ሽጉርቲ ልዕሊ ስጋ ዝኸብረላ ሃገር

ሓንቲ ሰበይቲ ካሻ ናይ ሽጉርቲ እናፈትሐት

ምንጪ ስእሊ, ROLEX DELA PENA/EPA-EFE/REX/Shutterstock

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ኪሎ ሽጉርቲ 11 ዶላር በጺሑ ኣሎ

ናህሪ ዋጋታት መግቢ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአ ዘሎ ቅልውላው'ኳ እንተዀነ ኣብ ፊሊፒንስ ግን ዋጋ ሽጉርቲ ኣዝዩ ብምኽባሩ፡ ከሸንቲ ካልእ ኣማራጺታት ከናድዩ ይግደዱ ኣለው።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለም፡ ሽጉርቲ ቀንዲ መግቢ ክኸውን እንከሎ፡ ስጋ ከም ናይ ምሾት እዩ ዝርአ፤ ኣብ ፊሊፒንስ ግን ዋጋ ሽጉርቲ ልዕሊ ዋጋ ስጋ ተወንጪፉ ኣሎ።

ኣብታ ኤስያዊት ሃገር ብቀይሕን ጻዕዳን ሽጉርቲ ጌርካ ምቕላው፡ ካብ እዋን መግዛእቲ ስጳኛ ዝጀመረ ኣዝዩ ልሙድ ኣገባብ እዩ።

ንፊሊፒናውያን ሽጉርቲ ናይ ምሾት መግቢ ካብ ዝኸውን ከባቢ ሓደ ወርሒ ኣቝጺሩ'ሎ። ኣብ ዕዳጋታት ድሕሪ ዝትርኣየ ናህሪ፡ ዋጋ ሽጉርቲ ካብ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስጋ ዝኸበረ ኰይኑ ይርከብ።

ዋጋ ሓደ ኪሎ ቀይሕን ጻዕዳን ሽጉርቲ ከባቢ 11 ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ዋጋ ምልእቲ ደርሆ ከባቢ 4 ዶላር እዩ።

እዚ ካብቲ ሓደ ፊሊፒናዊ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ ካብ ዝረኽቦ መሃያ (9 ዶላር) ዝኸበረ እዩ።

ሰብ መዚ፡ ምስቲ ምኽባር ዋጋታት፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ሽጉርቲ ደው ከብሉ ክፍትኑ ተራእዮም።

ኣብ ፈለማ ጥሪ፡ 310 ሽሕ ዶላር ዘውጽእ ሽጉርቲ፡ ከም ክዳውንቲ ብምምሳል ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብ ቻይና ክኣቱ እንከሎ ተታሒዙ።

እቲ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣዘራራቢ ክኸውን እንከሎ፡ ፊሊፒናውያን ንመንግስቲ ክነቕፉ ተራእዮም።

“ቸኮሌት ደሓን ኩን! ሰላም ሽጉርቲ። ናብ እንዳ ፊሊፒናውያን ንምብጻሕ ሽጉርቲ እቲ ዝበለጸ ህያብ ኰይኑ ኣሎ፡” ይብል ሓደ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ፊሊፒናዊ ኣብ ትዊተር ዝለጠፎ ጽሑፍ።

ካልእ ከኣ፡ “ናብ ስዑዲ ኣብ ዝገሽናሉ ኣብ ክንዲ ቸኮሌት፡ ሽጉርቲ ንማላእ ኣለና፡” ይብል።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

ሓደ ናብ ኣሜሪካ ዝገሸ ፊሊፒናዊ ስእሊ ሓርጭ ሽጉርቲ ኣሰንዩ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ፡ “ኣብ ፊሊፒንስ ሽጉርቲ ከም ወርቂ ኰይኑ ስለዘሎ፡ ነዚ ክዕድግ ደልየ ናብ ሱፐርማርኬት ከይደ። እንተዀነ ሓሙሽተ ሱፐርማርኬታት ዘይረ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ንሓንቲ ካብተን ሰራሕተኛታት ምስ ሓተትኩ፡ ‘ፊሊፒናውያን በጻሕቲ ንዅሉ ዓዲጐምዎ’ ኢላትኒ” ይብል።

ኣብ ማኒላ ርእሰ ከተማ ፊሊፒንስ ዝቕመጥ ምሁር ስነቁጠባ ኒኮላስ ማፓ፡ ገለ ኣብያተ-ብልዒ ሽጉርቲ ዘድልዮ መግቢ ምሻጥ ደው ኣቢለን ኣለዋ፤ “ንኣብነት ኣብ በርገር ዝግበር ዝነበረ ሽጉርቲ ሕጂ ኣይትረኽቦን ኢኻ” ኢሉ።

ገለ ትካላት ከኣ ኣማራጺ የናድያ ኣለዋ።

መተካእታ ክደሊ ዝጸንሐ ከሻኒ ጃም መልከር፡ ላዞና ዝበሃል፡ ኣብቲ ከባቢ ዝፈሪ ሽጉርቲ ከምዝረኸበን ጣዕሙ ካብቲ ልሙድ ሽጉርቲ ፍልይ ዝበለን ደቂቕን ምዃኑ የረድእ።

“በቲ ኵነታት ኣብያተ-ብልዕን እቲ ሓፋሽ ህዝብን ተሳቕዩ እዩ። ህልው ዋጋ ሽጉርቲ፡ ኣዝዩ ላዕሊ እዩ። ስለዚ ካብቲ ዘለና ኣማራጺታት ዝሓሸ ነገር ክንገብር ንፍትን ኣለና” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ “ኣብ ባህላዊ መግብታትና ሽጉርቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ መግብና እዩ ዝኣቱ፡” ኢሉ።

ኣብ ፊሊፒንስ ስለምንታይ’ዩ ሽጉርቲ ኣዝዩ ከቢሩ?

እቲ ክብሪ ዋጋታት ብኽልተ ነገራት ዝሰዓበ ምዃኑ ኒኮላስ ይገልጽ።

ክፍሊ ሕርሻ፡ ኣብ ነሓሰ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እታ ሃገር ዝወሓደ ሽጉርቲ ክተፍሪ ምዃና'ኳ እንተሓበረ፤ ፊሊፒንስ በቲ ኣብ ነሓሰን መስከረምን ዘጋጠማ ህቦብላ፡ እቲ ፍርያት ካብቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ’ውን ዝኸፍአ ዀነ።

“ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ካብ ደገ ሽጉርቲ ምእታው ተደናጉዩ፡ ዋጋታት ሰማይ ምስዓረገ ኰይኑ፡” ይብል እቲ ምሁር ስነቁጠባ።

ኣብ ፈለማ ጥሪ፡ መንግስቲ ዋጋታት ንምቍጽጻርን ቀረብ ንምምጥጣንን 22 ሚልዮን ቶን ሽጉርቲ ናብታ ሃገር ክኣቱ ፍቓድ ሂቡ።

እዚ ድኻም ናይቲ ምምሕዳር ምዃኑ ኸኣ ይገልጽ፡ ኣማኻሪ እቲ ክፍሊ ሕርሻ ነበር ፈርሚን ኣድርያኖ።

ብርእይቶኡ፡ መንግስቲ፡ እዅል ፍርያት ከምዘይህሉ ምስፈለጠ፡ ኣቐዲሙ ካብ ወጻኢ ከምጽእ ነይርዎ።

ምሕደራ ቦንግቦንግ

ገለ ፊሊፒናውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ መንጐ እቲ ዘይተዋሃሃደ ምሕደራ ጽላት ሕርሻን እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመረጸን ንገዛእ ርእሱ ሚኒስተር ሕርሻ ገይሩ ዝመዘዘን ኣዘራራቢ ፕረዚደንት ፈርዲናንድ ማርኮስ (ቦንግቦንግ) ምትእስሳር ከምዘሎ ይዛረቡ።

ንሱ፡ ወዱ ንውልቀመላኺ ፈርዲናንድ ማርኮስ - ካብ 1970ታት ክሳዕ 1980ታት ንፊሊፒንስ ዝገዝአን ብህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ 1986 ዝተኣለየን ካብታ ሃገር ዝሃደመን - እዩ።

ቦንግቦንግ ኣብ 1991 ናብታ ሃገር ክምለስ እንከሎ ኣብ ፖለቲካ ክሳተፍ ጀሚሩ። ፕረዚደንት ኰይኑ ቅድሚ ምምራጹ፡ ኣመሓዳሪን ኣባል ባይቶን ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ማርኮስ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ካብ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሓሳባት፡ ኣቦኡ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን፡ “ዘበነ ወርቂ” ምንባሩ እዩ። ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን ነቲ ኣበሃህላ ብስግንጢራዊ መገዲ ይጥቀሙሉ ኣለው።