ዶክተር ዒሳም ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎ ፈላሚ ዋና ዳይረክተር ወርልድፊሽ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Worldfish
ኤርትራዊ ዶክተር ዒሳም ያሲን መሓመድ፡ ዋና ዳይረክተር ዎርልድፊሽን ማያዊ (aquatic) መግብታትን ኮይኑ ከምዝተሾም መርበብ ሓበሬታ ዎርልድፊሽ ኣቓሊሑ።
ዶክተር ዒሳም፡ ቅድሚ ናብ መሪሕነት ወርልድፊሽ ምድያቡ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ምጽዋር ክሊማን ዘላቕነት ከባብን ኮይኑ ሰሪሑ ነይሩ።
ዶክተር ዒሳም ያሲን መሓመድ፡ ኣፍሪቃዊ መበቆል ዘለዎ ናይ መጀመርታ ዋና ዳይረክተር ወርልድፊሽ ኮይኑ ኣሎ።
ካብ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ 'ብማሪን ባዮሎጂ' ተመሪቑ ኣብ ጃፓን ብ'ደቨሎፕመንት ኢኮኖሚክስ' ማስተርስን ፒኤችዲን ዝገበረ ዶክተር ዒሳም ያሲን መሓመድ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ተመራማሪ ቁጠባ ናይ ኣከባቢ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።
ኣቦ መንበር ኣማኸርቲ ቦርድ ዎርልድፊሽ ፕሮፌሰር ባባ ዩሱፍ ኣቡበከር "ዶክተር መሓመድ፡ ካብ ብዙሓት ብቑዓት ሕጹያት፡ ወርልድፊሽ ዘድልዮ ዝበለጸ ብቕዓት ከምዘርኣየ" ገሊጹ።
ዶክተር ዒሳም ያሲን መሓመድ ብወገኑ፡ "ንስርዓታት መግቢ፡ መሬትን ማይን ብማያዊ መግቢታት ንምቕያር ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ፡ ንወርልድፊሽ ክመርሕ እዚ ዕድል ብምርካበይ ክብሪ ይስምዓኒ" ኢሉ።
ዶክተር ያሲን ቅድሚ ናብ ወርልድፊሽ ምጽንባሩ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ትካል ኣከባብን ልምዓትን (IIED) ሓላፊ ሰማያዊ ቁጠባ ነይሩ።
ዶክተር መሓመድ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ፣ ደቡብ ምብራቕን ምብራቕ ኤስያን፣ ላቲን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ናይ ልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፣ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኣህጉራዊ ተመኩሮ ኣለዎ።
ሃገራት ባንግላደሽ፡ ብራዚል፡ ኮስታሪካ፡ ካምቦድያ፡ ሞዛምቢክ፡ ታንዛንያ፡ ሚያንማር፡ ቬትናም፡ ኣልባንያ፡ግብጽን ሊባኖስን ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ምኽሩ ሓቲተን እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







