ እዮም ርክብ ዝፍጽሙ፤ እቲ ተባዕታይ ነታ ኣንስተይቲ ከብዳ ወጊኡ'ዩ ዘርኡ ዝኽዑ።

እዚ ድማ እቲ ዘርኢ ተባዕታይ ናብ ማህጸን ክቐርብ የኽእሎ። ይዅን እምበር ኣብታ ኣንስተይቲ ዘሎ ክፉት ቁስሊ ረኽሲ ክፈጥር ይኽእል።

ከዳኒቶ ዶ በላዒቶ?

ኣጋጢምኩም እንተዀይኑ ከዳኒቶታት ብዙሕ ግዜ እናተወዛወዙ ከም ዝንቀሳቐሱ ኣስተብሂልኩም ትዀኑ ኢኹም።

እዞም ፍጥረታት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘይተለምደ መገዲ ዝንቀሳቐሱሉ ወይ ዝስዕስዕሉ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ምንቅስቐስ ተፈጥሮ ንምምሳል፡ ኣንፈት ንምርካብ፡ ተሪር ንምዃን፡ ንምዝላል ንምድላው ወይ ድማ መጻምድቲ ንምሕብባል (ንምስሓብ) ክኸውን ይኽእል።

ከዳኒቶ ብሳዕስዒታ ትፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከዳኒቶ ብሳዕስዒታ ትፍለጥ

ብፍላይ እቲ መጻምድቲ ንምስሓብ ዝገበር ሳዕስዒት ጽቡቕ ዛንታ ኣለዎ።

ተባዕቶት እግሮም ዘርጊሖም ኣካላቶም ብጥበብ ከም ዝቐውም ክገብሩ እንከለዉ፡ ንገለ ዓይነት ምርኢት ልዑል ሳዕስዒት ዝዳለዉ ዘለዉ ይመስሉ።

እዚ ግን መሳጢ ብምዃን ነታ ኣንስተይቲ ንምስሓብ ዝግበር ጻዕሪ እዩ።

ነዚ ስዒቡ እንተተዓዊቱ፡ ኣቓልቦ ትህቦ፤ ክልቲኦም ብሓባር ይስዕስዑ። እቲ ዛንታ ጽቡቕ ናይ ፍቕሪ (ሮማንቲክ-ኮሜዲ) ፊልም’ዶ ይመስል? ከይትጋገዩ፡ ዘፍርሕ (ሆረር) ፊልም እዩ።

እቲ ተባዕታይ እንተዘይተጠንቂቝ ናይ መወዳእታ ሳዕስዒቱ ክኸውን ይኽእል።

ንሳ ብቝዕ'ዩ ኢላ እንተሓሲባ፡ ናብ ሕቘኣ ክድይብ ትፈቕደሉ’ሞ ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ።

እንተዀነ ርክብ ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ይዅን ድሕሪ ምውድኦም ኣብ ዘለዋ ሽዱሽተ ሰዓታት፡ እታ ኣንስተይቲ ርእሱ ትበልዖ።

ከዳኒቶ ሓንቲ ካብቶም ኣብ ጾታዊ ርክብ ናብ በላዕቲ-ዘርኦም (sexual cannibal) ዝቕየሩ እንስሳታት እያ።

ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ኣንስተይቲ ከዳኒቶ ንርእሲ መጻምድታ ከም እትበልዕ ብዙሕ መርትዖታትን ሰነዳትን ኣሎ፤ ስለምንታይ ዝብል ግን ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ዘካትዕ ሕቶ እዩ።

እዚ ተግባር ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ተባዕታይ ዝያዳ ንኽደፍእን ብቕልጡፍ ዘርኢ ንኽኽዑን ክድርኾ ከም ዝኽእል ኣስተብሂልና ዝብሉ ኣለዉ።

ሓደ መጽናዕቲ፡ እታ ከዳኒቶ፡ ንደቃ ምግቢ ንምምላእ ካብ ዘለዋ ድልየት ዝማዕበለ ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክት። ብመሰረት እቲ መጽናዕቲ፡ እታ ኣንስተይቲ፡ ድሕሪ ምማቱ እውን ከይተረፈ ከም መግቢ ደቍ ምምጋብ ከም ዝቕጽል ተረጋግጽ ኣላ።

ኣብ መንጐ ጸሎት ዝገብሩ ማንቲስ ዝፍጸም ጾታዊ በላዕቲ ሰብ ብጽቡቕ ተሰኒዱ እኳ እንተሎ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ግን ምኽንያታት ናይዚ ተኻቲዖም እዮም።

ኣብ ‘ፕሮሲዲንግስ ኦፍ ዘ ሮያል ሶሳይቲ ቢ’ ዝተሓትመ ካልእ መጽናዕቲ ድማ፡ ድሕሪ ጾታዊ ርክብ ንተባዕትዮ መጻምድተን ዝበልዓ ኣንስትዮ ከዳኒቶ ካብተን ዘይበልዓ ዝያዳ እንቋቝሖ ከም ዘፍርያ ይሕብር።

ብዝዀነ እዚ ምንቅስቐስ ከዳኒቶ ብልማድ ሳዕስዒት ሞት ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ዝንብዕቲ ቅንፍዝ

ኣንስተይቲ ቅንፍዝ ንጾታዊ ርክብ እትዳለወሉ መስርሕ ነዊሕን ከቢድን’ዩ።

መጀመርያ ኣብ ገረብ ደይባ ዓው ኢላ ትድሀ። እዚ ጻውዒት ንደቂ ተባዕትዮ ይስሕብ፤ ንሳቶም ምስ መጹ ነንሕድሕዶም ብጭካነ ይበኣሱ። ሓደ ተባዕታይ ክሳዕ ዝዕወት በሰላ፡ እዝኒ ምቝራጽን ካልእ መጕዳእትን ክፍጠር ይኽእል።

ተባዕታይ ቅንፍዝ ኣብ ልዕሊኣ ሽንቱ ይሸይን

ምንጪ ስእሊ, TIBOR JAEGER

መግለጺ ስእሊ, ተባዕታይ ቅንፍዝ ኣብ ልዕሊኣ ሽንቱ ይሸይን

ብድሕሪኡ እቲ ተዓዋቲ ተባዕታይ፡ ኣብ ታሕተዋይ ጨንፈር ገረብ ኮፍ ኢሉ ይሕልዋ። እዚ ድማ ንዝዀነ ካልኦት ተባዕትዮ ከይቀርብዋ ክዓግት የኽእሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ሽንቲ ይሸይን።

እዚ ተራ ሽንቲ ኣይኰነን፤ ናይቲ ተባዕታይ ፌሮሞን (እንስሳታት ዝፍንዎ ንባህርያት ወይ ስነ-ኣካላት ካልኦት ዓሌቱ ዝጸሉ ኬሚካላዊ ንጥረ ነገር) ዝሓዘ እዩ። ንሳ ነዚ ብምሽታት ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ትደሊ ድያ ኣይትደልን ንክትውስን የኽእላ።

እንድሕር ዘይተቐቢላቶ ብጭደራ፡ ነቲ ሽንቲ ብምርጋፍ ወይ ብምህዳም ስምዒታ ትገልጽ። ወይ’ውን ንሳ ባዕላ ተጻባኢት ኰይና፡ ክትነኽሶ ትኽእል እያ። ኣብዚ እቲ ተባዕታይ ውሳነኣ የኽብር እምበር ክዕምጻ ኣይክእልን። ኣይፋል እንተይሉ፡ በቲ መስተር ቅንፍዝ ዘለዎ ጭራኣ ክትጸፍዖ እያ።

ምስቲ ዝተዓወተ ርክብ ክትፍጽም ድሌት እንተሃልይዋ ድማ ካብቲ ገረብ ትወርድ እሞ፡ እቲ ናታ መስተር ቅንፍዝ ከይወግኦ ጭራኣ ንላዕሊ ገይራ መስተር ቅንፍዝ ዘይብሉ ኣካላ ተቕርበሉ። እቶም ዝተረፉ መስተር ቅንፍዝ እውን ኣብ ኣካላታ ጸፍጺፋ ብምቕማጥ እቲ ተባዕታይ ንሓጺር እዋን ብዘይ ሓደጋ ኣብ ልዕሊዓ ክወጽእ ተኽእሎ እያ።

ጻዕዳ-ዝግንባሩ ሕንጻይ (ፓሮት)

ተምላስ ምልክት ፍቕሪ እዩ

ምንጪ ስእሊ, SUMBA/WIKIMEDIA

መግለጺ ስእሊ, ተምላስ ምልክት ፍቕሪ እዩ

ጻዕዳ-ዝግንባሩ ሕንጻይ (ፓሮት) ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምፍጻሙ ናብ ኣፍ እታ ኣንስተይቲ የምልስ። እዚ ምልክት ፍቕሪ እምበር ካልእ ኣይኰነን።

እዚ ምልክት ኣብ ዓለም ደቂ ሰባት ዝዀነ ሽልማት ፍቕሪ ክትዕወተሉ ተኽእሎ የለን፡ ኣብ ኣዕዋፍ ግን መግቢኻ ናብ ኣፍ መጻምድቲ ምምላስ ናይ ፍቕሪ ሕልሚ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኣደታት ንጨቓዊተን ዝምግባ ብኸምዚ ኣገባብ ከም ዝዀነ ድማ ይፍለጥ።

ጾታዊ ጽግዕተኛ ዓሳ

ተባዕቶት ሲ-ዴቪል ኣንግለርፊሽ ጾታዊ ጽግዕተኛታት እዮም

ምንጪ ስእሊ, MBARI

መግለጺ ስእሊ, ተባዕቶት ሲ-ዴቪል ኣንግለርፊሽ ጾታዊ ጽግዕተኛታት እዮም

ተባዕታቶ ዓሚቝ ባሕሪ (ወይ ሲ-ዴቪል ኣንግለርፊሽ) ጾታዊ ጽግዕተኛታት እዮም።

ሃደንቲ ኣይኰኑን፡ ብህይወት ክጸንሑ ዝኽእሉ ድማ ምስታ ኣንስተይቲ ጾታዊ ርክብ ምስ ዝፍጽሙ ጥራይ እዩ።

ብተፈጥሮኣዊ ብሕታዊ እዮም፤ እቲ ውቅያኖስ ድማ ኣዝዩ ዓቢ ስለዝዀኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድንግል ኰይኖም ብጥሜት ይሞቱ።

ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻም ምስታ ኣንስተይቲ ተጣቢቖም ይነብሩ

ምንጪ ስእሊ, MBARI

መግለጺ ስእሊ, ጾታዊ ርክብ ድሕሪ ምፍጻም ምስታ ኣንስተይቲ ተጣቢቖም ይነብሩ

እቲ ተባዕታይ ኣብቲ ዓዘቕቲ ውቅያኖስ መጻምድቲ ምስ ረኸበ፡ ብቕልጡፍ ነታ ኣንስተይቲ ነኺሱ ምስ ኣካላታ ይሕወስ።

ቅንፍዙን ኣዒንቱን ገለ ውሽጣዊ ኣካላቱን ይመኽኽ እሞ ዝተረፈ ዕድመኡ ምስኣ ተጣቢቝ ይነብር፣ ቀረብ ደማን ናታ ብሉጽ ክእለት ሃድንን እናተጠቐመ ብህይወት ይቕጽል።

ኣብ መጀመርታ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ክሳብ ኣዝዮም ዝነኣሱ ተባዕትዮ ዓሳ ኣብ ኣካላት ኣንስትዮ ተጣቢቑ ዝረኽቡ፡ ስለምንታይ ብዙሓት ኣንስትዮ እዚ ዓሌት ዓሳታት ከም ዘለዋን ተባዕትዮ ከም ዘየለዉን ይገርሞም ነይሩ።