'ንጉስ' ሰረንጌቲ ብመወዳድርቱ ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, RAJABU HUSSEIN
ንጉስ ናይ ሰረንጌቲ ብዝብል ዝፍለጥ ኣንበሳ ብመወዳድርቱ ተቐቲሉ።
ኣብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ሰረንጌቲ ዑደት ዝገብሩ ዘለው በጻሕቲ ንሬሳ ናይቲ ቦብ ጁንየር ከምኡ’ውን ሲንጊቭ ብዝብል ዝጽዋዕ “ህቡብ” ዝነበረ ኣንበሳ ይበጽሑ ኣለው።
እቲ ስእሊ ዝፈቱን ምልኩዕ ምንባሩ ዝንገረሉን ቦብ ጁንየር ብመወዳድርቱ ይፍራሕ ከምዝነበረን ብሓገዝ ሓው ቲርጊቭ ንሸውዓተ ዓመታት ከምዝመርሐን ይግለጽ።
ክልቲኦም ብንኣሽቱ መወዳድርቶም ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግመት።
ሰራሕተኛ እቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ ፍሬዲ ሺርማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “[እቶም መወዳድርቱ] ንቦብ ጁንየር ክዓልውዎ ይደልዩ ኔሮም” ኢሉ።
“መብዛሕትኡ ግዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ዝኽሰት፡ መራሒ ናይ ጕጅለ ኣናብስ ክኣርግ ወይ ከኣ ካልኦት ተባዕትዮ ኣናብስ ብስፍሓት እቲ ንሱ ዝቈጻጸሮ ግዝኣት ሕጉሳት ምስ ዘይኮኑ እዩ ዝኽሰት” ይብል።
እቲ ሓው እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ገጢምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ዝገለጸ ፍሬዲ ነቲ ኩነታት ንምርግጋጽ ይፍትኑ ምህላዎም ሓቢሩ።
እቶም ኣናብስ ኣብ ዝተፈላለየ ግና ዝተዋሃሃደ ዝመስል መጥቃዕትታት ከምዝተቐተሉ’ውን ተዛሪቡ።
እቲ 10 ዓመት ዕድመ ከምዝነበሮ ዝግመት ቦብ ጁነየር፡ ወዱ ነቲ ብቦብ ማርሊ ዝጽዋዕ ብዓል ዝና ኣንበሳ ምዃኑ ተሓለቕቲ ኣከባቢ ይገልጹ።
ቦብ ጁንየር ብቐዳም ክቕተል እንከሎ ርእሱ ንምክልኻል ብዙሕ ከምዘይተቓለሰ ይግመት።
ሰብ መዚ እቲ ሃገራዊ ሕዛእቲ ስነስርዓት ቀብሩ ንምፍጻም ምድላዋት ይካየድ ከምዘለው እኳ እንተተገለጸ፡ መዓስ ከምዝኸውን ገና ኣይተሓበረን ኣሎ።
ኣብ ሰሜናዊ ታንዛንያ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ሰረንጌቲ፡ ከባቢ 3000 ኣናብስ ዝነብሩሉን ብብዙሓት ቱሪስት ዝብጻሕን እዩ።
ብዙሓት ትካላት ኣዋሃሃድቲ ዑደት ብሞት እቲ ንጉስ ሓዘኖም ኣብ ኦንላይን ይገልጹ ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







