ዳዊት ዘርእዝጊ፡ ስነጥበባዊ ዓቕሙ ብስነፍልጠት ንምድራዕ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘምርሐ ኤርትራዊ

ኣብ ውዑይ እዋን ንእስነቱ፡ ኮተቴ እንከሎ'ዩ ምስ ሙዚቃን መሳርሒ ሙዚቃን ተላልዩ።
"ወዲ 14 ዓመት እንከለኹ፡ ስምዒት ሙዚቃ ሓዲሩኒ፡ ክራር ክሕዝ ጀሚረ" ብምባል ናብ ስነጥበብ ዓለም ብኸመይ ከምዝኣተወ የዘንቱ።
ብድሕሪኡ'ውን፡ ነቲ ዘይተርፍ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምፍጻም ናብታ ብዙሓት መንእሰያት ኤርትራ ዝሓለፉላ ወተሃደራዊ ማእከል ስልጠና ሳዋ ኣምሪሑ።
ዳዊት ዘርእዝጊ፡ ወተሃደራዊ ታዕሊም ምስወድአ፡ ናብ ሰራዊት ተመዲቡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተንቀሳቒሱ።
"ናብ ሰራዊት ምስ ተጸንበርኩ፡ እቲ ሰራዊት ብብዝሒ ክራር ስለዝሕዝ፡ ኣነ ካብቶም ክራር ዝሕዙ'የ ነይረ" ብምባል፡ ውትህድርና ንዝነበሮ ናይ ሙዚቃ ጥሙሕ ከምዘይዓገቶ ይዛረብ።
ስደትን ስነጥበብን
ብዙሓት ስነጥበባውያን፡ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ስደት ምስ ኣምርሑ፡ ስነጥበባዊ ሃለዋቶም እናሃሰሰ ክመጽእ ይርአ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ፋሕ ምባሎም'ውን ነቲ ጸቢብ ዕድል ክሳብ ናብ ጠቕሊሉ ናይ ምዕጻው ዕጫ ከብጽሖ ከምዝኽእል ኣብ ገለ ስነጥበባውያን ዝተራእየ ተሞክሮ'ዩ።
ዳዊት'ውን ከም ብዙሓት ጀመርትን ገዳይምን ኤርትራውያን ሙዚቀኛታት፡ ክሳብ 2005 ኣብ ሰራዊት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከምቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ።
ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቱ፡ ኣብታ ብዙሓት ኤርትራውን ስደተኛታት ካብ ዘአንገዳ ከተማታት ብሪጣንያ ዝኾነት ሊድስ ናብራ ስደት ክመርሕ ዝጀመረ ዳዊት'ውን፡ ነቲ ንስነጥበባዊ ሕልምታቱ ክዕንቅጽ ዝኽእል ብድሆታት ስደት ንምስጋር ከሰላስል ጀሚሩ።

ይዅን እምበር ተኽእሎታትን ኣማራጺታትን ከምዘሎ'ዩ ከስተውዕል ክኢሉ።
"ሙዚቃ ኣድማሳዊ ቋንቋ'ዩ" ኢሉ ዝኣምን ዳዊት ዘርእዝጊ፡ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ፡ ጸዓዱ ይዅኑ ጸለምቲ ሙዚቀኛታት ተሓባቢርካ ክስራሕ ከምዝኽእል ብምእማን፡ ዳህሳስን ርክባት ጀሚሩ።
"እታ ቀዳመይቲ መፍትሕ ዝደለኽዋ ኣነ ኣብዚ ስደት፡ ከመይ ጌርካ ምስ'ቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ሙዚቀኛታትን ስቱድዮታትን ትሰርሕ'ዩ. . .እታ ሓንቲ ናይ ቋንቋ ሕቶ'ያ። ብግቡእ ምስኦም ክትረዳዳእ ክትክእል ኣለካ፡" ይብል።
"ካልኣይ እንተኽኢልካ ሙዚቃ ይጸሓፍ'ዩ። እቲ ሜሎዲ ጽሒፍካ ትህቦም፡ ንሶም ከኣ ዘንብቡ እንተኾይኖም" ነቲ ብድሆ ከምዘቕልሎ ይገልጽ።
"ልዕሊ ዅሉ ግን ምስኦም ክሰርሕ እኽእል'የ ኢልካ ንሓጐልካ ከተእምኖ ኣለካ" ዝብል ዳዊት፡ ወጻእተኛታት ጓይላ ንምስራሕ ከጸግሞም ዝኽእል'ኳ እንተኾነ ኣብ "ዘመናዊ ሙዚቃ" ግን ብዙሕ ፍልልይ የብሉን ብሃላይ እዩ።
"ዝዀነ ኤርትራዊ ሙዚቀኛ፡ ኣብ ዘለዎ ሃልዩ ምስ ዝኾነ ሰብ ሙዚቃ ክሰርሕ ይኽእል'ዩ" ዝብል እምነት ዘለዎ ዳዊት፡ ዋላ'ኳ ብውሱን ደረጃ ይዅን እምበር ብግብሪ ሰሪሑሉ'ዩ።
ዳዊት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ሙዚቃዊ ምርኢታት ከምዘቕረበን ሓያሎ ደርፍታት ከምዘፍረየን ይዛረብ። ብወግዒ ዘይተዘርግሓ ግን ዳርጋ ውዱኣት ደርፍታት ንኣፍቀርቲ ሙዚቃ ጆባእ ክብል ትጽቢት ከምዘለዎ'ውን ይዛረብ።
ገለ ካብ ደርፍታቱ ኣብታ "ሕልና ቻነል" ('Hlna channel) ዝብል መጸውዒ ዘለዋ ቻነል ዩትዩብ ከምዘሎ ይገልጽ፣ ሓንቲ ካብተን ዝፈትወን ደርፍታቱ ኣብ ቀዳመይቲ ኣልበሙ ዝወጸት፡ "ምጽማም" እትብል ምዃና ኸኣ ይጠቅስ።
ህዝቢ ከምዝከታተሎ ምፍላጡ ዓቢ ፍናን ከምዝህቦ ብምግላጽ፡ ንደገፍቱ ዘለዎ ኣኽብሮትን ምስጋናን ዓቢ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።
ገለ ካብ ህቡባት ደርፍታቱ፣ ኣብነታዊት፡ ኣይሰንፍን፡ ዕርቂ'ዩ ግርም፡ ኣሚነላ፡ ህያው ኢኻ፡ ተስፋ ኣሎኒን ፍዮሪ ባሕሪን ዝብላ ይርከባአን። "እዛ ዓመት'ዚኣ" እትብል ናይ ሓድሽ ዓመት'ውን ካብተን እዋናውያን ደርፍታቱ'ያ።
መዚቃ ኣብ ዩኒቨርሲቲ
ብኽራር ዝጀመረ ጕዕዞ ስነጥበብ ናይቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ትርከብ ብርኪቶ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ዝተወለደን፡ ንትምህርቲ ናብ ባጽዕ ዝኸደን ዳዊት ዘርእዝጊ፡ ናብ ካልኦት መሳርሒ ሙዚቃታት ምጽዋትን ደርፍን ኣምሪሑ።

ኣብ ገዛኡ፡ ዝለማመደላን ሙዚቃታቱ ዘወሃህደላን ንእሽቶ ስትድዮ ብምግባር፡ ንዘለዎ ዓቕሚ ንምምዕባል ከይሰልከየ ይሰርሕ ኣሎ።
ብዓቢኡ ግን ንሙዚቃዊ ዓቕምታቱ ንምብራኽ፡ ናብ ዩኒቨርሰቲ ብምእታው ስሩዕ ትምህርቲ ሙዚቃ፡ ብፍላይ ድማ ምውህሃድ (ኮምፖዚሽን) ከጽንዕ ተበጊሱ።
"ኣነ ከም ደራፋይ ነቲ ሞያ ብግቡእ ክፈልጦ ስለዘለኒ፡ በቲ ሓደ ኣወሃሃዲ ኮይነ ክሰርሕ እኽእል'የ፡ ከም ደራፋይ'ውን ብቐጥታ ምስኡ ስለዝራኸብ'የ ነቲ ሞያ ክወስዶ መሪጸ" ክብል ስለምንታይ ናብ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ ከምዝወሰነ ይገልጽ።
እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝቐስሞ ዘሎ ፍልጠት፡ እንተወሓደ ናይ ባዕሉ ስራሕ ኣብ ምፍራይ ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ዝኣምን።
"ንኣወሃሃዲ ጸቡቕ፡ ነቲ ሙዚቃ ጽቡቕ፡ ንዓይ ከኣ ከም ደራፋይ ጸቡቕ ስለዝዀነ'የ፡ ነቲ [ትምህርቲ] መሪጸዮ።"
ውልቃዊ ገምጋሙ ኣብ ምዕበለ ሙዚቃ ቋንቋ ትግርኛ
ሙዚቃ ኤርትራ ብሓፈሻ ጽቡቕ'ኳ እንተሎ፡ "ርቀት" ከምዝጐድሎ'ዩ ዳዊት ትዕዝብትታቱ ዘካፍል።
ብርእይቶኡ፡ እቲ ብቋንቋ ትግርኛ ዝስራሕ ሙዚቃ ብግጥምን ዜማን ክምዘን እንከሎ ደሓን ኣሎ ዋላ እንተ ተባህለ፡ "ኣብ ምውህሃድን ርቀትን ሙዚቃን ግን ይጐድለና'ዩ፡ ኣይተመዓራረናን ኣለና" ይብል።
ሙዚቃ ኤርትራ ክንዮኖ ባህላዊ ዶባቱ ሰጊሩ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ዘቃልሕ ንምግባሩ ጻዕርታት ከምዘድሊ ድማ ይመክር።
"ሙዚቃና፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብመጠኑ ይስማዕ'ዩ፣ ርእየ ኣለኹ። ካብኡ ሓሊፉ'ውን ክስማዕ ክኽእል ኣለዎ።"
"መዚቃ ኣድማሳዊ ቋንቋ'ዩ፡ ሙዚቃ ዶብ የብሉን" ዝብል ዳዊት፡ ኣገዳስነት ሙዚቃ ኣብ ሕብረተሰብን ሃገርን ቀሊል ተራ ስለዘይብሉ፡ ኵሉ ስነጥበባዊ ኣብ ምምዕባሉን ምስፍሑን ክነጥፍ ይምሕጸን።
ብዛዕባ ኣብ መንጐ ባህላውን ዘመናውን ሙዚቃ ዘሎ ፍልልይን ብልጫታትን ክዛረብ እንከሎ ድማ፡ "ኵሉ ነናቱ ጽባቐ ኣለዎ። ክልቲኡ ኸኣ ተመዓራርዩ'ዩ ክምዕብል ዘለዎ። በቲ ምስ ዓለምካ እናተራኸብካ ክትከይድ ኣለካ፣ በቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ናትካ ክብርታት እናማዕረግካዮን እናዕበኻዮን ክትከይድ ኣለካ፡" ይብል።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







