ጻጸ ብሓቂ ኣብ ደቂ ሰባት መንሽሮ ከለልዩ ይኽእሉ ድዮም?

ጻጸ ኣብ መጻኢ ንመንሽሮ ክፈልዩ ዝኽእሉ ደቀቕቲ ፍጥረታት እዮም።

ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ጻጸ ኣብ መጻኢ ንመንሽሮ ክፈልዩ ዝኽእሉ ደቀቕቲ ፍጥረታት እዮም።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ጻጸ ዝለዓለ ናይ ምጭናው [ምሽታት] ስምዒት ስለዘለዎም እዩ ይብል እቲ መጽናዕቲ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ጻጸ ኣብ ኣናጹ ንዝርከብ ሕማም ከሽትትዎ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጾም።

"እቶም ጻጸ ኣብ ትሕቲ 10 ደቓይቕ ኣብ ኣናጹ መንሽሮ ክፈልጡ ክኢሎም" ይብል መራሒ ናይቲ መጽናዕታዊ ጉጅለ ባፕቲስት ፒኩሬት።

ባፕቲስት ኣብ ጽድያ 2017 እዩ ኣብ ልዕሊ ጻጸ ምርምር ጀሚሩ።

እቲ ቀዳማይ ዝገበርዎ ነገር፡ ጻጸ ኣብ መንጎ ጥዑያት ዋህዮታትን ኣብ ቤተ-ፈተነ ዝተዳለዉ ዋህዮታት መንሽሮን ንምፍላይ ምስልጣን እዩ።

ሕጂ ግን፡ ጉጅለ’ቲ መጽናዕቱ ነቲ ምርምር ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ወሲድዎ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ጻጸ ሰፊሕ መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ እቶም ጻጸ ኣብ ኣናጹ ዝርከብ ሕበጥ መንሽሮ ርእሲ ብቕልጡፍ ክፈልጡ ክኢሎም።

እቲ ጉጅለ መጽናዕቲ ነዚ ምርምር፡ ‘ዜኖግራፍቲንግ’ ዝበሃል ሜላ እዩ ተጠቒሙ።

እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ዋህዮታት መንሽሮ ጡብ ሰብ ናብ ኣናጹ ምዝርጋሕን እቲ መንሽሮ ኣብቶም ኣእዋም ክዝርጋሕ ምፍቃድን ዘጠቓልል እዩ።

ብድሕሪኡ ካብ ጥዑያት ኣእዋምን መንሽሮ ዝተዋህቦም ኣእዋምን ቅምሶ ሽንቲ ወሲዶም።

"ኣብ መስርሕ ምስልጣን እቶም ጻጸ፡ ብዋህዮታት መንሽሮ ዝተለኽፉ ኣናጹ ኣብ ክቢ ቱቦ ድሕሪ ምሽታት፡ ነቶም ጻጸ ንዝገበርዎ ጻዕሪ መግቢ ሽልማት ሂብናዮም" ይብል እቲ ተመራማሪ።

በዚ ኣገባብ እዚ፡ እቶም ጻጸ፡ ነቲ ህያብ መግቢ ምስ ጨና ዋህዮታት መንሽሮ ስለ ዘተኣሳስርዎ፡ ንመንሽሮ ብቐሊሉ ክፈልጡ ክኢሎም።

“ዋህዮታት ከም ፋብሪካታት እዮም። ንኽነብሩ ገለ እታወት የድልዮም። ድሕሪኡ ድማ ነቲ ርስሓት ክኣልዩዎ። ዋህዮታት መንሽሮ ድማ ክለለዩ ይኽእሉ" ይብል ፓቢስቲስት።

እዚ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ሓደ ስሪት ዋህዮታት መንሽሮ ኣብ ትንፋስን ሽንቲን ክረአ ይኽእል።

እቶም ጻጸ ነዚ ጨና መንሽሮ ናይ ምፍላጥ ዓቕሞም፡ ነቲ ዋህዮ ስዒቡ ዝበልዖ ነገር ስለዘለዎም ጥራይ ኣይኮነን።

እቲ ከም ዓስቢ ዝተዋህቦም መግቢ ካብቲ ቦታ ምስተወስደ እውን እንተኾነ ብጨና ዋህዮታት መንሽሮ ናይ ምልላይ ስርሖም ደው ኣየበሉን።

ጻጸ ብሓቂ መንሽሮ ክሽትት ይኽእል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንሽሮ ዘለዎ ሰብ ብጨናኡ ብኸመይ ይፈልጥዎ?

ጻጸ ብሓቂ መንሽሮ ክሽትት ይኽእል ድዩ?

"ኣብዚ እዋን'ዚ ክትፈልዮም ኣይትኽእልን ኢኻ" ክብል እቲ ተመራማሪ ይገልጽ። "ንምንታይ?" ምስ ተሓተተ ድማ ነቲ ምኽንያት ኣብ ደቓይቕ ይገልጾ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ናይ ሰባት ጨና ሚልዮን ዓይነት ስለ ዝኾነ እዩ።

ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጨና ከም ኣሰር ኣጻብዕቱ ዝተፈላለየ እዩ።

ካልኣይ፡ ሽንቲ ሰብ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ውሽጡ ብዙሓት ውህደታት ኣለዉዎ። እዚ ድማ ነቶም ጻጸ ነገራት ከም ዝተሓላለኹ ይገብሮም።

ካልእ ጻጸ ንዋህዮታት መንሽሮ ሰብ ብጨና ንምፍላጥ ዘጸግሞም ረቛሒ ድማ ዕድመን ጾታን ኣመጋግባን ናይቲ ሰብ እዩ።

እዚ ኩሉ ተደሚሩ፡ ጻጸ ንዋህዮታት መንሽሮ ካብ ደቂ ሰባት ክፈልዩ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ሰፊሕ መጽናዕቲ የድልዮ ማለት እዩ።

"ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥናዮ..." ይብል እቲ መሪሕ ተመራማሪ፡ "... ጻጸ ብርቱዕ ጨናታት ናይ ምፍላጥ ፍሉይ ተውህቦ ከምዘለዎም እዩ።"

እዚ ድማ ጻጸ ኣብ መጻኢ ብውሑድ ወጻኢታትን ቀሊል ስልጠናን ጨናታት ደቂ ሰባት ክሽትቱን ዋህዮታት መንሽሮ ከለልዩን ዘኽእሎም እዩ።

ካልእ ጽቡቕ ነገር ድማ ጻጸ ብሓባር ምንባሩን ኣዝዩ ቅልጡፍ ሓበሬታ ምልውዋጡን እዩ።

"እቲ ዘገርም ነገር፡ 10 ሚእታዊት ሰራዊት ጻጸ ጥራይ ብምስልጣን፡ ናብ መላእ መግዛእቲ ጻጸ ምብጻሕ ይከኣል፤ እዚ ዝከኣል ድማ ጻጸ ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ስለዘለዎምን ነቲ ሓበሬታ ናብ ነንሕድሕዶም ናብቶም ካልኦት 90 ሚእታዊት ጻጸ ስለዘመሓላልፍዎን እዩ።"

ጻጸ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣየኖት እንስሳታትን ነብሳትን እዮም ንዋህዮታት መንሽሮ ብጨና ዝፈልዩ?

ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ዩኒቨርስቲ ሚቺጋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣምበጣ ነዚ ክእለት ከም ዘለዎ ኣረጋጊጹ።

ይኹን እምበር፡ ኣንበጣ ንዋህዮታት መንሽሮ ንምልላይ ከም ጻጸ ኣይሰልጠኑን ወይ ኣይተገርዑን።

ኣንበጣ ነቲ ዋህዮ ካብ ርእሶም ክፈልዩ ዘኽእሎም ንኡስ ኣሃዱ ብምንጻል ተመሳሳሊ ፈተነታት ተኻይዱ ነይሩ እዩ።

ይኹን እምበር ኣንበጣ ጥራይ ኣይኮኑን ነዚ ፈተነ ዝተሓጸዩ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ልዑል ናይ ምሽታት ስምዒት ዘለዎም ኣኽላባት እውን ንመንሽሮ ፕሮስቴት ዝፈልጥ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒ ተገጢሙሎም ፈተነ ተኻይዱ ነይሩ እዩ።

ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐት ሶፊ ዓዚዝ፡ እቶም ኣኽላባት መንሽሮ ሽንቲ ምፍላጥ ዘለዎም ዓቕሚ ተስፋ ዝህብ ምልክታት ከምዘርኣየት ገሊጻ።

ካብ ሕሙማት ካንሰር ዝተወሰደ ቅምሶ ሽንቲ እውን ከለልዩ ከምዝኸኣሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ካልእ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ዝተወሰኑ ዓሌታት ኣኽላባት ኣብ ቅምሶ ደም መንሽሮ ማህጸን ከለልዩ ክኢሎም።

ኣኽላባት ንዋህዮታት መንሽሮ ክሽትቱ ምኽኣል ግን ሰፊሕ ናይ ስልጠና ግዘን ገንዘብን ይሓትት።

ጻጸ ትሑት ወጻኢታት ስለዝሓቱ እዮም ዝምረጹ።

ከም ኣገላልጻ ዓዚዝ፡ ሓደ ሰብ ክሓምም ከሎ፡ ጨናኡ ይቕየር እዩ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ውህደት ዝተፈላለዩ ዋህዮታት ናይቲ ሕሙምን ስርዓተ ምክልኻል ሕማምን ነቲ ጨና ዝተሓላለኸ ስለ ዝገብሮ እዩ።

ምናልባት ኣብ መጻኢ፡ ጻጸ፡ ኣንበጣን ኣኽላባትን፡ ብኤሌክትሮኒካዊ መሳርሕታት ተሓጊዞም፡ ልክዕ ከም ኮኬይን፡ ዋህዮታት መንሽሮ ብዘይ ዝኾነ ጌጋ ከሽትቱ ይኽእሉ ይኾኑ።