ዘስካሕክሕ ሞት ከስዕብ ዝኽእል ጥዑም መግቢ ትፈልጡ’ዶ?

ጥዑም መግቢ ድዩ ወይስ ምስ ሞት ጸወታ?
መግለጺ ስእሊ, ጥዑም መግቢ ድዩ ወይስ ምስ ሞት ጸወታ?

ከም ፉጉ ሱሺ ወይ ፉጉ ሱሻሚ ዝበሉ መግቢታት፡ ብፍላይ ኣብ መንጎ ጃፓናውያን ልሙዳት እዮም።

እዚ ካብ ፓፈርፊሽ ዝበሃል ዓሳ ዝዳለው ፉጉ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ክባር ዝበሃሉ ዓይነታት መግቢ እዩ - ዋጋኡ ካብ 100-300 ዶላር ይኸውን።

እቲ ዝገርም ግን ፓፈርፊሽ ካብ ሳይናይድ ዝዛይድ መርዛም እዩ፤ ኣብ ምድላው እቲ መግቢ ዝፍጸም ንእሽቶ ጌጋ ኣብ ሓጺር ግዜ ክቐትል ይኽእል።

“ቅልጡፍን ዘስካሕክሕ ሞት ከስዕብ” ከምዝኽእል ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ ይገልጽ። ማህጸን፣ ጸላም ከብድን መዓንጣን እዚ ዓሳ፡ ቴትሮዶቶክሲን ዝበሃል ኣዝዩ ሓያል መርዚ ዝሓዘ’ዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ኒውዮርክ ታይምስ: ሓደ ፉጉ ን30 ሰባት ንምቕታል ዝኣክል መርዚ ዝሓዘ ኮይኑ ዝፍለጥ ጸረ-መርዚ የብሉን።

ልዕሊ 60 ሚእታዊት ብመርዚ እቲ ዓሳ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ህጹጽ ሕክምና እንተዘይረኺቦም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ክሞቱ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ኤስያ ብሰንኪ ፓፈርፊሽ ዓመታዊ ሞት ወይ ሕማም ከምዘጋጥም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ 2007 ኣብ ታይላንድ፡ ስነ-ምግባር ዘይብሎም ሸየጥቲ ስጋ ፓፈርፊሽ ከም ሳልሞን ኣምሲሎም ክሸጡ ምጽንሖምን ብሰንኪ እዚ ድማ ካብ 2004-2007 ልዕሊ 15 ሰባት ከምዝሞቱን ማዕከን ዜና ኤንቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብ ጃፓን ካብ 2000 ክሳዕ 2012 ጥራይ ፉጉ ድሕሪ ምብላዖም 23 ሰባት ከምዝሞቱ ኣሃዛት መንግስቲ የመልክት። መብዛሕትኦም ግዳያት፡ ዝገፈፍዎ ዓሳ ኣብ ገዝኦም ከዳልዉ ዝፈተኑ እዮም።

ሓደ ካብቶም ዓይነታት ፓፈርፊሽ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ውቅያኖስ ዝርከቡ ቀተልቲ ፍጥረታት እዩ
መግለጺ ስእሊ, ሓደ ካብቶም ዓይነታት ፓፈርፊሽ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ውቅያኖስ ዝርከቡ ቀተልቲ ፍጥረታት እዩ

ኣብ 2020 ድማ፡ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ ከለዉ 4 ሓሚሞም ከምዝነበሩ ሲኤንኤን ፊሊፒንስ ይገልጽ።

ኣብ 1690ታት ኣብ ጃፓን ዝሞተ ጀርመናዊ ሓኪም ኤንገልበርት ካምፕፈር፡ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ካብቲ ዓሳ ዝርከብ መርዚ ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙ ብዝደልዩ ውልቀሰባት ከም ዝድለ ጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብታ ካብ 1984 ጀሚራ ፉጉ ኣጊዳ ዝጸንሐት ጃፓን፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብያተ ብልዒ ብፍቓድ ዘለዎ በዓል ሞያ ዝተዳለወን ዝተዓሸገን ፉጉ ክሸጣ ተፈቒዱ’ዩ።

ሕጂ ፉጉ ምድላውን ምብላዕን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት’ውን ልሙድ ኮይኑ ይርከብ።

ፓፈርፊሽ እንታይ እዩ?

ፓፈርፊሽ ካብ ሃደንቲ ንምህዳም ናብ ቅርጺ ኩዕሶ ክንፋሕ ዝኽእል ዓሳ’ዩ። ኣብ ሓደጋ እዋን፡ ነቲ ተመጣጢ ከብዱ ብብዙሕ ማይ (ሓድሓደ ግዜ ድማ ብኣየር) ብምምላእ፡ ካብ ንቡር መጠኑ ብብዙሕ ዕጽፊ ይንፋሕ።

ገለ ዓይነታት ድማ ኣብ ቆርበቶም ሃደንቲ ንከይቐርብዎም ዝሕግዝ እሾኽ ኣለዎም።

ሓደ ሃዳናይ ከይተነፍሐ ከሎ እንተወሓጦ’ውን፡ ኣየስተማቕሮን። መብዛሕትኦም ፓፈርፊሽ ዘይምቹእ ጣዕሚን ቀታሊ ክኾኑ ዝኽእሉ መርዛም ንጥረ ነገርን ኣለዎም።

እቲ መርዛም ንጥረ ነገር ኣብ ደቂ ሰባት’ውን ሞት ከስዕብ ይኽእል።

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 120 ዓይነታት ፓፈርፊሽ ከምዘለዉ ይግመት። መብዛሕትኡ ግዜ ዓንዲ ሕቖ ዘይብሎም እንስሳታትን ሰበባን (ኣልጌ) ይምገቡ።

እቲ መርዛም ንጥረ ነገር፡ ኣብቶም ዝበልዕዎም እንስሳታት ካብ ዝርከብ ባክተርያ ከምዝሰርሕዎ ይእመን።

ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 120 ዓይነታት ፓፈርፊሽ ከምዘለዉ ይግመት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 120 ዓይነታት ፓፈርፊሽ ከምዘለዉ ይግመት

ፉጉ እንታይ እዩ?

ፉጉ ሱሺ ወይ ፉጉ ሳሺሚ ካብ ፓፈርፊሽ ዝስራሕ ክቡርን ጥዑምን መግቢ እዩ።

ልዑል ፕሮቲን፡ ትሑት ካሎሪን ከም ቪታሚናትን ማዕድናትን ዝበሉ ብዙሓት መኣዛታት ስለዘለዎ ንጽባቐን ጥዕናን ልዑል ረብሓ ኣለዎ።

ዝተቖርጸ ፉጉ ጻዕዳ ኮይኑ መንፈስ ዘሐድስን ቀሊልን ጣዕሚ ኣለዎ። ከም ሳሺሚ ክቐርብ ከሎ ጽኑዕ እልመት ኣለዎ፤ ክሕየኽ ከሎ ድማ ምቁር መኣዛ ይህልዎ።

ኣብ ዝተኸተፈ ሽጉርቲ፣ ፍጅል፣ በርበረ ቺሊን ዝኣመሰሉ ቅመማትን ዘለዎ ፖንዙ (ምስ ከም ናይ ለሚን ዝበሉ ጽማቝ ዝተሓዋወሰ ስጎ ኣዳጉራ) ኣጥዒምካ ይብላዕ። ብካልእ ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት እውን ክቐርብ ይኽእል።

ፉጉ ዳርጋ ጽውጽዋያዊ ደረጃ ዝረኸበ መግቢ እዩ። ሓደገኛ ውሳነ ምስ ምውሳን ድማ ይተኣሳሰር። ኣብ ጃፓን፡ ሰባት ሓደ ሓደገኛ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝፈርሕ ሰብ ክገልጹ ከለዉ፡ “ፉጉ ክበልዕ ይደሊ ግን ህይወቱ ክስእን ኣይደልን” ይብሉ።

ሞት ከስዕብ ስለዝኽእል ብዝሰልጠኑን ፍቓድ ዘለዎምን ከሸንቲ ጥራይ እዩ ዝዳለዉ።

ብኸመይ እዩ ዝቐትል?

25 ሚሊግራም ቴትሮዶቶክሲን ንሓደ 75 ኪሎ ዝምዘን ሰብ ንምቕታል እኹል ምዃኑ ይግለጽ። ናሽናል ጂኦግራፊክ፡ ካብቲ ዕሉል መርዚ ሳይናይድ ክሳብ 1200 ዝያዳ መርዛም ምዃኑ ይሕብር።

ብግቡእ ዘይተዳለወ ፉጉ ዝበልዐ ሓደ ሰብ፡ ካብ ድሕሪ 20 ደቓይቕ ጀሚሩ ምልክታት ክርእይ ይኽእል። መጀመርያ ከንፈሩ፡ ጫፍ መልሓሱን ጫፍ ኣጻብዕቱን ክድንዝዝ ይጅምር።

ብድሕሪኡ፡ ረስኒ፣ ቃንዛ ከብዲ፣ ሕማም ርእስን ተምላስን ይስዕብ፤ ብእግሩ ክስጉም እንተፈቲኑ፡ ሰንከልከል ይብል ወይ ይንቀጥቅጥ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ጭዋዳታቱን ህዋሳቱን ይለምሱ፤ ንምዝራብ ይጽገም። ምትንፋስ ኣይኽእልን።

ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰዓታት ከም ህርመት ልቢ፡ ምሕቃቕ መግቢን ካልእ ስራሓቲን ጠቕላላ ደው ይብሉ።

ኣካላቱ ፍጹም ይለምሱ፤ ኣጻብዕቲ እኳ ከንቀሳቕስ ኣይክእልን። ኣብዚ እዋን ግን ኣእምሮኡ ክሳዕ እታ ዝሞተላ ካልኢት ንቑሕ ስለዝኾነ ይመውት ከምዘሎ ክፈልጥን ዘይዕቀን ራዕዲ ክስምዖን ይኽእል።

ድሕሪ ደጊም ንነብሱ ከተንፍስ ስለዘይኽእል፡ ተስፋኡ ብቕጽበት መተንፈሲ መሳርሒ ምርካብ ጥራይ’ዩ።

እቲ ብጌጋ ኣብቲ መግቢ ዝተገድፈ መርዚ፡ ጸረ-መርዚ ስለዘይብሉ እቲ ሰብ ክመውት ግድን ይኸውን።

እቲ መደበኛ ሕክምና፡ ብስርዓተ ምስትንፋስን ብዑደት ደምን እቲ መርዚ ተቐይሩ ካብ ኣካላት እቲ ግዳይ ክሳብ ዝወጽእ ምድጋፍ እዩ።

መን የዳልዎ?

ምድላው ፉጉ ሓደገኛ እዩ፤ ኣብ ጃፓንን ካልኦት ሓያሎ ሃገራትን ብሕጊ ብጥብቂ ቁጽጽር ይግበረሉ።

ብዙሓት ዓይነታት ፓፈርፊሽ ብደጋዊ መልክዕ ንሓድሕዶም ዝመሳሰሉ’ኳ እንተኾኑ፡ መርዛማት ኣካላቶም ክፈላለ ይኽእል እዩ።

ገሊኦም ኣብ ጸላም ከብዶም ገሊኦም ኣብ ጭዋዳታቶምን ቆርበቶምን - እንተላይ ኣብ ጸላም ከብዶም መርዚ ኣለዎም።

ጸላም ከብዲ ዓሳ ፓፈርፊሽ ክቐትሉ ዝኽእሉ መርዛማት ነገራት ዝሓዘ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ጸላም ከብዲ ዓሳ ፓፈርፊሽ ክቐትሉ ዝኽእሉ መርዛማት ነገራት ዝሓዘ እዩ

ስለዚ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ፓፈርፊሽን ኣየኖት ኣካላቶም መርዛማት ምዃኖምን ናይ ምፍላይ ክእለት ኣገዳሲ እዩ።

ዘ ኒውዮርክ ታይምስ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ሰብ ብቑዕ ከሻኒ ፉጉ ንምዃን መጀመርያ ብውሑዱ ንኽልተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ዘለዎ ከሻኒ ፉጉ ሼፍ ብምግልጋል ናይ ስራሕ ልምዲ ክረክብ ኣለዎ።

ቀጺሉ ናይ ክልተ ሰዓት ናይ ጽሑፍ ፈተና ይፍተን። ድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቓይቕ ካብቶም ኣብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ደርዘን ዝኾኑ ፉጉ እቶም ሓሙሽተ ዓይነታት ከለልይ ክኽእል ኣለዎ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ነቲ መርዛም ኣካላት ካብቶም ዝብልዑ ኣካላት ፈልዩ ነቲ መግቢ ፉጉ ምድላው ክኽእል ይግባእ።

ዘ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ካብቶም ኣመልከትቲ ኣስታት 35 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝሓልፉ ይገልጽ።

ብኸመይ ይዳሎ?

ቢቢሲ ኣብ 2012 ምስ ከሻኒ ኩኒዮ ሚውራ ጻንሒት ገይሩ ነይሩ።

እቲ ብኣኽብሮት ስሙ ሚዩራ-ሳን ብዝብል ዝጽዋዕ ከሻኒ፡ ን60 ዓመታት ፉጉ ክቖርጽ ጸኒሑ’ዩ። ንሱ ሓደ ካብቶም ብከተማ ቶክዮ ፉጉ ከቕርቡ ፍቓድ ዝተዋህቦም ምሩጻት እዩ።

ንሱ፡ ኩሉ ግዜ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሑ መትሓዚ ዘለዎም ብሰራሒ ኣስያፍ ዝበልሑ ፍሉያት ካራታቱ ተጠቒሙ እዩ ፉጉ ዘዳሉ - ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ ሓጋዚ እቶም ካራታቱ ብጥንቃቐ ኣብ ፍሉይ ሳንዱቕ ገይሩ ናብ ክሽነኡ የምጽኣሉ።

ከሻኒ ፉጉ ኩኒዮ ሚውራ ማሕደረ እንቋቝሖ ‘ዝያዳ መርዛም ክፋል'ዩ’ ይብል
መግለጺ ስእሊ, ከሻኒ ፉጉ ኩኒዮ ሚውራ ማሕደረ እንቋቝሖ ‘ዝያዳ መርዛም ክፋል'ዩ’ ይብል

መጀመርታ ነቲ ዓሳ፡ ብከብዱ ኣንቢሩ፡ ርእሱ ይኽፍቶ’ሞ ሓንጎሉን ኣዒንቱን ይኣልዮ።

ብጥንቃቐ ኣብ "ዘይብላዕ" ዝብል ምልክት ዘለዎ ጓንቴራ የቐምጦም። ድሕሪኡ ነቲ ብላዕልን ብጐድኑን ቀጠልያን ንጣብ ንጣብን ዘለዎ፡ ኣብ ትሕቲኡ ጻዕዳ ዝሕብሩ ቆርበት ቀሊጡ መዓንጣ ክቖርጽ ይጅምር።

"እዚ እቲ ዝያዳ መርዛም ክፋል'ዩ" ይብል ነቲ ማሕደረ እንቋቝሖ እናውጽአ። ጸላም ከብድን መዓንጣን እውን ቀተልቲ ክኾኑ ይኽእል’ዮም።

"እዚኣ ንኽትቐትለካ እኽልቲ እያ" ይብል ሚውራ-ሳን ሓንቲ ንእሽቶ ቁራጽ ማህጸን ሒዙ።

ድሕሪኡ፡ ነቶም መርዛማት ኣካላት ብጥንቃቐ መርሚሩ፡ ኣረጋጊጹ ናብ ዝቑለፍ በርሚል የእትዎም። እዚኦም ናብቲ ቀንዲ ዕዳጋ ዓሳ ቶክዮ ተወሲዶም ይቃጸሉ።

ሚውራ-ሳን ወዲ 15 ዓመት ከሎ’ዩ ኣብ ክሽነ ከም ተለማማዲ ክሰርሕ ጀሚሩ። እቲ ስልጠና እንተወሓደ ንክልተ ዓመት ዝውሰድ’ዩ፤ ንሱ ግን ዕድሚኡ 20 ዓመት መሊኡ ኣብ ጃፓን ከም ዓቢ ሰብ ክሳብ ዝቑጸር ፍቓድ ንምርካብ ዘድሊ ግብራዊ ፈተና ክወስድ ኣይተፈቕደሉን።

‘ኣብ ቶክዮ ድማ እቲ ዝኸበደ ፈተና ክንሓልፍ ነይሩና’ - ከሻኒ ፉጉ ኩኒዮ ሚውራ
መግለጺ ስእሊ, ‘ኣብ ቶክዮ ድማ እቲ ዝኸበደ ፈተና ክንሓልፍ ነይሩና’ - ከሻኒ ፉጉ ኩኒዮ ሚውራ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ፡ ካብ ብቑዓት ከሸንቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ስዒቡ፡ ካብ ጥቅምቲ 2012 ጀሚሩ ኣብያተ ብልዒ ኣካላት ፉጉ ከቕርባ ፈቒዱ’ዩ።

"እቲ ፍቓድ ንምርካብ ኣበርቲዕና ሰሪሕና፡ ኣብ ቶክዮ ድማ እቲ ዝኸበደ ፈተና ክንሓልፍ ነይሩና" ይብል ሚውራ-ሳን።

"ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ኣውጺእና ኢና። ነዚ ክእለት ንምርካብ ልዕሊ ሚእቲ ዓሳ ብምቑራጽ ክትለማመድ ኣለካ እዚ ድማ ዋጋ የኽፍል’ዩ" ብምባል ኣማኢት ኣሽሓት የን (ባጢራ ጃፓን) ከምዘድሊ ገሊጹ።

ብመንጽር ዋጋ፡ ፉጉ ኣብ ርካሽ ኣብያተ ብልዒ ክርከብ ይኽእል እዩ። ግን ኣብ ሓደ ግቡእ ቤት መግቢ ከይድካ ኣብኡ ብጽቡቕ ኩነታት ዝተዳለወ ፉጉ ምብላዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ሕንቃቐ 'ዩ።

ራሽያን ሩሌት ዝበሃል ናይ ዕድል ጸወታ ኣሎ። ሓደ ተጻዋታይ ኣብ ሪቮልቨር ሽጉጥ ሓንቲ ጥይት ኣቐሚጡ፡ ነቲ ሲሊንደር (መትሓዚ ጥይት) የሽከርክሮ እሞ፡ ጫፍ እቲ ሽጉጥ ኣብ ርእሱ ወይ ኣካላቱ ገይሩ ነታ ቃታ ይስሕባ። ከም ኣጋጣሚ እታ ቃታ ነታ ጥይት እንተረኺባታ፡ ክመዉት ወይ ክቖስል ይኽእል። እዚ እንተዘይኮኑ እቲ ካልኣይ ተጻዋታይ ድማ ዕድሉ ይፍትን።

ብዙሓት ሰባት ፉጉ ምብላዕ፡ ማዕረ ራሽያን ሩሌት ከም ዝኾነ ይዛረቡ።

ገለ ሰባት ፉጉ ምብላዕ፡ ካብ ኣሰር እቲ መርዚ ኣብ ከንፈሮም ዘገርም ምውጥዋጥ ከምዝተሰምዖም ይገልጹ። ሚውራ-ሳን ግን ከምኡ ክኸውን ከምዘይኽእል ይዛረብ።

ዓሚሉ ፉጉ በሊዑ ዝሞተ ከሻኒ፡ በቲ መግቢ ዝሰርሓሉ ካራኡ ስርዓታዊ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ብኽብሪ ይግደድ’ዩ ዝብል ጽውጽዋይ ሓሶት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር፡ ብሕጊ ፍቓዱ ክስረዝ፣ ክቕጻዕ፣ ክኽሰስ ወይ’ውን ክእሰር ይኽእል። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብታ ምስቲ ዓሳ ዝተኣሳሰር ሕግታት ዘለዋ ጃፓን፡ ብዘይ ስግኣትን ብሰላም ፉጉን ምብላዕ ይከኣል’ዩ።

ጠለብ እቲ ምግቢ እናወሰኸ ምምጽኡ ድማ፡ ፍርያት ፓፈርፊሽ ርኡይ ወሰኽ የርእይ ኣሎ።

ፉጉ ብተዛማዲ ልኡም ጣዕሚ ዘለዎ መግቢ ስለዝኾነ፡ ካልኦት ዝያዳ መኣዛ ዘለዎም ኣማራጺ መግቢታት እናሃለዉ፡ ስለምንታይ ሰባት ብዙሕ ገንዘብ ከፊሎም ፉጉ ይእዝዙ ኢሎም ዝሓቱ ገለ ሰባት ኣለዉ።

እዚ ግና እቲ ውልቀ ሰብ ዝመርጾ ውሳነ እዩ።