ቁጠዐን ናዕቢን ዘስዓበ ቅትለት ናይ ገዛ ከልቢ

ከልቢ ብጥይት ምቕታል ኣብ ናይጀርያ ልሙድ ኣይኮነን ትብል ጃኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ናይጀርያ ከተማ ሌጎስ ብጥይት ዝተፈጸመ ቅትለት ሮክሲ ዝተብሃለት ናይ ገዛ ከልቢ ቁጥዐ ኣስዒቡ።

ናይጀርያዊት ተጣባቒት መሰል ኣኽላባት ንቢቢሲ መደብ ኒውስደይ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ሮክሲ ዝተባህለት ናይ ገዛ ከልቢ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛ ዋናኣ ምቕታላ ስዒቡ "ዕግርግር" ከምዝተወለዐ ገሊጻ።

ኣብ ሌጎስ ዝርከብ ‘ማይ ዶግ ኤንድ ኣይ ግሩፕ’ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ድሕንነት ከልቢ እተካይድ ጃኪ ኢዲሞጉ "ሮክሲ ጽብቕቲን ብጽቡቕ ዝዓበየትን ናይ ገዛ ከልቢ እያ ነይራ" ትብል።

"ብኣጋጣሚ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ ካብ ገዝኣ ወጺኣ" ክትብል ነቲ ኩነታት እተረድእ ጃኪ፡ ድሕሪኡ ዋናኣ ኣባላት ሓለዋ ናይቲ ብዙሓት መንበሪ ገዛውቲ ዝርከብዎ ሰፊሕ ቀፅሪ ከምዘፍለጠ ገሊፃ።

ቁሩብ ፀኒሓ ሮክሲ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ መንበሪ ገዛ ኣላ ስለዝተብሃለ ዋናኣ ክወስዳ ናብቲ ዘላትሉ ገዛ በፅሐ።

ኮይኑ ግን ሓደ ኣባል ጸጥታ ናይቲ ቀጥሪ ኣብ ግንባር እቲ ዋና "ሰለስተ ግዜ" ብጥይት ተኲሱ ከምዝቐተላ ይንገር።

ብሞት ሮክሲ ዝተብሃለት ከልቢ ዝተቖጥዑ ብዙሓት ሰባት "ተቓውሞኦም" ከስምዑ ዝፀንሑ ኮይኖም ፍትሒ ከምዝፅበዩ ይገልፁ ኣለዉ።

ሰብ ዋናን ኣካየድቲን ናይቲ ብዙሓት መንበሪ ገዛውቲ ዝሓዘ ቀፅሪ፡ ኣብቲ ኒውስደይ ቃለመሕትት ዘካየደሉ እዋን ርእቶኦም ንምሃብ ኣይተረኸቡን።

ኣብቲ እቲ ቀፅሪ ዝመሓደረሉ ደንቢ ዘሎ መምርሒ፡ ዝኾነ ይኹን ከልቢ ሓደገኛ እንተኾይኑ ወይ ንዝኾነ ሰብ ከጥቅዕ እንተተረኺቡ ክቕተል ከምዝኽእል እኳ እንተገለጸ፡ ተጣባቒት መሰላት ከልቢ ጃኪ ኢዲሞጉ ግን እዚ ንሮክሲ ከምዘይምልከት እያ ትዛረብ።