ስለምንታይ እየን ሃገራት ሓድሽ ገንዘብ ዘሕትማ? ንዝቕባበ ፍታሕ'ዶ ይኸውን?

ናይ ኢትዮጵያ ብር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ እዋን፡ ኬንያ፡ ኣብ ዓሚቝ ዕዳ ምስ ወደቐት፡ መንእሰያት እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወጺኦም "ኬንያ ብዛዕባ ዕዳ ትጭነቕ እንተዀይና ስለምንታይ ተወሳኺ ገንዘብ ዘይተሕትም?" ክብሉ ኣብ ትዊተር ወፍሪ ኣካይዶም ነይሮም።

ኣብ 2021 ማእከላይ ባንክ ኬንያ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እታ ሃገር ልዕሊ 8 ትሪልዮን ሽሊን ወይ 72 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ከምዘለዋ ይሕብር።

ኬንያ ግን ዕዳኣ ንምኽፋል ገንዘብ ኣብ ክንዲ እተሕትም፡ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ምህርታ ንምዕባይ ክትሰርሕ ምዃና እያ ኣፍሊጣ።

ንዕዳጋ ሓንቲ ሃገር ዝዘውር መጠን ገንዘብ ምስ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍርያት ማዕረ ክኸውን ከም ዘለዎ ሊቃውንቲ ቁጠባ ይምዕዱ።

ከም ኬንያ ብዝሒ ዕዳ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ንምግታእ ገንዘብ ከተሕትም ከምዘለዋ ዝመክር ድምጽታት ይስማዕ ኣሎ።

ዝቕባበ ዝኽሰት፡ ቀረብ ገንዘብ ሓንቲ ሃገር ካብ ቁጠባዊ ውጽኢት ብዝቐልጠፈ ክዓቢ እንከሎ እዩ።

ኣብ ገለ ሃገራት ኣብ ዕዳጋ ብዙሕ ገንዘብ ምስ ዝህሉ፡ ኣብ ክንዲ ዝቕባበ፡ ‘ልዕሊ ዓቐን ዝቕባበ’ ወይ ‘ምንቍልቋል ዕዳጋ’ [‘ዲፍሌሽን’] ይፍጠር።

'ሃይፐር ኢንፍሌሽን'፡ ናህሪ ዋጋታት ኣዝዩ ብቕልጡፍ ክውስኽን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምስ ዝኸውንን ዝፍጠር ቁጠባዊ ቅልውላው እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ወርሓዊ መጠን ዝቕባበ፡ ልዕሊ 50% እንተዀይኑ፡ 'ሃይፐር ኢንፍሌሽን' ይበሃል።

ዋጋ ኣቑሑት ቀስ ብቐስ እናነከየን ናይ ገንዘብ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ምስ ዝውስኽን ከኣ ‘ዲፍሌሽን’ ይፍጠር።

እንተዀነ ኢትዮጵያ ዝያዳ ብር እንተሓተመት፡ እቲ 'ዝቕባበ' ክጐድል ድዩ ወይስ ክውስኽ? ዝያዳ ገንዘብ ምሕታምከ መፍትሒ ድዩ?

ንምዃኑ ገንዘብ ምሕታም እንታይ ማለት እዩ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኢትዮጵያ እትርከበን ብዙሓት ሃገራት ገንዘበን፡ ብኩባንያታት ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ተሓቲሙ ናብ ማእከላይ ባንክታተን ይኣቱ፡ ነቲ ኣገልግሎት ድማ ብዙሕ ገንዘብ ይኸፍላሉ።

ከም ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ቍጠባዊ ልዕልና ዘለወን ሃገራት ግን፡ ገንዘበን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከሕትማኦ ግዴታ ኣለወን።

ንምዃኑ፡ ገንዘብ ኣሕቲምካ ናብ ዕዳጋ ምዝርጋሕ እንታይ ማለት እዩ?

ቴድሮስ መኮነን (ዶ/ር) ኢትዮጵያዊ ወኪል ትካል 'ኢንተርናሽናል ማእከል ዕብየት' እዩ።

ኣብ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ እውን ኣማኻሪ ኰይኑ የገልግል። ሓላፊ ጆርናል ኢኮኖሚክስ ኢትዮጵያ እውን እዩ።

እቲ ልሙድ 'ሕትመት ገንዘብ' [money printing] ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ እዚ ከኣ ማእከላይ ባንክ ሓንቲ ሃገር፡ ናብ ዕዳጋ ሓድሽ ገንዘብ ከእቱ እንከሎ ምዃኑ ይገልጽ።

ነዚ ብኣብነት ንምግላጽ፡ "ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ንመንግስቲ ልቓሕ ክህብ ከሎ ወይ ንባንክታት 'ፈሰስ' ክገብር ከሎ፤ ሓድሽ ገንዘብ ናብ ዕዳጋ ይኣቱ ኣሎ" ክንብል ንኽእል ይብል።

እዚ ገንዘብ፡ ኣቐዲሙ ተሓቲሙ ኣብ ዕቑር ማእከላይ ባንክ ተኸዚኑ ዝጸንሐ ክኸውን ይኽእል ወይ ድማ ሓድሽ ዝተሓትመ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ብመሰረት እቲ ምሁር ግን፡ እቲ ቁጠባዊ ረብሓ፡ ገንዘብ ምሕታም ዘይኮነስ ካብ ሃገራዊ ባንክ ወጺኡ፡ ናብ ዕዳጋ ምስ ዝዝርጋሕ እዩ።

ቀንዲ ዕላማ ሃገራዊ ወይ ማእከላይ ባንክ፡ ዋጋታትን ቁጠባዊን ርግኣት ምፍጣር እዩ። እተን ሃገራት ነቲ ዘሕትማኦ ገንዘብ ኣብታ ሃገር ክንደይ ምህርቲ ይፈጥር ብዝብል እዩ ዝዕቅኖ፤ ንሓደ ኣቕሓ ንምዕዳግ ክንደይ ገንዘብ ከም ዘድሊ ኣብ ግምት ኣእትየን ከኣ ይውስናኦ።

ሓድሽ ገንዘብ ንምሕታምን ናብ ዕዳጋ ንምዝርጋሕን ወይ ድማ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ገንዘብ ንምቍጽጻር፡ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት (GDP) ሓደ ኣገዳሲ ኣጀንዳ ምዃኑ ክኢላታት ስነ-ቑጠባ ይገልጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ወጻኢታት ብግብርን ካልእ እቶትን ከምኡ’ውን ልቓሕን ድጋፍን ብዝረኽቦ ገንዘብ ይሽፍኖ። እዚ ኵሉ ተደሚሩ ነቲ ወጻኢታት ንምሽፋን እኹል እንተዘይኰይኑ ግን ካብ ሃገራዊ ባንክ ይልቃሕ።

"መንግስቲ ብቐጥታ ካብ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ተለቂሑ ማለት፡ ሓድሽ ገንዘብ ይወስድ ኣሎ ማለት'ዩ። እዚ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ዝቕባበ ዋጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ” ይብል ዶክተር ቴድሮስ።

ገንዘብ ምሕታምን ዋጋ መነባብሮን

ተመራመርቲ ስነ-ቑጠባ ኣብዚ ዛዕባ መርገጺኦም ሓደ እዩ። "ናብ ዕዳጋ ሓድሽ ገንዘብ ናብ ምድራዕ/ምዝርጋሕ፡ ዋጋ መነባብሮ ዘጋድድ እምበር ዘረጋግኦ ኣይኮነን" እዩ ዝብል።

ዶክተር ተሾመ ተፈራ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ክኢላን መምህርን ስነ-ቑጠባን እዩ።

ኵለን ሃገራት ገንዘብ ክሕትማ ይኽእላ እየን፡ ኣብ ዝደለያኦ ግዜ ግን ክሕትማ ኣይክእላን እየን ይብል።

"ስለዚ ኢና ድማ ሕትመት ገንዘብ ሓድሽ ነገር'ኳ እንተዘይኰነ፡ ዋጋ መነባብሮ ከጋድድ ስለዝኽእል ምስ ቁጠባ ክሰማማዕ ኣለዎ ንብል።"

ብመሰረት እቶም ክኢላታት፡ ሕትመት ገንዘብ ወይ ሓደስቲ ገንዘብ ናብ ዕዳጋ ምዝርጋሕን ዋጋ መነባብሮን ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎም።

“ንኣብነት ዝያዳ ገንዘብ ክሕተም ከሎ፡ ኣብ ጁባ ሰባት ዝያዳ ገንዘብ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ግን ድሩት እዩ።"

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ መነባብሮ ንኽውስኽ ሓደ ካብቲ ምኽንያት መንግስቲ ካብ ሃገራዊ ባንክ ገንዘብ ስለዝልቃሕ ምዃኑ ይኣምን።

"እቲ ዘሕዝን ግን ኣብ ሃገርና መንግስቲ ካብ ሃገራዊ ባንክ ዝልቃሓሉ ልሙድ ኣሰራርሓ ኣሎ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕባበ ዋጋታት ዝፈጠረሉ ምኽንያት እዩ። መንግስቲ፡ ሓድሽ ገንዘብ ናብ ዕዳጋ ዝዝርጋሕ፡ ንዝተፈላለዩ ወጻኢታት ገንዘብ ስለ ዘድልዮ እዩ።”

ክልቲኦም ዘዘራረብናዮም ምሁራት ከም ዝበልዎ፡ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ መጠን ገንዘብ ምስቲ ፍርያትን ኣገልግሎትን እንተዘይተሳንዩ፡ ናይ ገንዘብ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ክዳኸምን ዋጋ ናይቲ ፍርያትን ኣገልግሎትን ክውስኽን ምኽንያት ይኸውን።

መጠን ዝቕባበ ኢትዮጵያ በብእዋኑ እናወሰኸ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ ዘሎ። ንኣብነት ኣብ ዓመት 2021 መጠን ናህሪ ዋጋታት 26 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ይሕብር። ኣብ 2022 ድማ ናብ 37 ሚእታዊ ዝዓበየ ምዃኑ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ 'ዝቕባበ' ናብ 'ሃይፐር ኢንፍሌሽን' የምርሕ ከምዘሎ ይዛረብ።

"ብዙሓት ሃገራት ካብ 7 ክሳብ 15 ሚእታዊ ዝቕባበ ኣለወን። ንዕኡ ድማ ኣብዚ ዓለም ብዝለዓለ ናህሪ ዋጋታት ትናወጸሉ ዘላ እዋን። ዳርጋ ናብ (ሃይፐር ኢንፍሌሽን) ኣቕኒዕና ኣለና።” ይብል።

ዶክተር ተሾመ፡ ህሉው ኵነታት ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ 1930ታት ምዕራባውያን ዘጋጠሞም 'ዓቢ ቅልውላው' ዝመሳሰል ምዃኑ ይዛረብ።

ብመሰረት እቲ ምሁር፡ ኣብ 1930ታት ምዕራባውያን ክልተ ነገራት ኣጋጢምዎም ነይሩ። ናህሪ ዋጋ መነባብሮን ቁጠባዊ ምንቁልቋልን። ኣብዚ እዋን'ዚ እተን ሃገራት ሓድሽ ገንዘብ ኣሕቲመን ናብ ዕዳጋ ክዝርግሓ ወሲነን።

ስለዚ ገንዘብ ምሕታምን ናብ ዕዳጋ ምዝርጋሕን፡ ቀረብ ገንዘብ ሓዊሱ፡ ነቲ ደቂሱ ዘሎ ቁጠባ ንምንቕቓሕ ናይ ሓጺር ግዜ ፍታሕ ክኸውን ከምዝኽእል ይእመን።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ገንዘብን ኣብ ባንክታት ዝተኸዘነ ገንዘብን ኣስታት 1.3 ትሪልዮን ብር ከምዝበጽሐ ይዝረብ።

"ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ገንዘብ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ካልእ ገነዘብ [ባጤራ] ምሕታም ዓቢ ሕቶ ዘልዕል'ዩ።"

ከይዲ ሕትመት ዶላር ኣመሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መፍትሒኡ ደኣ እንታይ ክኸውን እዩ?

"ሓድሽ ገንዘብ ናብ ዕዳጋ ምእታው ንናህሪ ዋጋታት ብተኣምር ዝገትኦ ኣይኮነን። [ኣብ ዕዳጋ ንዘሎ ገንዘብ] ምእካብ ግን ንናህሪ ዋጋታት ክገትእ ይኽእል እዩ" ይብል ዶክተር ቴድሮስ።

መንግስቲ ንናህሪ ዋጋታት ንምግታእ ገንዘብ ክእክብን፡ ካብ ሃገራዊ ባንክ ዝተለቅሐ ገንዘብን ወጻኢታቱን ክቕንስ ይመኽሩ።

“ዝተፈላለዩ ቁጠባዊ ቅልውላዋት ኣጋጢሙ እዩ፤ ንኣብነት ለበዳ ኮቪድን ግጭትን። መንግስቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ብዙሕ እዩ። መንግስቲ ናህሪ ዋጋታት ከም ዘስዕብ ዘይፈልጥ ኮይኑ ኣይመስለንን፣ እንተዀነ እቲ ወጻኢታት ካብቲ ዝስዕብ ዝቕባበ ይሓይሽ’ዩ ብዝብል ሓሳብ’ዩ።"

ከም መፍትሒ ድማ ‘ሊኲዴት ማነጅመንት' ዝብል ሓሳብ የቕርብ፤ እዚ እንታይ ማለት እዩ?

ሃገራዊ ባንክ ገንዘብ ይእክብ። ባንክታት ትርፊ ገንዘበን ብወለድ ናብ ሃገራዊ ባንክ ኣታዊ ገይረን የቐምጣኦ።

“እዚ ምስ ዝኸውን ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ገንዘብ ክጐድል እዩ። ወለድ ብምውሳኽ ሰባት ኣብ ክንዲ ወጻኢታት ኣታዊ ክገብሩ ይኽእሉ። እዚ፡ ዝቕባበ ንምቍጽጻር ሓደ መገዲ'ዩ" ይብል።

ምዕባይ ምህርትን ኣፍራይነትን (GDP) ናይ ነዊሕ ግዜ ውጥን እምበር ናይ ሓጺር ግዜ ፍታሕ ከምዘይኮነ ምሁራት ይሰማምዑ።

ዶክተር ተሾመ፡ መንግስቲ ገንዘብ ብምሕታም ዘይኮነስ፡ ኣማራጺ ፖሊሲታት ብምቕራጽ፡ ሸቕለተ-ኣልቦነት ብምንካይ፡ ኣውፈርቲ ብምዕዳም ስራሕ ምፍጣር፡ ዋጋ መነባብሮ ክገትእ ከምዝኽእል ጽኑዕ መርገጺ ኣለዎ።